ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊኣ ማዕቀብ ብምንባራ ቻይና ቁጠዐኣ ትገልጽ

ቻይና፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊኣ ዘንበረቶ ማዕቀብ ከተልዕሎ እንተዘይኪላ "ናይቲ ዝመጽእ ሳዕቤን" ሓላፍነት ክትወስድ ኣለዋ ኢላ።

እታ ሃገር ካብ ሩስያ ነፈርቲ ውግእን ሚሳይላትን ብምግዛኣ'ዩ እቲ ማዕቀብ ኣብ ልዕሊኣ ተጌሩ።

ሩስያ ኣብ ውሽጣዊ ፓለቲካ ኣሜሪካ ኢድ ከም ዘእተወት ድሕሪ ምኽሳሳን፡ ምስ ጉዳይ ዩክሬን ብዝተሓሓዝን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊኣ ማዕቀብ ኣቐሚጣ ነይራ። እቲ ማዕቀብ ካልኦት ሃገራት ኣጽዋር ውግእ ከይገዝኣ'ውን ዝእግድ ምዃኑ ይንገር።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ቻይና፡ 10 ሱኾይ ሱ-35 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእን ኤስ-400 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሚሳይላትን ካብ ሩስያ ዓዲጋ።

ቻይና ኣብቲ ካብ 2014 ጀሚሩ ብኣሜሪካን መሻርኽታ ዝኾና ምራባውያን ሃገራትን ዝተነብረ ማዕቀብ ኢድ ኣይነበራን።

ብዘይካ'ዚ፡ ሰራዊት ቻይና ኣብቲ ኣብ መጀመርታ'ዚ ወርሒ ሩስያ ዘካየደቶ ሰፊሕ ወታሃደራዊ ልምምዳት ተሳቲፉ ነይሩ።

እንተኾነ ግን፡ ቻይና በቲ ማዕቀብ ክሳብ ክንደይ ከም ዝተቖጠዐት፡ በቲ እትህቦ ግብረመልሲ ክንጸር ትጽቢት ይግበር።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፡ ሰርገይ ላቭሮቭ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ቻይና ዝተነብረ ማዕቀብ "ዘይርትዓዊ" ክብል ገሊጽዎ።

ምክትሉ ዝኾነ ሰርገይ ሪይብኮቭ ግን ኣሜረካ "ብሓዊ ትጻወት ኣላ" ክብል ኣጠንቂቑ።

ብዘይብኡ ኣሜሪካን ቻይናን ኣብ "ንግዳዊ ኲናት" ኣትየን ኣብ ዝርከባሉ እዋን፡ እዚ ናይ ሕጂ ስጉምቲ ንርክበን ሓላሊኹ ናብ ወጥሪ ከምርሐን ይኽእል'ዩ ይበሃል ኣሎ።

እቲ ምስ ብዙሓት ሃገራት ናይቲ ከባቢ ኣብ ወጥሪ ኣእትዩዋ ዘሎ፡ ኣብ ደቡባዊ ባሕሪ ቻይና ዘሎ ማዕልቦ ዘይረኸበ ናይ ዋንነት ምስሕሓብ'ውን ንዝምድነአን ዝተንከፈ ጉዳይ ኮይኑ ይርከብ።