ትጽቢት ህዝቢ ካብ ዘተ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ

ዲያቆን ዳንኤል፣ ርግኣት፣ ሳሚያን ዓብደልፈታሕን (ካብ ፀጋም ናብ የማን)

ምንጪ ስእሊ, DANIEL/RGEAT/SAMIA/ABDULFATIH

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝኽሪ መዓልቲ ስውኣት ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ንጻወዒት ሰላም ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ብምቕባል፡ ሓደ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዘበግስ ድሕሪ ምግላጹ ሎሚ እቲ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ'ሎ። ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝነብር ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኣ ካብዚ ናይ ሰላም ዘተ ዘለዎም ትጽቢት ንቢቢሲ ኣካፊሎም ኣለዉ።

ሓደ ተቐዳዳሚ ብሽክለታ ካብ ኣስመራ ሰላም ምስ ነብስኻ ምስ ብጻይካ ጎረቤትካን ቤተሰብካን ጀሚሩ ካብኡ እናገፍሐ ናብ ቤተሰብካን ጎረባብትኻ ሃገራትን ኣገዳሲ ምዃኑ ብምግላጽ፡

" ህዝቢ ኤርትራ ሰብኣዊ ክብሩን ሃገራዊ ናጽቱን ንምርግጋጽን ሰላሙ ንምውሓስን እቲ ዝግባኣ ዝኸፈለ ህዝቢ'ዩ፡ ማዕረ እቲ ዝኸፈሎ ግን ጻምኡ ኣየረኸበን፡ እዚ ዳሕረዋይ ኲናት ዶባትን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ፡ ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት ናይ ሰንፈላል እዋን ሃስዩና እዩ" ብምባል እዚ ሰላም ክልቲኡ ህዝብታት ዝዘረገ ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዓሪፉ፡ ፡ ዝተናወሐ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘብቅዓሉ፡ ሃገራዊ ቅዋምን ካልእ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ዝረጋገጸሉ መጻኢ ክርኢ ዓቢ ትጽቢት ከምዘለዎ ሓቢሩ።

ኣብ ስዊዘርላንድ እትቕመጥ ርግኣት ሓዲሽ ብወገና "ዋላ'እኳ ጉዳይ ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ክፍታሕ ድላየይን ድላይ ኩሉ ደላይ ሰላምን እንተኾነ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይተኣደነ ግህስት ሰብኣዊ መሰላት እውን ኣዚዩ እዩ ዘተሓሳስበኒ" ዝበለት ርግኣት ጉዳይ ዶባት ፍታሕ እኳ እንተኾነ ንኤርትራውያን ግን ማዕሪኡ ዘሻቕሎም ዘቤታዊ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘሎ ትሕብር እቲ ብሕጂ ዝመጽእ ፍታሕ ከኣ ንወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ተስፋ እገብር " ትብል ።

ተቅማጢ ናይሮቢ ድያቆን ባህልቢ ዳንኤል

ምንጪ ስእሊ, BAHLBI DANIEL

ተቕማጢ ናይሮቢ ድያቆን ባህልቢ ዳንኤል፡ ነዚ ዓቢ ዘተ ሰላም ክንርኢ ዝኸኣልና ወለዶ ብምዃንና ዕድለኛታት ኢና ድሕሪ ምባል " ልኡኻት መንግስቲ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ምእታዎም ደስ ዘብል ነገር'ዩ ፡ ፍቐሪ ክኣ ተረካቢ ኣይኮነን ኩሉ ህዝቢ ናይዘን ክልተ ሃገራት ተሃነጥዩ ክጽበዮ ዝጸንሐ እዩ፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ መፈጸምትኡ ከርእየና ክኣ ትጽቢትና 'ዩ። እዚ ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ምስዚ ኣይሰላም ኣይኲናት ዝተሓሓዝ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ነናቱ ጸገማት ዘለዎ ህዝቢ'ዩ" ድሕሪ ምባል እዚ ጸገም እዚ እንተተፈቲሑ ክልቲኡ ህዝቢ ናብ ውልቃዊ ዋኒኑ ኣተዩ ሰላሙ ከስተማቐር ዘለዎ ተሰፋ ይገልጽ።

ሳሚያ ኣዩብ፡ ንሳ ኣብ ኢትዮጵያ ወላዲ ኣቡኣ ኣብ ኤርትራ ኮይኖም ካብ ዝፈላለዩ ነዊሕ ዓመታት ተቖፂሩ። ሕጂ ኣብ ከተማ ሽረ ትነብር ኣላ። ናይ ኤርትራ ልኡኻት ናብ ኢትዮጵያ ምምፅኦም ዓብዪ ሓጎስ ከምዝፈጠረላ ትገልፅ። "ብምፍልላይና ብዙሕ ነገራት ስኢንና ኢና። እቲ ናይ ሕጂ ምቅርራብ ግን ብዙሕ ተስፋታት ኣለዎ"

ሳሚያ ኣዩብ

ምንጪ ስእሊ, SAMIA/FB

"ናይ እንዳ'ቦይን ስዳራ ኣብ ኤርትራ እዮም ዘለዉ፤ እዚ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ድማ ክንፋለጥ ዕድል ክፈጥረለይ'ዩ" ትብል። ልክዕ ከምቲ ናታ ኣብ ክልተ ሃገራት ተፈላልዮም ክነብሩ ዝተገደዱ ሰባት'ውን ንክራኸቡ ተስፋ ከምዝፈጥር ትዛረብ። "ብሩህ ዝኾነ እዋንን መፃእን ሒዙልና ይመፅእ ኣሎ" ክትብል ብታሕጓስ ትገልፆ።

ሓደ ኣቦ ካብ ኤርትራ፡ ፕረዚደንት እሰያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ንክልተ ዝተሰውኡ ደቆም ዝዝክርሉ ዕለት መዓልቲ ስውኣት ልኡኽ ሰላም ንዘተ ናብ ኢትዮጵይ ከምዝሰድድ ምግላጹ ደበስ ከምዝኾኖም ብምሕባር " ተዂሲ ኢና ዘየዕሰማዕና 'ምበር እዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ወትሩ ኣብ ሰንፈላል ኢና ኔርና። ኣብ እርጋንና እሕሕ ኢለካ ታኒካ ማይ ዘቐብለካ ኣብ ዘይተረኽበሉ እዋን ኢና በጺሕና፡ ዝሓለፈስ ሓሊፉ ሕጂ መፈጸምትኡ የርእየና ጥራይ" ኢሎም።

ተቀማጢት ስዊዘርላንድ ርግኣት ሓዲሽ

ምንጪ ስእሊ, RGEAT HADISH

"እዚ ኣብ ዘይሓሰብናዮ ሰዓት ሃንደበታዊ ሰላም ምምጸኡ ኣዝዩ ዘሕጉስ እዩ ምዓስ እዩ ዝኸውን ኢለና ንጽበዮ ዝነበርና ጉዳይ እዩ። ንህዝቢ ኢትዮጵያን ንህዝቢ ኤርትራን ሰላም እምነ ፡ ናይ ብሓቂ ከምዚ ተጀሚርዎ ዘሎ ፍቕርን ሰላምን የውርደልና ፡ ካብዚ ዝዓቢ ፍቐሪ ካብዚ ዝዓቢ ርክብ ክንፈጥር ከኣ ድልዋት ኢና " ዝበለ ተቐማጢ ናይሮቢ ኣቶ ፎቶ ገብሩ ካብ ጽልእን ነገርን ዝርከብ ነገር የለን ብምባል ሓጎሱ ይገልጽ ።

ንርእይቶ ኣቶ ፎቶ ገብሩ ምሉእ ብምሉእ ዝድግፍ ሃብቶም ተስፋስላሰ ፡ እዚ ተላዒሉ ዘሎ ዘተ ስላም ንኹሉ ደላዪ ሰላም እፎይታ ዝፈጥር ኣጋጣሚ'ዩ ድሕሪ ምባል" ከም ኣጀማምርኡ መፈጸምትኡ ከርእየና ትምኒትና እዩ። ብክልቲኦም ምንግስታት ጽቡቕ መንፈስ እንተልዩ ዝዕንቕፎ ነገር ክህሉ እዩ ኢለ ኣይግምትን'የ። እዚ ብስራት እዚ ብምሉእ ሰላም ዝዛዘመሉ እዋን ኣ ርሑቕ ኣይክኸውንን'ዩ፡" ብምባል ሓሳቡ ይድምደም።

ኢትዮጵያዊ ዓብደልፈታሕ መሓመድ ህዝብታት ክልቲኤን ሃገራት "ተራሓሒቑ ዝራሓሓቕ ህዝቢ ኣይኮነን" ይብል። እቲ ሕጂ ሰላማዊ ርክባት ክጅመር ምኽኣሉ ድማ ንድልየታትን ትምኒታትን ህዝቢዝመልእ ስለዝኾነ ተስፋ ከምዘለዎ ተዛሪቡ።

ዓብደልፈታሕ መሓመድ

ምንጪ ስእሊ, ABDULFATAH/FB

"ተኺብና ናፍቆትና ክድበስ'ዩ" ዝብል ዓብደልፈታሕ እቲ ርክባት ምስተጀመረ ኣብ ስራሕቲ ስነ-ጥበብን ካልኦት ጉዳያትን ተቐራሪብካ ንምስራሕ ዓብዪ ዕድል ከምዝፍጠር ይገልፅ። ንሱ ምስ ካልኦት ኤርትራውያን ኮይኑ ዝጀመሮ መፅሓፍ ከም ኣብነት የልዕል። ኣብ ቀፃሊ ድማ ናብ ኤርትራ በፂሒ ዝምለሰሉ ሰላማዊ ኩነታት ክህሉ ተስፋ ይገበር።