እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንነቶም ዘይተፈልጠ 40 ዕጡቓት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ መቐለ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም
መንነቶም ዘይተፈልጠ 40 ኢትዮጵያውያን ምስ ምሉእ ዕጥቆም ኣብ ከባቢ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ መቐለ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም።
ብቕድሚ ትማሊ ቀትሪ ሰዓት 6 ብኣንተኖቭ ናብ መቐለ ከምዝኣተዉ ካብ ዝምልከቶም መንግስታዊ ኣካላት እሙን ሓበሬታ ከምዝረኸበ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሪፖርተር ቢቢሲ ትግርኛ ፀብፂቡ።
ንቶም ዕጡቓት ሒዛ ዝመፀት ኣንተኖቭ ካብ ሱዳን ብቐጥታ ዝመፀት ምዃናን ንሳቶም ብጌጋ ከምዝኣተዉ ተዛሪቦም ኣለዉ።
እቶም ዝተዓጠቑ ሰባት ብሬይን ሓዊሱ ከቢድ ኣፅዋር ከምዝዓጠቑን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ከምዘለዉን ምፍላጥ ተኻኢሉ።
ንምንታይ ዕላማን ልኡኽን ከምዝመፁ ክሳብ ሐዚ ካብ ግምት ወፃኢ ንፁር መረዳእታ ምርካብ ኣይተኽኣለን።
ይኹን'ምበር ኣብቲ ከባቢ ብዙሕ ምድንጋር ዝፈጠረ እንትኸውን፡ ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተፈላለዩ ግምታት እናተውሃቡ ይርከቡ።
ኮይኑ ግና ሓይልታት ፀጥታ ክልል ትግራይ ጥቡቕ ክትትልን ሓለዋን ይገብሩ ምህላዎም ዝምልከቶም ሓለፍቲ ተዛሪቦም ኣለዉ።