ሕቶ መንነት ቅማንት ዘልዓሉ መጥቃዕቲ ይፍፀሞም ከምዘሎ ገሊፆም

ህዝቢ ቅማንት
መግለጺ ስእሊ, ህዝቢ ቅማንት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መረፃ ርእሰ ውሳነ እንተካይድ

ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ሕቶ መንነት ኣብ ዘልዓሉ ተወለድቲ ቅማንት ዝፍፀም መጥቃዕቲ ሕዚ'ውን ከም ዝቐፀለ ዘዘራረብናዮም ሰባት ገሊፆም። ብቕድሚ ትማሊ'ኳ፡ ኣባላት ፀጥታ ብዝኸፈትዎ ተኹሲ ዝሞቱን ዝቖሰሉን ከም ዘለዉ ተዛሪቦም።

ሓላፊ ቢሮ ፀጥታ ክልል ኣምሓራ ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ፅጌ ግን፡ "ንህዝቢ ቅማንት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ የለን" ኢሎም።

ሕቶ መንነት ከልዕሉ ካብ ዝጅምሩ ዓመታት ከም ዝተቖፀረ ዝዛረብ ተወላዲ ቅማንት ማሞ ሃብቴ፡ ሕቶኦም ሕግን ስርዓትን ብዝሓለወ መገዲ፡ ካብ ክልል ክሳብ ፌደራል ከም ዘቕረቡ ይገልፅ።

ይኹን ዳአ'ምበር ንሕቶኦም ፍታሕ ክህብ ዘይደለየ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ቅማንት ክሳብ ንሞት ዘሳጥሕ መጥቃዕቲ ከም ዝፈፀመ ይዛረብ።

"ኣብ ኣምሓራ፡ ከባቢ ወረዳ መተማ መብዛሕቲኡ ቅማንት'ዩ። ኣብ ልዕሌና ዘነፃፀረ መጥቃቲ ድማ እናተፈፀመ ይርከብ። ሎሚ መዓልቲ'ኳ ሰለስተ ተወለድቲ ተቐቲሎም ኣለዉ" ክብል ዝሓለፈ ረቡዕ ብስልኪ ሓቢሩልና።

"ኩነታት እቲ መጥቃዕቲ ሕዚ'ውን ቀፂሉ'ሎ። ትማልን ብቕድሚ ትማልን ብዙሓት ግዳያት ኮይነኖም'ዮም። መንበሪ ገዛ ተቓፂሉ፤ ንብረት ዓንዩ'ዩ። እዚ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ብምምሕዳር እቲ ክልል ዝዋደድ ዘሎ ይመስለኒ። ሓረስቶት ኣብ ቅድሚት እናገበሩ፡ ፍሉይ ሓይሊ ኣብ ልዕሌና መጥቃዕቲ እናፈፀመ እዩ" ክብል'ውን ብመረረት ተዛሪቡ።

ብፍላይ ንቅማንት ዝምልከታ ሰለስተ ቀበሌታት ናብቲ ህዝቢ ክውሰና ብዘይምኽኣለን ህዝቢ ከም ዝተቖጠዐ ማሞ ወሲኹ ሓቢሩ።

ሓላፊ ቢሮ ፀጥታ ክልል ኣምሓራ ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ፅጌ ግን፡ "ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ቅማንት ብፍሉይ ጥቕዓት ንኽፍፀም ዘግብር ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ካልኦት ምኽንያታትን የለዉን" በሃላይ እዮም።

ንህዝቢ ቅማንት ንውክል ዝብሉ ሰባት፡ ብዝተፈለየ መገዲ ምስ ካልኦት ሓይልታት ሓቢሮም ብምስራሕ፡ ኣብቲ ከባቢ ጎንፂ ክውላዕ ከም ዝገበሩ'ውን ይዛረቡ።

"ንኣብነት ኣብ ቀረባ ብዝተወለዐ ጎንፂ ካብ ቅማንትን ኣምሓራን ሞይቶም'ዮም። ብቑፅሪ እንተሪኢናዮ'ውን ካብ ወገን ኣምሓራ ዝሞተ ይበዝሕ። እዚ ድማ ጥቕዓት ከም ዝተፈፀመ ዘርእይ ኣይኮነን" ክብሉ ገሊፆም።

'ንምንታይ ሕቶ መንነት ተልዕሉ?'

ጀነራል ኣሳምነዉ ንህዝቢ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ከም ዘይተፈፀመ'ኳ እንተተዛረቡ፡ ኣብቲ ክልል ሌንጫ ኣብ ዝተበሃለት ቀበሌ ብቕድሚ ትማሊ ዝተፈፀመ ጥቕዓት ከም ዝነበረ ኣማሓዳሪ እታ ቀበሌ መልኣከ መንክር ጌታሁን ኣረጋጊፆምልና።

"ህዝቢ ንህዝቢ ዘይኮነስ፡ መንግስታዊ ኣካል'ዩ ነቲ ጎንፂ ዝፈጥር ዘሎ። ሕዚ'ውን እቲ ጎንፂ ምስቀፀለ'ዩ። ቅድም ክብል ዝተቐተሉ ኣለዉ። ሕዚ'ውን ዝጠፍአ ሰብ ኣሎ። ናብ ምንታይ ከም ዘምርሕ ዝፍለጥ ነገር የለን" ክብሉ ሓቢሮምና።

"መንቀሊ እቲ መጥቃዕቲ 'ንምንታይ ሕቶ መንነት ተላዒሉ' ዝብል እዩ። ሰለስተ ቀበሌታት ናብኹም ክኸዳ የብለንን ብዝብል ሕቶና ፀቒጦምዎ። መንግስቲ እቲ ክልል ንህዝቢ ኣለዓዒሉ፡ ዕጡቓትን ፍሉይ ሓይልን ኣዋፊሩ የውቀዓና ኣሎ" ኢሎም።

ነቲ ኣብዚ ቅነ ዝተፈጠረ ዘይምርግጋእ፡ 'ነቲ ህዝቢ ንውክል ኢና' ዝብሉ ተወለድቲ ምስ ካልኦት ፀረ-ሰላም ሓይልታት ብምዃን ከም ዝጀመርዎ ጀነራል ኣሳምነው ይዛረቡ። "ኣብ ጉዳይ ክልልና ኢዶም ዝሓውሱ ናይ ደገ ኣካላት ኣለዉ" ይብሉ።

ጎረቤት ክልል

ጀነራል ኣሳምነዉ ከም ዝብልዎ እንተኾይኑ፡ ኣብቲ ጉዳይ ኢዶም ዝሓውሱ ኣካላት ስለዘለዉ፡ ምሉእ ምፅራይ ብምክያድ ንህዝብን መራኸቢ ሓፋሽን ክግለፅ እዩ።

"ምፅራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ሓደጋ'ውን ስለዝኾነ ክንቃለሶም ኢና። ብዝበለፀ ብመረዳእታ ኣጠናኺርና ብምቕራብ ነቲ ሓይሊ ምቅላዕን ምቅላስን ይከኣል'ዩ። እቶም ንረኽቦም መረዳእታታት ኣተኣኻኺብና ብምትንታን፡ እቲ ይኸውን ዘሎ እዚ'ዩ ክንብል ንኽእል ኢና" ይብሉ።

ንኣብነት፡ ቅማንት 66 ቀበሌታት ወዲቡ ብደረጃ ፍሉይ ዞባ ክጣየሽ ተፈቒዱሉ ከም ዝነበረን ነዚ ግን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ከም ዘይፈፀመን ገሊፆም።

"ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ናይ ዕግርግር ቦታ ክኸውን ስለዝተደለየ'ዩ" ብምባል፡ እዞም ሓይልታት ካብ ጎረቤት ክልል ሽፋን ሚድያ ከም ዝወሃቦምን፡ ዝተዛብዐ ሓበሬታ ከም ዝቐርብን ወሲኾም ይሕብሩ።

ብተወሳኺ'ውን እቶም ሓረስቶት፡ ክረኽብዎን ክሕዝዎን ትፅቢት ዘይግበር ዕጥቂ ኣብ ኢዶም ከም ዝፀንሐ እቶም ጀነራል ይገልፁ። ዘዘራረብናዮም ተወለድቲ ቅማንት ግን ነዚ ቅቡል ኣይገብሩን።

"ከባቢና በረኻ ስለዝኾነ ጥሪቶም ንምሕላዉ ብሕጋዊ መገዲ ዝተዓጠቑ ኣለዉና" ዝብል ማሞ፡ ህዝቢ ኣብ ገዝኡ ዝረኸቦ ዕጥቂ ሒዙ ብምውፃእ ካብ ዕጡቓት መንግስቲ ንዝፍፀም መጥቃዕቲ ካብ ምክልኻል ወፃኢ ዝሓዝዎ ከቢድ ዕጥቂ ከም ዘየለ ይዛረብ።

ሕቶኦም ናብ ባይቶ ፌደሬሸን ኣቕሪቦም፡ ሕጋዊ መልሲ ይፅበዩ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እዚ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈፀመ ኣስማት ዝሞቱን ዝቖሰሉን ሰባት ብምዝርዛር ሓቢሩልና። ኣብ ገዝኦምን ስርሖምን እናሃለዉ ዝተቐተሉ ከም ዘለዉ'ውን ይገልፅ።

መተማ

ኣብዚ ሰሙን ኣብ መተማ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ተወለድቲ ቅማንትን ትግራይን እዮም ግዳያት ኮይኖም። ከንቲባ ከተማ መተማ ዮውሃንስ: ኣይተ ኣድነው ኣያና፡ ኣብ ልዕሊ ንብረት ክሳራ ምብጽሑ ኣረጋጊጾምልና እዮም።

ኣብ መተማ ካብ ዝነበረ ጎንፂ ዝተወሰደ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, ETHIO LOVE NEW

"ክሳብ ሕዚ፡ ብቁጽሪ ክንደይ ዝኣክል ሰብ ከምዝተመዛበለን ክንደይ ንብረት ከምዝዓነወን'ኳ እንተዘይፈለጥና፡ ዝተቓጸሉ ኣብያተ ንግዲ ኣለው" ብምባል፡ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣብዚ እዋን ጸጥታ ኣብ ምስፋን ይነጥፍ ከምዘሎ ተዛሪቦም ነይሮም።

ጀነራል ኣሳምነዉ እውን ጥቕዓት ከም ዝተፈፀመ ይኣምኑ። ይኹን ደኣ'ምበር እዚ'ውን "ዝተፈለየ ልኡኽ ዘለዎም፤ ነቲ ሕብረተሰብ ዘይውክሉ ሰባት ዝፈፀምዎ'ዩ" ይብሉ።

ብዛዕባ እቶም ካብ ገዝኦምን ካቢኦምን ዝተመዛበሉ እንትዛረቡ ድማ "እቲ ጎንፂ ክፍጠር ከሎ ግዳይ ክኸውን እየ ብዝብል ስግኣት እናሃደመ ናብ መዓስከር ይኣቱ፤ ናብ ደገ ይስደድ፤ ካልኦት ኣማራፅታት'ውን ይወስድ" ኢሎም።

ብወገን መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝወፀ መግለፂ፡ ኣብቲ ናይ መተማ መጥቃዕቲ ኢድ ገለ ኣመራርሓ ክልል ኣምሓራ ከም ዘሎ ዝገልፅ ሓሳብ ስለዝነበሮ፡ ጀነራል ኣሳምነዉ ብዛዕብኡ እንታይ ርእይቶ ከም ዝለዎም ሓቲትናዮም።

"ኣብቲ ከባቢ ዝተንቀሳቐሰ ናይ መንግስቲ ኣካል የለን። እንተተንቀሳቒሱ'ውን ኣነ ጥራሕ እየ። ኣነ ድማ ምስ ህዝቢ ንምላላይ፣ ዘለዉ ፀገማት ንምፍታሕን ንምዝርራብን'የ ከይደ። እቲ ሓቂ ንሱ እዩ" ዝብል መልሲ ሂቦምና።

"ነቲ ሓዊ ዘጓሃህሩ በዓልቶም እናሃለዉ መሊሶም በዓልቶም መግለፂ ይህቡ። እዚ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ" ክብሉ ወሲኾም ገሊፆም።

ድሕሪ እቲ ኣብ መተማ ዮውሃንስ ዘጋጠመ ኩነታት፡ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ተወለድቲ ቅማንትን ተጋሩን ናብ ሱዳን ገለባት ሃዲሞም ከምዝተዓቖቡን፡ ካብ ስርቅን ባርዕን ዝተረፈ ንብረቶም ሒዞም ከይወፁ እውን ከምዝተኸልከሉን ቢቢሲ ዘዘራረቦም ግዳያት ይዛረቡ።