እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህቡብነት ህዝባውያን ሰልፊታት ንምግምማዕ ባይቶ ጥልያን ይዕድም
ኣብቲ ኣብ ኢጣልያ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ መረፃ፡ ብዙሓት ኣድመጽቲ ንሰልፊታት ህዝቢን የማናይ ክንፊን ብብዝሒ ድምጾም ብምሃብ፡ ክሳብ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ኣፋናዊ ዉጽኢት ከምዝሕብሮ፡ ባይቶ'ታ ሃገር ናብ ክልተ ክገማማዕ ከምዝኽእል የተንብህ።
እታ ጸረ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝኾነት ምንቅስቓስ 'ፋይቭ ስታር' ዛጊት እቲ ዝበዘሐ ድምጺ ረኺባ'ላ።
እታ ብቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሲልቪዮ ቤርሉስኮኒ እትምራሕ ልፍንቲ የማናይ ክንፊ ድማ ኣብ ታሕታዋይ ባይቶ ሃገር እቲ ዝበዘሐ ወንበር ክትዕወት ትጽቢት ይግበረላ።
ነዘን ሰልፊታት፡ ማእከላይ መንግስቲ ንምቛም ዝጽበየን ዘሎ ብድሆታት እምበኣር ንሰሙናት ክቕጽል ዝኽእል ዘተን መስርሕ ምምስራት ልፍንቲን ክኸውን'ዩ።
ዳግማይ ምርጫ ምክያድ እቲ ካልእ ኣማራጺ ክኸውን እንከሎ፡ ዉጽኢት ናይ'ቲ ብሕጂ ክካየድ ዝኽእል ምርጫ ግን ወሳኒ ዝኾነ ለውጢ ናይ ምምጻእ ዉሕስነት የብሉን።
ግዝያዊ ውጽኢታት ከመዘርእዮ 'ፋይቭ ስታር' 31.6% ናይቲ ድምጺ ክትረክብ እንከላ፡ ሰልፊታት የማናይ ክንፊ ዝኾና 'ሊግ' 18.2% ከምኡ'ውን ሰልፊ ቤርሉስኮኒ 'ፎርዛ ኢጣልያ' 13.8% ድምጺ ረኺበን ኣለዋ።
ብማቴዮ ሬንዚ እትምራሕ ኣብ ስልጣን ዘላ ሰልፊ ዲሞክራሲ 19.1% ድምጺ ጥራሕ ብምራካባ፡ ጋዜጣ 'ላ ሪፓብሊካ'፡ እታ ሰለፊ ካብ ሓደ ሕምሲት ንላዕሊ ድምጺ ክትረክብ ዘይምኽኣላ ዓቢ ስነ-ኣእምሮኣዊ ስዕረት'ዩ ትብል።
ብሓፈሻ፡ ቀንዲ ደገፍ ሰልፊ 'ሊግ' ኣብ ሰሜናዊ ክፋል'ታ ሃገር ክኸዉን እንከሎ ብብዝሒ ደገፍቲ ሰልፊ 'ፋይቭ ስታር' ድማ ኣብ ደቡብ ይርከቡ። ህቡብነት ህዝባውያን ሰልፊታት ንምግምማዕ ባይቶ ጥልያን ይዕድም