ድቡብ ኣፍሪቃ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ነጻ መንጽሂ ባጀት ትምድብ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንዲል ንጽህና ( ሞዴስ) ደቀንስትዮ ንዝነበረ ቀረጽ ኣልያቶ።
ሓድሽ ዝተመርጸ ሚኒሰተር ፋይናንስ ቲቶ ምቦውኒ፡ ተመሃሮ ደቂ ኣንስትዮ እኹል መንዲል ንጽህና ንኽረኽባ ተወሳኺ ባጀት ከምዘምድብ ቃል ኣትዩ።
ኣብ ገለ ትሑት መነባብበሮ ዘለወን ከባቢታት ገጠር እታ ሃገር ብሰንኪ ምኽባር መንዲል ንጽህና ካብ ትምህርቲ ናይ ዝቦኽራ ደቂ ኣንስትዮ ቁጽሪ እናዛየደ ይኸይድ ከም ዘሎ ይፍለጥ።
ኣብ ገለ ምምሕዳራት ግና ድሮ መናጽሂ ንደቂ ኣንስትዮ ብነጻ ክወሃብ ጀሚሮ ኣሎ።
ካብ ዝመጽእ ሚያዝያ ኣትሒዙ ድማ እቲ 15% ቀረጽ ካብ መናጽሂ ደቂ ኣንስትዮ ዝነበረ ከም ዝተርፍ ኣብ ባይቶ ኣጽዲቑ።።
ብተወሳኺ እውን ኣብ ናይ ባንን ሕብስትን ሕሩጭ ዝነበረ ቀረጽ ከም ዝተሰረዘ ኣፍሊጡ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







