ቬና፡ ንምንባር ሕርይቲ ከተማ ዓለም

Couple in Vienna

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ርእሰ ከተማ ኦዉስትርያ፡ ቬና፡ ንምንባር ምችዋት ካብ ዝኾና ከተማታት ቀዳመይቲ ብልፅቲ ኮይና ተሓርያ።

ሓንቲ ኣውሮፓዊት ከተማ ኣብዚ ሰደቓ ብሉፃት ከተማታት ዓለም ኣብ ልዑል ደረጃ ክትስራዕ ንፈላማ ግዜ እዩ።

እቲ ደረጃ፡ 140 ከተማታት ዝሓቖፋ ኾይኑ፡ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ምርግጋእ ከምኡ'ውን ኩነታት ገበን፤ ቀረብ ትምህርትን ሕክምናን ከም መመዘኒ ረቛሒታት ኣስፊሩ'ዩ።

ኣብቲ ዝተገብረ ዳህሳስ ከተማ ማንችስተር፤ ካብ ዝኾነት ኣውሮፓዊት ንላዕሊ ምምሕያሽ ብምርኣይ ካብ ዝሓለፈ እዋን ብ16 ደረጃ ወሲኻ መበል 35 ኮይና ትርከብ።

እቲ ዳህሳስ ቅድሚ ክልተ ዓሰርተ ዓመታተት ኣቢሉ ዝተጀመረ ክኸውን እንከሎ ማንችስተር ንከተማ ለንደን ብ13 ደረጃ ሓሊፋታ ትርከብ።

ማንችስተር ነዚ ብልጫ ዝብቕዓት ብፍላይ ኣብ ኩነታት ፀጥታ ብዘርአየቶ ልዑል ምምሕያሽ እዩ ተባሂሉ። ማንችስተር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ን22 ህወት ሰባት ሕልፈት ምኽንያት ዝኾነ መጥቃዕቲ ሃስዩዋ ከምዝፀንሐ ድማ ተሓቢሩ'ሎ።

ብርግፅ ዋና መዳለዊ እቲ መፅናዕቲ ሮዛና ስላቬችፃ ከምዝበሎ፡ መብዛሕተአን ከተማታት ምዕራብ ኣውሮፓ ሎሚ ዘበን ኩነታተት ፀጥተአን ብ ዝሓለፈ ዓመት ምምሕያሽ ኣርእዩ እዩ።

ከተማ ቬና'ውን ኣብዚ ንነዊሕ እዋን ዝተረጋገዐት ብምዃና ብሓፈሻ ብልፅቲ ከተማታት ዓለም ኮይና እያ ተሓርያ።

ሜልቦርን፡ ንዝሓለፈ ሸውዓተ ተኸታተልቲ ዓመታት ቀደመይቲ ምችውቲ ከተማ ኮይና ዝፀንሓት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሜልቦርን፡ ንዝሓለፈ ሸውዓተ ተኸታተልቲ ዓመታት ኣዝያ ምችውቲ ከተማ ኮይና ዝፀንሓት

ብርግፅ ካብ ፍርቂ ንላዕሊ እተን ከተማታት ሎሚ ዘበን ፅቡቕ ምምሕያሻት ኣምፂአን እየን።

ሜልቦርን፡ ንዝሓለፈ ሸውዓተ ተኸታተልቲ ዓመታት ቀደመይቲ ምችውቲ ከተማ ኮይና ዝፀንሓት እንትኸውን፡ ኣብዚ ናይሎሚ ዘበን ደረጃ ካልአይቲ ብልፅቲ ኮይና ተመዝጊባ።

ሲድኒን ኣድለይድን ዝኣመሰላ ካልኦት ከተማታት ኣውስትራልያ'ውን ካብ መንጎ እተን ዓሰርተ ብሉፃት እየን።

በቲ ካሊእ ጫፍ ድማ እተን ዘይምችዋት ከተማታት፡ ደማስቆ (ርእሰ ከተማ ሶርያ) ከምኡ ድማ ዳካርን (ባንግላድሽ) ሌጎስን (ናይጀርያ) ካብተን ኣዝየን ዘይምችዋ ከተማታት ዓለም ኮይነን ተመዝጊበን።

ኢኮኖሚስት ከምዝፀብፀቦ፤ ኣብ ትሑት ደረጃ ዝተሰርዓ ገበን ዝበዝሐን፡ ፀጥታን ምርግጋዕን ዘይዓሰለን፡ ናዕቢ ዝበዝሐንን ግብረ- ራዕዲ ብሰፊሑ ዝፍፀመለን ከተማታት ከምዝኾና ፅሒፉ።

ደማስቆ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ደማስቆ
line

ናይ 2018 ዓመት 10 ብሉፃት ከተማታት ዓለም

1. ቬና፡ ኦስትርያ

2. ሜልቦርን፡ ኣውስትራልያ

3. ኦሳካ፡ ጃፓን

4. ካልጋሪ፡ ካናዳ

5. ሲድኒ፡ ኣውስትራልያ

6. ቫንኮቨር፡ ካናዳ

7. ቶክዮ፡ ጃፓን

8. ቶሮንቶ፡ ካናዳ

9. ኮፕንሃገን፡ ዴንማርክ

10. ኣድለይድ፡ ኣውስትራልያ

line

10 ኣዝየን ዘይምችዋት ከተማታት ዓለም 2018

1. ደማስቆ፡ ሶርያ

2. ዳካር፡ ባንግላድሽ

3. ሌጎስ ፡ ናይጀርያ

4. ካራቺ፡ ፓኪስታን

5. ፖርት ሞርስባይ፡ ፓፕዋ ኒው ጊኒ

6. ሃራረ፡ ዚምባቤዌ

7. ትሪፖሊ፡ ሊብያ

8. ዱዋላ፡ ካሜሮን

9. ኣልጀሪስ፡ ኣልጀርያ

10. ዳካር፡ ሰኔጋል