ኣብ ኩዕሶ እግሪ ዝምዘዙ ቀይሕን ቢጫን ካርዲታት መን ምሂዙዎም? ብኸመይከ እዚ ሓሳብ መፂእሉ?

"ኣብ መገዲ ኬኒስንግተን እንትሓለፍ ቀይሕ መብራህቲ ትራፊክ በሪሁ። "ቢጫ፡ ኣቕሊልኻ ርኣዮ ቀይሕ ድማ ጠጠዉ በል ማለት'ዩ ኢለ ይሓስብ ነይረ"።

ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ነይሩ ዳይና ኢንግሊዝ ኬኔዝ ጆርጅ ኣስቶን ኣብ ግጥማት ኩእሶ እግሪ ቀይሕን ቢጫን ካርዲ ምጥቃም ከምዝክኣል ዝሓሰበ።

ኣብ መጀመርታ 1960ታት ኣብ ዝነበረ ዘይምርግጋእ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኾነ መደናገሪ ጸወታ ፈጢሩ ነይሩ።

እዚ ፀወታ፡ መወዳእትኡ ብዙሓት ቖሲሎም ናብ ሆስፒታል ዝተወሰድሉ ክሳብ ሞት ናብ ዝበጽሕ ባእሲ ተቐይሩ ነይሩ።

እዚ ኹሉ ኣብ 1962 ኣብ ቺሊ ኣብ ዝነበረ ዋንጫ ዓለም'ዩ።

"ኵናት ሳንቲያጎ"

ኣብ ሞንጎ ሕቡራት ሶቭየትን (ሩሲያ ናይ ሕዚ ሽማ) ዩጎዝላቪያን ኣብ ዝነበረ ግጥም አዕጽምታት ዝተሰበርሉ ኣጋጣሚ ነይሩ።

ኣብ ሞንጎ ጀርመንን ጥልያንን'ዉን ተመሳሳሊ ነገር ኣጓኒፉ።

ኣብ መንጎ ቺኮዝላቫኪያን ስፔንን ኣብ ዝተገበረ ግጥም፡ ሓላዊ ልዳት ኣብ ርእሱ ብምዉቅዑ ዓርሱ እንትስሕት፡ ኣርጀንቲናን ቡልጋርያን ኣብ ዝገበረኦ ጸወታ ድማ ብዙሓት ተጻወትቲ ከቢድ መጉዳእቲ በጺሑዎም።

ቺሊን ጥልያንን ዘራኸበ ጸወታ ግና ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ "ኵናት ሳንቲያጎ" ዝብል ስያመ ረኺቡ'ዩ።

ዉቅዒት፣ ጉስጢትን መጥቃዕቲ ፖሊስን ዝተንጸባረቖ ነይሩ።

ቺሊ ክልተ ንባዶ ኣብ ዝረትዓትሉ እዚ ጨዋታ፡ ኣብ ጉዳይ ዳይነት ከቢድ ነቐፌታ በጺሑዎ'ዩ።

ኬኒዝ ኣስቶን፡ ኣብዚ እዋን ግዳይ ኮይኑ'ዩ። ኣብ 1970 ኣብ ሜክሲኮ ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ግና መፍትሒ ሒዙ መጺኡ።

ኣብ 1963 ዳይነት ኩዕሶ እግሪ ጠጠዉ ዘበለ ኣስቶን ኣብ 1966 ኣባል ኮሚቴ ዳይነት ፊፋ ኮይኑ (ካብ 1970 ክሳብ 1972 ፕረዚደንት ኮይኑ ሰሪሑ)።

ኣብዚ ግዜ ኣርጀንቲና ንርብዒ ፍጻመ ኢንግሊዝ ኣብ እተአንግደሉ 1966 ዝተፈጠረ ሓዲሽ ጽያፍ ጥፍኣት ዝእለየሉ መገዲ ከናዲ ግድን ይብሎ ነይሩ።

ናይዚ ጸወታ ዳይና ዝነበረ ጀርመናዊ ሩደልፍ ክሬትለን ኣብ መበል 36 ደቒቕ ካፒቴን ኣርጀንቲና ኣንቶኒዮ ራቲን ብብሪጣናዊ ፖሊስ ካብ መጻወቲ ሜዳ ክወጽእ ገይሩ'ዩ።

ክሬትለን ንኢንግሊዝ ፍጹም ቅላዕ እንትህብ ራቲን ብምቅዋሙ ካብ ሜዳ ተሰጒጉ።

"ኣብ ገጽ ራቲን ይንበብ ዝነበሩ ነገራት ኩሎም እንታይ ክብል ከምዝደለየ ይነግሩኒ ነይሮም" ኢሉ ክሬትለን።

ኣብዚ እዋን እቲ ጸገም ዝነበረ እቲ ዳይና ቋንቋ ስፔን ኣይዛረብን፡ እቶም ተጻወትቲ ከኣ ኣይ ኢንግሊዘኛ ኣይ ቋንቋ ጀርመን ሓዲኡ ክዛረቡ ኣይኽእሉን።

ብዚ ምኽንያት ክሳብ ተርጓሚ ናብ ዌንብለይ ዝመጽእን እንታይ ይፍጠር ከምዘሎ ክሳብ ዘረድእን እቲ ጸወታ ን 10 ደቓይቕ ተቛሪጹ ጸኒሑ።

ኣብዚ ግዘ እዩ እዚ ኢንግሊዛዊ ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ጸገማት ኩዕሶ እግሪ ሓደ መፍትሒ ምምሃዝ ኣገዳሲ ክመዝኾነ ዝተገንዘበ። መብራህቲ ትራፊክ ድማ እቲ ምላሽ ሂቡዎ።

ኬነዝ ኣስቶን አብ 2002 ኣብ 86 ዓመቱ'ዩ ሞይቱ።

"ኣብ ኩዕሶ እግሪ ጽሑፍ፣ ማእኸላይ መልእኽትን መወዳእታን የለን፡ እኳ ድኣስ ምዝንጋዕ'ዩ" ክብል ኣብ ሓደ እዋን ተዛሪቡ ነይሩ።