እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ማላዊት ሓኪም፡ኣብ ክፍሊ መዋልዳን 'ሰልፊ' ብምስኣላ ካብ ስርሓ ተሰጒጓ
ማላዊ ዜግነት ዘለዋ ሓኪም፡ ኣብ ክፍሊ መዋልዳን 'ሰልፊ' ተሳኢላ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብምልጣፋ ካብ ስርሓ ተኣጊዳ።
ኣብዚ ጉዳይ ቀፃሊ ምርመራ ከምዝግበር ተገሊፁ።
እዚ ስእሊ ብዙሓት ዝተቐባበልዎ እንትኾኑ፡ ኣብቲ ክፍሊ መዋልዳን፡ ንክትወልድ ጥራሕ ነብሳ ናይ ዝተዳለወት ጓልኣንስተይቲ ስእሊ፡ ንብዙሓት ኣቖጢዑ ኣሎ።
ርክብ ህዝቢ ሚኒስትር ጥዕና ማላዊ ጆሹዋ ማላንጎ ንቢቢሲ ፎከስ ኣፍሪካ፡ ነዚ ስእሊ "ዘደንግፅ" ክብሉ ገሊፆሞ።
እዚ ስእሊ መን ከምዝሰኣሎን ከምዘባፅሖን ንምፍላጥ፡ ናብ ማሕበር ሓኻይም እታ ሃገር ተመሪሑ፡ ምርመራ ክካየደሉ ከምዝፀንሐ ሓቢሮም።