ሕብረት ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ ምጥቃም ፀረ-ባልዕ ዝግድብ ሕጊ ከፅድቕ ይሸባሸብ'ሎ

እዚ ከሚካላዊ ፈውሲ ምጥቃም ቁፅሪ ኣፍረይቲ መዓር አናህብ እናነከየ ክመፅእ ምኽንያት ከምዝኾነ ሳይንሳዊ መፅናዕቲታት የመላኽቱ።

እቲ ክፀድቕ ተሓሲቡ ዘሎ ሕጊ ኣብ ተግባር እንተውዒሉ፥ ቅድም ክብል ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ብ2013 ዝፀደቐ ገደብ ሕጊ እቲ ኬሚካል ብዝበለፀ ዘጠናኽር እዩ።

ኣፍረይትን ሓደ ሓደ ጉጅለታት ሓረስቶትን ግን ነቲ ውፅኢት ሳይንሳዊ መፅናዕቲ ኣይተቐበሉዎን። ተቓውሞኦም ድማ ይገልፁ ኣለዉ።

'ኒዮኒኮቲናይድስ' ዝተብሃለ እዚ ፀረ - ነብሳት ኣብ ዓለም ብስፍሓት ኣብ ረብሓ ዝውዕል 'ኳ እንተኾነ ኣብ ህይወት ኣናህብ ዝህልዎ ፅዕንቶ ግና ኣወንታዊ ከምዘይኮነ እዮም እቶም መፅናዕትታት ዝሕብሩ።

ሓሳብ ምቕያር

ኣብ2013 ሕብረት ኣውሮፓ ዘፅደቖ ሕጊ ሰለስተ ዓይነታት እዚ ከሚካል ኣብ ረብሓ ከይውዕል እዩ ወሲኑ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ዝተነበሩ ገደባት እዚ ፈውሲ ኣብ ዕፉን፥ ስገም፥ ኣጃን ዘይትን ዝኣመሰሉ ዓይነታት ኣዝርእቲ ኣብ ረብሓ ከይውዕል ዝኽልክል ነይሩ።

እዚ ሕዚ ንውሳነ ቀሪቡ ዘሎ ሓሰብ ግና ዳርጋ እቲ ፈውሲ ጠቕሊሉ ኣብ ረብሓ ከይውዕል ዝእግድ እዩ ተባሂሉ።

እዚ ሓሳብ ንምምንጫው መበገሲ ዝኾነ ደሕንነት ምግቢ ኣውሮፓ ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ እቲ ፈውሲ ንብዙሓት ዓይነታት ንህቢ ሓዳጋ ምዃኑ ምርግጋፁ ስዒቡ እዩ።

ከምኡ ድማ እንግሊዝ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ተመሳሰሊ ሓሳባት እገዳታት ክትገብር ምዃና ነቲ ሓሳብ ምምንጫው ተወሳኺ መልዐሊ ከይኾነ ኣይተርፍን።

"እቲ ጉዳይ አጀንዳ ክኸውን ዝሓገዘ ይመስለኒ" ይብል ንግሪንፒስ ዘዝሰርሕ ፍራንዚስካ ኣክርተበርግ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ።

ኣብቲ ቀዲሙ ዝፀደቐ ከፊል እገዳ፥ እንግሊዝ ሓዊሱ ሓደ ሓደ ሃገራት ኣውሮፓ ንሓፂር እዋን እዚ መድሓኒት ክጥቀማ ይፈቅድ ነይሩ።

ሕዚ ግና ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓ ውፅኢት እቲ መፅናአዕቲ ስለዝኣመነሉ እቲ ጉዳይ ይደፍአሉ ከምዘሎ መረዳእታት ይሕብሩ።

ይኹን 'ምበር ኣብ ሓምላይ ገዛ (greenhouses) ዘፍርዩ ሰባት እቲ ፈውሲ ክጥቀምሉ የኽእሉ እዮም።

ይኹን'ምበር ክሪስ ሃርትፊልድ ዝተብሃለ ማሕበር ሓረስቶት ዝውክል ውልቀ ሰብ እቲ ስጉምቲ ኣብ ኣናህብ ዝዕቀን ዘምፀኦ ለውጢ እንታይ እዩ ክብል ሓቲቱ።

እቲ ውሳነ ዝሓለፍ 55 ሚኢታዊ እቲ ሕብረት ድጋፍ ክረክብ እንከሎ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እዚ ውሳነ እንድሕር ፀዲቑ ኣብቲ ክፍለ ዓለም ዝፈርዩ ዓይነታት ክቕይሮ ይኽእል እዩ።