ኢትዮጵያ፡ ኣፍሪቃውያን ኣበታ ሃገር ምስኣተዉ ቪዛ ክወሃቡ ወሲና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢትዮጵያ ካብ 9 ሕዳር 2018 ጀሚራ ንኹሎም ኣፍሪቃውያን ቪዛ ኣብ ዝኣትውሉ ቦታን እዋንን ክትህብ ከም ዝወሰነት ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ፍጹም ኣረጋ ብትዊትር ሓቢሩ።
እቲ ውሳነ ብመሰረት "ምስቲ ኣብ ኣፍሪቃ ጥቡቕን ምሉእን ዞባዊ ውህደት ክህሉ ኣለዎ ዝብል ራእይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝኸይድ" ምዃኑ'ውን ጠቒሱ።
ድሮ፡ ድሕሪ ዕርቀ-ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ፡ ዜጋታት ክልቲአን ሃገራት ብዘይ ቪዛን ወይ ድማ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ብዝዋህብ ቪዛን ካብን ናብን ክሊቲአን ሃገራት ክንቀሳቐሱ ጸኒሖም ኣለዉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ፡ መግዛእታዊ ዶባት ንንግዳዊ ርክባት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝጋርዱ ክኾኑ የብሎምን ብምባል ክምጉት ጸኒሑ'ዩ።
ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ተመሳሳሊ ፓሊሲ ኣተኣታትየን ኣለዋ። ድሮ ሲሸልስ፡ ርዋንዳ፡ ማውሪሼስ፡ ናይጀርያ፡ ጋናን በኒንን ኣቐዲመን ቪዛ ኣብ ግዝኣተን ክህባ ጸኒሐን'የን። ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ኣፍሪቃ ናጻ ናይ ሰብን ኣቑሑትን ምንቅስቓስ ክህሉ ክደፋፍእ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት'ዚ ኣብ ርዋንዳ ዝተጋበአ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ንምፍጣር ኣብ ስምምዕ እኳ እንተበጽሓ፡ ገለ ቁጠበአን ትርንዕ ዝበለ ከም በዓል ደቡብ ኣፍሪቃን ናይጀርያን ብግብሪ ኣካል ናይቲ ስምምዕ ክኾና ከም ዘይደልያ ኣፍሊጠን'የን።
ብዘይካ'ዚ ትሕተ-ቅርጺ ናይታ ኣህጉር ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ማሕንቖታት ምዃኖም ይጥቀስ። ስለዚ፡ እታ ኣስታት 1.2 ቢልዮን ህዝቢ ሓቚፋ ዘላ ኣፍሪቃ ነቲ ዝድለ ዘሎ ራእይ ንምርግጋጽ ዓሰርተታት ዓመታት ክወስደላ ከም ዝኽእል'ዩ ዝግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







