ኬንያ 'ስርቂ ዓሳ' ንኸይፍፀም እትከታተል ጀልባ ሓለዋ ባሕሪ ናብ ስራሕ ኣዋፊራ

ፕረዚደንት ኬንያ፡ ንሃገሩ ፈላሚት ዝኾነት ጀልባ ሓለዋ ባሕሪ ብወግዒ ስራሕ ክትጅምር መሪቑ። እታ ጀልባ ማያዊ ግዝኣት ኬንያ ንምሕላውን ንምቁፅፃርን ከም እተገልግል ተገሊፁ።

ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ከም ዝበልዎ፡ ኣብ ዓመት ክሳብ 100 ሚልዮን ዶላር ክሳራ ዘስዕብ ዘይሕጋዊ ምግፋፍ ዓሳ ከይፍፀም ክትሕሉ እያ።

ነቲ ማያዊ ግዝኣት ካብ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባትን ሓሽሽን ነጻ ኣብ ምግባር'ውን ከም እትሰርሕ ተፈሊጡ።

ሓላዋ ድሕነት ባሕሪ እታ ሃገር ክሳብ ሕዚ ሓላፍነት ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ኮይኑ ፀኒሑ እዩ። ሰበ ስልጣን ኬንያ ከም ዝበልዎ፡ እቲ ሓይሊ ባሕሪ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ ድሕነትን ወተሃደራዊ ዋኒናትን ጥራሕ ኣድሂቡ ክሰርሕ እዩ።

ሓለዋ ባሕሪ ኬንያ ነዛ ሓንቲ ጀልባ ጥራሕ ዝሓዘ ብምዃኑ ግን፡ እቲ ሓለዋ ሕዚ'ውን ኣብቲ ሓይሊ ባሕሪ ፅግዕተኛ ከም ዝኸውን፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ፈርዲናንድ ኦሞንዲ ይዛረብ።

ሓይሊ ባሕሪ ኬንያ ምስ ካልኦት ሓይልታት ፀጥታ እታ ሃገር ብምዃን፡ ኣብ ወደባዊት ከተማ ሞምባሳ ፀረ-ሓሽሽ ወፍርታት የካይድ እዩ። ኣብ 2012 ድማ ኣስታት 12.6 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ዘይሕጋዊ መድሓኒት ዝፀዓነት መርከብ ንኽትዓኑ መምርሒ ሂቦም ነይሮም።

ፕረዚደንት ኬንያታ ከም ዝበልዎ፡ ካብ ደገ ዝመፃ ጀላቡ ዘካይድኦ ዘይሕጋዊ ዝፋ ዓሳ፡ ንኬንያ ዘስግእ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ። ናይዛ ጀልባ ሓለዋ ባሕሪ ናብ ስራሕ ምውፋር ኣብ "ስርቂ ዓሳታትና" ንዝወፈራ ጀላቡ ኣብ ምቁፅፃር ኣገደስቲ እየን ዝብል መልእኽቲ ኣብ ትዊተሩ ፅሒፉ።

ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመፃ ዘፈፍቲ ዓሳ ጀላቡ፡ ናብ ማያዊ ግዝኣተን ብምእታው ዓሳታት ከም ዝሰርቃ ክሴታ የቕራባ።

ኣብ ሃገራት ሰኔጋልን ሞሪታንያን ዝርከቡ ዘፈፍቲ ዓሳ፡ ዝበዝሕ ሃፍቲ ዓሳ ሃገሮም ካብ ካልኦት ሃገራት ብዝመፁ ዘይሕጋዊ ዘፈፍቲ ስለዝስረቑ፡ መጠን ዕቑር ሃፍቲ ዓሳ ሃገራቶም ከም ዝነከየ ይዛረቡ።

ገለ ሶማሊያውያን ዘፈፍቲ ዓሳ'ውን፡ ብሰንኪ ዘይሕጋውያን ዘፈፍቲ፡ መጠን ሃፍቲ ዓሳ ሃገሮም ስለዝነከየ፡ ናብ ሸፍትነት ባሕሪ ከም ዝኣተዉ ይዝረብ።