ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ድሕሪ ምፍራም ውዕል ሰላም እንታይ ምዕባለታት ኣሎ?

ኣቀባብላ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዓለም-ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ

ምንጪ ስእሊ, FITSUM AREGA'S TWITTER

መግለጺ ስእሊ, ኣቀባብላ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዓለም-ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ

ኢትዯጵያን ኤርትራን ብድሕሪ ዝፈረምኦ ውዕል ሰላም ዘለዉ ምዕባለታት ብዝምልከትን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክዝትያ እየን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ትማሊ ሰንበት ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ከሎ ንቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ሓዊሱ ብኻልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ሃገር ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሉ።

ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ከምዝሓበሮ፡ ፕረዚደንት ኢሳያይስ ኣብ ዝህልዎ ናይ ክልተ መዓልቲ ናይ ስራሕ ዑደት፡ ብድሕሪ ምፍራም ውዕል ሰላም ኣብ ዝመፁ ምዕባላታት ክዝትዩ እዮም።

ብዘይካ'ዚ ኣብ ካልኦት ሓበራዊ ረብሓታት መሰረት ዝገበሩ ዛዕባታት'ውን ከምዝዘራረቡ ወሲኹ ገሊፁ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ስነስርዓት ምረቓ ፋብሪካ ሽኮር ኦሞ ኩራዝ 3 ተረኺቡ መሪቑ እዩ። ድሕሪ 20 ዓመታት ናብ ኢትዮጵያ ክመፅእ ከሎ ንኻልኣይ ግዚኡ እዩ።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣብ ምረቓ ፋብሪካ ሽኮር ኦሞ ኩራዝ 3

ምንጪ ስእሊ, FITSUM AREGA'S TWITTER

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣብ ምረቓ ፋብሪካ ሽኮር ኦሞ ኩራዝ 3

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣቲ ፍፁም ኣረጋ ብወገኑ፡ ክልትኤን ሃገራት ኣብ ኩሎም ዓውድታት ርክባተን የጠንክራ ምህላወን ኣብ ትዊተሩ ኣስፊሩ።

ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝተመርሐ ልኡኽ፡ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣቶ ኦስማን ሳልሕን፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ከም ዝርከቡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።