እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጫማታት ሙሓመድ ሳላሕ ናብ ሙዝየም ኣትዮም
ኣጥቃዓይ ጋንታ ሊቨርፑል ሞሓመድ ሳላሕ፡ ጫማታቱ ኣብ እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ ሙዝየም ንምርኢት ክቐርቡ እዮም።
እቲ ኣብ እንግሊዝ ዝርከብ ሙዚየም ዝተፈላለዩ ናይ ግብፂ ቅርስታትን ሰነዳት ታሪኽን ንምርኢት ይቐርቡሉ።
ጋንትኡ ሊቨርፑል ድሕሪ ሰሙን ናይ ቻምፒዮንስ ሊግ ግጥም ምስ ሪያል ማድሪድ ክተካይድ ኣብ ትዳለው ኣብ ዘላትሉ እዋን'ዩ ጫምኡ ንምርኢት ክበቅዕ።
ዓቃቢ ንብረት እቲ ሙዝየም ኒል ስፐንሰር "ጫማታቱ ታሪክ ናይቲ ኣብ እንግሊዝ ብቕዓቱ ዘመስከረን ዓለማዊ ዝና ዝረኸበን ዘመናዊት ናይ ግብፂ ክብሪ ዝዛረቡ'ዮም" ኢሎም።
ሳላሕ፡ ኣብ ናይዚ ዓመት ፀዋታታት ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ ዝነኣድ ብቕዓት ዝነበሮን፡ 32 ሸቶታት ብምቑፃር ሽልማት ወርቃዊ ጫማ ዝወሰደን ተፃዋቲ'ዩ።
ናብቲ ሙዝየም ዝኣተዉ ጫማታቱ ምስቶም ናይ ግብፂ ፈርኦናትን ጥንታዊ ውፅኢታት እደ-ጥበብን ንምርኢት ክቐርቡ እዮም።