ኬንያዊ በዓል ስልጣን ነፍሰ ጾር ንዝነበረት ብጸይቱ 'ኣቕቲልካ' ብዝብል ተኸሲሱ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኦኮት ኣባዶ ዝተብሃለ ኬንያዊ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን፡ ካብ ሓዳሩ ወጻኢ ይረኽባ ንዝነበረ ነፍሰጾር ብጸይቱ ብጭካነ ክትቕተል ጌረካ ዝብል ክሲ ቀሪብሉ።
እቲ በዓል ስልጣን ነዚ ተግባር ኣይወዓልክዎን ብምባል ናይ ክህደት ቃል ሂቡ ኣሎ።
ሬሳ መዋቲት ሻሮን ኦቲየኖ ኣብ ጫካ ምስ ተረኽበ ኢዩ እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ብዙሓት ጸቕጢ ክገብሩ ዝጀመሩ።
ናይ ኣስከሬን መርመራ ከም ዘረጋገጾ፡ ጓል 26 ዓመት ዝኾነት ሻሮን ተደፊራን ኣብ ሸሞንተ ቦታታት ብካራ ተወጊኣን ህይወታ ሓሊፉ ኢያ ተረኺባ።
ሚጎሪ ኣብ ዝበሃል ዞባ ኬንያ ኣመሓዳሪ ዝኾነ እዚ በዓል ስልጣን፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽረ ፖሊስ ዝርከብ ክኸዉን ከሎ እቲ ክሲ ናብ ቤት ፍርዲ ተላኢኹ ኣሎ።
እቲ በዓል ስልጣን ጥራይ ዘይኮነ ክልተ መተሓባብርቱ'ዉን ኣብ ቀይዲ ክኣትዉ ዳኛ እቲ ቤትፍርዲ ኣዚዙ ኣሎ።
ኣኽባር ሕጊ፡ "ሻሮንን ኣመሓዳሪ ኣባዶን ፍቕራዊ ዝምድና ከም ዝነበሮም ኣረጋጊጸ ኣለኹ" ኢሉ።
"ኣብ መንጎ ጥርጡር ኣባዶን መዋቲትን ዝነበረ ርክብ ኩሉ ዝፈልጦ ናይ ግዳም ምስጢር ኢዩ፡ ብፍላይ ድማ ኣብቲ እቲ ጥርጡር ዘመሓድረሉ ዞባ" ክብል ድማ ወሲኹ ገሊጹ።
በዓልቲ ቤት ኣመሓዳሪ ኣባዶ ሰብኣያ ካብ ሓዳሩ ወጻኢ ኣብ ከምዚ ዓይነት ዝምድና ምእታዉ እናፈለጠት ነዚ ተግባር ምፍጻሙ ድማ ነቲ ክሲ ከም ዘኽብዶ እቲ ኣኽባር ሕጊ ሓቢሩ።
ንብዙሓት ኬንያዉያን ዘቖጥዐ እዚ ተግባር ኣብ ቀረባ መዓልታት ብቤት ፍርዲ መዕለቢ ክረክብ ትጽቢት ይግበር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







