ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣናህብ በረራ ነፈርቲ ኣደናጉዮም

ዕስለ ኣናህብ

ምንጪ ስእሊ, News24

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ወደባዊት ከተማ ደርባን፡ ዕስለ ኣናህብ ኣብ ሞተር ናይ ሓንቲ ነፋሪት ስለዝዓሰሉ በረራታት ክደናጎዩ ምኽንያት ኮይኖም።

ሰብ ሞያ ተፀዊዖም ድሕሪ ምምፃእ፡ ነቲ ልዕሊ 20,000 ብዝሒ ከምለዎ ዝተገመተ ዕስለ ናይ ኣናህብ ካብ ሞተር ናይታ ነፋሪት ኣልዮምዎ።

ሓደ በዓል ሞያ፡ እዚ ዘይተለመደ ምዃኑን፡ ናብ ካልእ ቦታ ንምብራር ቅድሚ ምህቃኖም ኣብኡ ኣዕሪፎም ክኾኑ ከምዝኽእሉን ተዛሪቡ።

ነዚ "ሸታቲ" ሞተር ከም ቤቶም ክጥቀምሉ ከምዘይደልዩ ፍሉጥ እዩ፡ ክብል ድማ ወሲኹ።

እቲ ዕስለ ናይ ኣናህብ፡ ካብ 25 ደቒቕ ኣብ ዝነኣሰ ግዘ እዩ ነታ ሞተር ወሪርዋ። በዚ ምኽንያት ድማ 3 በረራታት ነፈርቲ ክደናጎ ክኢሉ።

"ንሾመንተ ዓመታት ኣብ ዓውዲ ኣቭየሽን ክሰርሕ እንከለኹ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ገጢሙኒ ኣይፈልጥን" ኢሉ ውሃቢ ቃል ናይቲ መገዲ ኣየር።

እቲ መገዲ ኣየር ነዚ ፍፃመ ስኢሉ ኣብ ትዊተሩ ኣቃሊሕዎ፡

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

"እዚ ቦታ ቅብኣት፣ ጨናን ዋዒን ዘለዎ ስለዝኾነ፡ ንኣናህብ ብቐዋምነት ምችው መንበሪ ክኸውን ኣይክእልን። ኣናህብ ኣብ ግልስ ዝበለን ጉርጓሕ ኦምን ምንባር'ዮም ዝፈትዉ። እዚ ልሙድ ኣይኮነን" ኢሉ ኣቦ ወንበር ማሕበር ኢንዱስትሪ ኣናህብ ደቡብ ኣፍሪቃ።