ኣብ ሞያሌ ኣብ ሞንጎ ሶማሌን ኦሮሞን ብዝተፈጠረ ጎንፂ ህይወት 19 ሰባት ሓሊፉ

ካብ ዝሓለፈ ሰምበት ጀሚሩ ኣብ ከተማ ሞያሌ ናይ ሰላም ኣየር ርሒቑ ቀንዩ፤ ብሰንኪ መሬት ይግበኣኒ ኣብ ሞንጎ ምልሻታት ኦሮሞን ሶማሌን ጎንፂ ኣጋጢሙ፡ ብውሑዱ 19 ሰባት ሞይቶም፡ 102 ሰባት ድማ ቆሲሎም።
ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ወረዳ ሞያሌ ኣይተ ቦሮ ሆቃ ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ፡ ካብ ኦሮሚያ ሽድሽተ ሰባት እንትሞቱ 72 ድማ ቆሲሎም።
ኣብ ክልል ሶማሌ ኣማኻሪ ድሕንነት ኮይኖም ዝሰርሑ፡ ኣይተ ሸኑ ጎደኖ ድማ፡ 13 ሰባት እንትሞቱ፡ 30 ምቁሳሎም ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ከም ኣገላልፃ ኣይተ ቦሩ፡ ኣብቲ ጎንፂ ከቢድ ኣፅዋር ኲናት ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ እዩ።
ኣብ ወረዳ ሞያሌ ሓላፊ ውድብ ዲሞክራቲክ ኣይተ ዓሊ ጠቼ ብወገኖም፡ እቲ ጎንፂ ከምዘጋጠመ ብምእማን፡ እቲ ጉዳይ ግን ዓሌታዊ ዘይኮነስ፡ ትሕዝቶ መሬት ናይ ምግፋሕ ድልየት ስለዝነበረ እዩ ኢሎም።
ክልል ሶማሌ፡ ንሞያለ ናብ ዞባ ንምዕባይን ናይቲ ዞባ ማእኸል ከተማ ናይ ምግባር ድልየት ኣለዎ ብምባል ይኸስሱ። እዚ ድማ ናብ ክልልን ፌደራልን መንግስቲ ኣፍሊጦም ምላሽ ከምዘይረኸቡ ይዛረቡ።
ብምኽንያት እቲ ጎንፂ፡ ናይ ሓደ ቤት ትምህርቲ ክልተ ክፍልታትን ሓደ ትካል ጥዕናን ከምዝተቓፀለ ገሊፆም።
ኣይተ ሸኑ ጎደኖ ብወገኖም፡ መንቀሊ እቲ ጎንፂ፡ ኣብ ተወለድቲ ኦሮሞ ዘሎ መሬት ናይ ምስፍሕፋሕ ድልየት ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ቅድሚ ሕዚ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ህዝብታት፡ ሕቶ ይግበኣኒ ይለዓለሎም ኣብ ዝነበረሎም ከባብታት፡ ተወልድቲ ኦሮሞ መፂኦም ባንዴራ ከምዝተኸሉ እውን ተዛሪቦም።
እቲ ባንዴራ ኣብ ናይ ሶማሌ ክልል መሬት ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ሸኑ፡ 'ባንዴራ ኣልዕሉ ኣይነልዕልን' ብዝብል ምስሕሓብ እቲ ጎንፂ ኣጋጢሙ ኢሎም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







