እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩስያ ኣብ ምስማም ሰላይ ዜጋኣ "ልዑል ተኽእሎ" ከምዘሎ መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳ ገሊጾም
ባይቶ ኤውሮጳ፡ ድሕሪ'ቲ ናይ ብራሰልስ ኣኼባኡ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳ ምስቲ ብእንግሊዝ ዝተዋህበ መግለጺ ከምዝሰማምዑ ብምሕባር እቲ ሕብረት፡ ኣብ ሩስያ ንዝርከብ ኣምባሳደሩ "ንምይይጥ" ጸዊዑዎ ምህላዉ ተፈሊጡ።
እቲ ኣብ ሳልስቤሪ ዝተኻየደ ናይ ምስማም ስርሓት "ኣካል ናይቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ኤውሮጳ ተካይዶ ዘላ ተጻብኦታት ኢዩ" ኢላ ቀዳመይቲ ምኒስተር እንግሊዝ ቴሬዛ መይ።
መንግስቲ ሩስያ ነቲ ብ4 መጋቢት ኣብ ልዕሊ ሰላይ-ነበር ሰርጊየ ስክሪፓል ምስ ጓሉ ዝተገብረ ናይ ምስማም ስርሓት ተሓታቲት ከምዘይኮነት ገሊጻ።
"ኣብዚ እዋን ኣብ ናይ ሓባር ጸጥታና ተጋሂዱ ዘሎ ኣዝዩ ከቢድ ብድሆ፡ ኣብ ጎድኒ መንግስቲ እንግሊዝ ከምዘሎና ነረጋግጽ" ኢሉ ባይቶ ኤውሮጳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ርክባ፡ ቀዳመይቲ ምኒስተር ቴሬዛ መይ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ጉዳይ ሩስያ ካብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝሃብዎ መግለጺ "ዝያዳ ዝተረረ ኣብምግባር ከምዝተዓወተት"፡ ላውራ ኲንስበርገ፡ ናይ ቢቢሲ ጋዜጠኛ ፖለቲካዊ ጉዳያት ገሊጻ።
እንተኾነ፡ ቴሬዛ መይ ካልኦት መራሕቲ ኤውሮጳ ከም ናታ መርገጺ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ንኽወስዱ ተገድዶም ኣይትመስልን። ዋላ'ኳ ገለ ሃገራት ዲፕሎማት ሩስያ ካብ ሃገሮም ናይ ምስጓግ ተኽእሎታት ከምዘሎ እንተገለጹ።
ብሓሙስ፡ ቴሬዛ መይ ንመዛኑኣ ብዝዕባ ምስማም ስክሪፓል መብርሂ ሂባቶም።
ኣብ መብርሂኣ፡ መንግስቲ እንግሊዝ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘለዋ ጭብጥታት ኣቕሪባ፡ እንተላይ'ቲ ናቪቾክ ዝተባህለ ናይ ነርቭ ኬሚካል ስርሓት ሩስያ ከምዝኾነን ቅድሚ 10 ዓመታት ከምዝተመስርሐን ገሊጻ።
ፕሬዚደንት ሊትዋንያ ዳልያ ድማ ሃገራ ኣሰር መንግስቲ እንግሊዝ ብምስዓብ ናይ ሩስያ ሰለይቲ ካብ ሃገራ ክትሰጉግ ትሓስበሉ ከምዘላ ገሊጻ።
ናይ ግሪክ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ኣሌክሲስ ጺፕራስ፡ ድማ ዋላ'ኳ ሃገሩ ኣብዚ ጉዳይ ምስ እንግሊዝ "ትደናገጽ" እንተኾነት "እዚ ጉዳይ ሓላፍነታዊ ብዝኾነ መንገዲ ክንሕዞ ኣሎና" ኢሉ።
'ጨሪሱ ዘይሓላፍነታዊ'
መንግስቲ እንግሊዝ ዝኾነ ጭብጢ ከየቕረበት ንሃገሩ ብምስማም ምውንጃላ "ሃገሩ ከምዘይትቕበሎ" ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣሌክሳንደር ያኮቬንኮ ገሊጹ።
ነቲ ብሮቡዕ ብወጻኢ ጉዳይ ምኒስተር ቦሪስ ጆንሶን ዝተዋህበ መግለጺ፡ ንፕሬዚደንት ፑቲን ምስ ሂትለር ምምስሳሉ "ጨሪሱ ዘይሓላፍነትዊ" መግለጺ ኢዩ ነይሩ ኢሉ እቲ ኣምባሳደር።
"ዝኾነ ሰብ ንሩሲያውያን፡ ነቶም ንናዚ ዝሰዓሩን፡ ልዕሊ 25 ሚልዮን ደቁ ኣብ ኲናት ኣንጻር ናዚ ዝኸፈለን፡ ምስ ናይ ጀርመን ናዚ ብምምስሳል ከናሹ መሰል የብሉን" ኢሉ ኣምባሳድር ያኮቬንኮ።
'ስትራቴጂካዊት ጸላኢት'
"ሩስያ ስትራቴጂካዊት ጸላኢት'ምበር ስትራቴጂካዊ መሻርኽቲ ከምዘይኮነት ኣርእያ" ኢሉ ሓደ ብዓልስልጣን መንግስቲ እንግሊዝ።