ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ድሕሪ ምፍራም ውዕል ሰላም እንታይ ምዕባለታት ኣሎ?

ኢትዯጵያን ኤርትራን ብድሕሪ ዝፈረምኦ ውዕል ሰላም ዘለዉ ምዕባለታት ብዝምልከትን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክዝትያ እየን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ትማሊ ሰንበት ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ከሎ ንቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ሓዊሱ ብኻልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ሃገር ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሉ።

ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ከምዝሓበሮ፡ ፕረዚደንት ኢሳያይስ ኣብ ዝህልዎ ናይ ክልተ መዓልቲ ናይ ስራሕ ዑደት፡ ብድሕሪ ምፍራም ውዕል ሰላም ኣብ ዝመፁ ምዕባላታት ክዝትዩ እዮም።

ብዘይካ'ዚ ኣብ ካልኦት ሓበራዊ ረብሓታት መሰረት ዝገበሩ ዛዕባታት'ውን ከምዝዘራረቡ ወሲኹ ገሊፁ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ስነስርዓት ምረቓ ፋብሪካ ሽኮር ኦሞ ኩራዝ 3 ተረኺቡ መሪቑ እዩ። ድሕሪ 20 ዓመታት ናብ ኢትዮጵያ ክመፅእ ከሎ ንኻልኣይ ግዚኡ እዩ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣቲ ፍፁም ኣረጋ ብወገኑ፡ ክልትኤን ሃገራት ኣብ ኩሎም ዓውድታት ርክባተን የጠንክራ ምህላወን ኣብ ትዊተሩ ኣስፊሩ።

ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝተመርሐ ልኡኽ፡ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣቶ ኦስማን ሳልሕን፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ከም ዝርከቡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።