እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቢንቶ ጥልያን፡ ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት ቐጻሊ ጻዕሪ የካይዱ ኣለዉ
ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ጣልያን እትርከብ ከተማ ጄኖቫ ብዘጓነፈ ናይ ቢንቶ ምፍራስ 35 ሰባት ክሞቱ ከለው፡ 15 ድማ ብጽኑዕ ከምዝተሃስዩን ካብ ኣርባዕተ ክሳብ 12 ሰባት ሃለዋት ድማ ከምዘይተፈልጠን ፖሊሲ ኣፍሊጡ።
ኣብ ሂወት ምድሓን ዝተዋፈሩ ሰባት ገለ ካብቲ ኣብ ከተማ ጄኖቫ፡ ሰሜናዊ ምዕራብ ጣልያን ዘጓነፈ ሃንደበታዊ ሓደጋ ምዕናው ዓቢ ቢንቶ ዝድሓኑ ሰባት ናይ ምንዳይ ስርሓት ቀጺሎም ይርከቡ።
በቲ ሓደጋ 35 ሰባት ክሞቱ ከለው፡ 15 ድማ ብጽኑዕ ከምዝተሃስዩን፡ ብርክት ዝበላ መካይን ድማ 45 ሜትሮ ንታሕቲ ከምዝጸደፋ ፖሊስ ገሊጹ።
ኣብቲ ፍርስራስ ዝተዓግቱ ሰባት ክበኽዩ ከምዝስምዑ ገለ ጸብጻባት ይሕብሩ። ብመሰረት`ቲ ጸብጻብ ድማ 12 ሰባት ጌና ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን።
ካብ መላእ ሃገር ጣልያን ዝተዋጽኡ ኣስታት 300 ዝኾኑ ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ዕሉማት ኣኻልብን ምዕቡል ናይ መደያይቦ መሳሪሒታትን ብምጥቃም፡ ነቶም ጌና ሃለዋቶም ዘይተፈልጡ ሰባት ኣብ ምንዳይ ይርከቡ።
" ስጋብ እቲ ናይ መወዳእታ ሰብ ነድሕን፡ ተስፋ ኣይንቖርጽን ኢና፤ ከም ጉጅለ ከይሰልከይና ከምንሰርሕ ቃል ንኣቱ ክብል" ብዓል ስልጣን መጥፋእቲ ሓዊ፡ ኤማኑኤል ጊፊ ንኤፍፒ ገሊጹ።
እቲ ዝተረፈ ክፋል ናይቲ ቢንቶ ከይፈርስ ዝሰግኡ ኣማኢት ዝኾኑ ሰባት ካብቲ ከባቢ ከምዝግዕዙ ተገይሩ።
ዛጊት ጠንቂ ናይቲ ኣብ እዋን ብርቱዕ ዝናብ ዘጓነፈ ሓደጋ ኣይተፈልጠን ዘሎ፡ እንተኾነ ድሕነት ናይቲ ቢንቶ ብዝምልከት ሕቶታት ክቐርቡ ጀሚሮም።
- ጠንቂ ምፍራስ ናይቲ ቢንቶ እንታይ`ዩ?
- ሓደጋ ቢንቶ ጄኖቫ ብኸመይ ኣጓኒፉ?
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ማቲዮ ሳልቪኒ፡ ነቶም ብምፍራስ እቲ ቢንቶ ዝሕተቱ ሰባት ናብ ሕጊ ከቕርቦም ከምዝኾነ ቃል ኣትዩ።
እቲ ዝዓነወ ሞራንዲ ቢንቶ ኣብ 1960ታት ዝተሃንጸ ኮይኑ ጣልያን ምስ ደቡባዊ ክፋል ፈረንሳ ኣብ ምርኻብ የገልግል ከምዝነበረ ይፍለጥ።
እቶም ሂወት ዘድሕኑ ሰባት እንታይ ብድሆታት የጓንፎም ኣሎ?
"ገለ ሰባት ጌና ኣብ ትሕቲ እቲ ፍርስራስ ኣለው ኢልና ስለእንኣምን እቲ ሂወት ናይ ምድሓን ዕማም ጌና ክንቅጽሎ ኢና" ኣፈኛ ፖሊስ፡ ኢላ ኣሌሳንድራ ቡቺ ምስ ሮይተርስ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት።
ኣብቲ ሓደጋ ዘጓነፈሉ ስዓት ካብ 30 ስጋብ 35 ዝኾና ንኣሽቱን ናይ ጽዕነት መካይንን ኣብቲ ቢንቶ ነይረን።
ብኸመይ`ዩ ኣቲ ቢንቶ ፈሪሱ?
ኣስታት 200 ሜትሮ ዝንውሓትይ ኣካል ናይቲ ቢንቶ ስዓት 11:30 ቅድሚ ቀትሪ ኢዩ ዓንዩ፡ ኣብቲ ዝዓነወሉ እዋን ብርቱዕ ድምጽን እቲ ቦታ ድማ ብዒጋት ናይ ትኪ ተሸፊኑ ነይሩ ኢሎም ፖሊስ እቲ ከባቢ።
ፈለማ ብርቱዕ ድምጺ ኢና ሰሚዕና፡ ነጎዳ ኢዩ መሲሉና ነይሩ ኢሉ ሓደ ስሙ ክህብ ዘይደለየ ናይ ዓይኒ ምስክር ንኣንሳ ዝተባህለ ናይ ጣልያን ናይ ዜና ምዕከን ከምዝሓበሮ።
"ኣስታት 5 ኪሎሜትር ካብቲ ቢንቶ ርሒቕና ኢና እንነብር፡ መግለጺ ዘይብሉ ድምጺ ኢና ፈለማ ሰሚዕና፡ ኣዚና ኢና ፈሪሕና ነይርና ። ብድሕሪኡ ምንቅስቓስ መካይን ጠገለ ኣይነበሮን፡ እታ ከተማ ድማ ኩሉ ንጥፈታታ ለሚሱ"።
ዓለም`ከ እንታይ ኢላ?
ፕሬዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ብቋንቋ ፈረንሳን ጥልያንን ኣብ ዝጸሓፎ ትዊት፡ ንህዝቢ ጣልያን ድንጋጺኡ ድሕሪ ምግላጽ፡ ፈረንሳ ዘድሊ ምትሕግጋዝ ክትገብር ቅርብቲ ምዃና ገሊጹ።
ኮምሽነር ሕብረት ኤውሮጳ፡ ጄን-ክላውዲ በቲ ዝጓነፈ ሓደጋ ድንጋጽኡ ብምግላጽ ንቤተ ሰብን የዕሩኽን መወቲ ድማ ምጽንናዕ ተመንዩ።