ኣብ 1960ታት ዝተሃነፀ ድልድል ዓዲ ጥልያን ብሰንኪ ሓያል ዝናብ ፈሪሱ

ኣብ ዓዲ ጥልያን ዘጋጠመ ምፍራስ ድልድል፡ ሓያሎ ተሽከርከርቲ 100 ሜትሮ ንቑልቑል ክጸድፋ ምኽንያት ኮይኑ።

ኣብዚ ሓደጋ ብውሕዱ 22 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብመዚ ተዛሪቦም።

ወሳኒ ድልድል ሰሜናዊት ከተማ ጥልያን ጌኔ፡ ሎሚ ረፋድ ዝፈረሰ እንትኾን፡ ግልጋሎት 'ኣምቡላንስ' ዝህብ ትካል 'ዓሰርተታት' ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ምግላፁ'ውን ተፀብፂቡ።

ሚኒስተር መጓዓዝያ ጥልያን ዳኒሎ ቶኒነሊ "ዓብዪ ሓደጋ'' ከይኮነ ከምዘይተርፍ ተዛሪቡ።

እቲ ዝተረሞቐ ድልድል፡ ናብ መተሓላለፊ ባቡር ዝወደቐ እንትኾን፡ ኣናእሽቱን ዓበይትን መኻይን'ዉን ወዲቐን'የን ኢሎም ሰብ መዚ ጥልያን።

እዚ ኣብ 1960ታት ዝተሃነጸ ድልድል፡ 'ቢንቶ ሞራንዲ' ተባሂሉ ይጽዋዕ። እቲ ሕጂ ተረሙቑ ዘሎ ኣካል እቲ ቢንቶ ድማ እቲ ዝነዉሐ'ዩ።

ጋዜጣ ጥልያን ላ ሪፐብሊካ፡ ንገለ ኽፋል እታ ከተማ "ድኹም መንደር" ክብል ገሊጹዎ።

እቲ ዝተረሞቐ ድልድል ሓያል ዝናብ ኣብ ዝዘንበሉ ዝነበረ እዋን ከምዘጋጠመ'ዉን ተሓቢሩ።