BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ
ዜናታት
ኤርትራውያን ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝጠልብዎን ዝጽበይዎን ነገራት እንታይ'ዩ?
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሎሚ 12 ጥሪ ምስ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና፡ ኣብ ህሉው ዓለማውን ዞባውን ምዕባለታት ከምኡ'ውን ዘቤታዊ ጉዳያት ቃለመሕትት ከካይድ ምዃኑ ተሓቢሩ'ሎ። ኢሳይያስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ 2025 ተመሳሳሊ ቃለመሕትት ኣካይዱ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
መንግስቲ ሱዳን ድሕሪ ኣስታት 3 ዓመታት ኲናት ናብ ካርቱም ተመሊሱ
ቀዳማይ ምኒስተር ካሚል እድሪስ ኣብቲ ብሰንበት ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኣገልግሎታት ኤለትሪክ፡ ማይ፡ ማእከላት ጥዕናን ስርዓተ ትምህርትን እታ ከተማ ንምምሕያሽ ክሰርሕ ምዃኑ'ዩ ገሊጹ።
ትራምፕ፡ ኲባ 'ከይረፈደ ክትሰማማዕ ኣለዋ' ዝብሎ ዘሎ እንታይ'ዩ?
ትራምፕ ብሰንበት ኣብ ሶሻል ትሩዝ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ኲባ ንነዊሕ ዓመታት፡ ብብዙሕ ነዳድን ገንዘብን ቬነዝዌላ እያ ክትናበር ጸኒሓ። ነቶም ዝሓለፉ ክልተ ውልቀመለኽቲ ቬነዝዌላ ድማ 'ኣገልግሎት ጸጥታ' ትህቦም ነይራ፡ ድሕሪ ሕጂ ግን እዚ ኣይክህሉን እዩ!" ኢሉ።
ቀጥታ, ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ ተዘራሪቡ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሓይልታት መንግስቲ ነቶም ብሰንኪ ቁጠባዊ ቅልውላው እታ ሃገር ሰልፊ ዘካይዱ ዘለዉ ሰልፈኛታት እንተቐቲሎም፡ "ንኢራን ኣበርቲዕና ክሃርማ ኢና" ዝብል ምፍርራሕ ደጊሙ ገሊጹ’ሎ።
ኢራን፡ ኣመሪካ ዝዀነ መጥቃዕቲ እንተፈጺማ ሕነ ክትፈዲ ምዃና ኣጠንቂቓ
ኣፈ ጉባኤ ፓርላማ ኢራን፡ ኣመሪካ መጥቃዕቲ እንተፈጺማ እስራኤልን ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ማእከላት ወተሃደራዊን መራኽብ ኣመሪካን ዒላማ ከም ዝዀኑ ኣጠንቂቑ።
ኢትዮጵያን ቻይናን ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪን ናጽነት ታይዋንን እንታይ ተሰማሚዐን?
ኣብ 2026 ንፈለማ እዋን ናብ ኣፍሪቃ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ፡ "ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ቅንዕናን" ብዘኽበረ መስርሕ፡ ዞባዊ ሃገራት "ምትእስሳር ሎጂስቲክስ ባሕሪ ንምሕያል" ዝገብርኦ ዘለዋ ጻዕሪ ከምእትድግፍ ገሊጹ። ኢትዮጵያ ብወገና "ታይዋን ዘይትፍለ ኣካል መሬት ቻይና እያ" ብምባል ን"ሓንቲ ቻይና" ዝብል መትከል ዘለዋ ተወፋይነት ኣረጋጊጻ።
ህዝባዊ ተቓውሞ ኢራን፡ ትራምፕ 'ኣመሪካ ንምሕጋዝ ድሉውቲ እያ' ኢሉ
ኢራናዊያን፡ መንግስቲ እታ ሃገር ንዘውፅኦ ኣዋጅ ብምጥሓስ ብቐዳም ምሸት ናብ ጎደናታት ብምውፃእ ተቓውሞታቶም ኣብ ዝቕፅልሉ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣመሪካ ንምሕጋዝ ድሉውቲ'ያ" ኢሉ። መራሒ ኢራን ኣያቶላሕ ዓሊ ኻሜኒ፡ ነቶም ሰልፈኛታት "ንትራምፕ ክጠቕሙ" ዝደልዩ "ፈጠርቲ ፀገም" ብምባል ነፂገምዎም።
ትራምፕ፡ ኩባንያታት ነዳዲ ኣሜርካ ኣብ ቬነዝዌላ ከውፍሩ ዘቕረቦ ሕቶ ንምንታይ ተቐባልነት ዘይረኸበ?
ፕረዚደንት ኣሜርካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ዓበይቲ ኩባንያታት ነዳዲ ኣሜርካ ኣብ ኢንዳስትሪ ነዳዲ ቬነዝዌላ፡ ብውሕዱ 100 ቢልየን ዳላር ፈሰስ ክገብሩ ሕቶ ኣቕሪቡ።
ትንቢታት እቲ ፈረንሳዊ ቆፃሪ ኰኸብ ክሳብ ሕዚ ፍቱዋት ዝኾንሉ ምስጢር እንታይ እዩ?
በዓልሞያ ሕክምና፣ ቀማሚ ኣፋውስ ከምኡ'ውን ቆፃሪ ኰኾብ ፈረንሳዊ ኖስትራዳመስ፡ ብኣርባዕተ መስመራት ግጥሚ ብዛዕባ ዝመፅእ ከቢድ ምዝባዕ ኣየር፣ መወዳእታ ኵናት ዓለምን ምምካኽ እምባታት በረድ ሰሜንን ደቡብን ዋልታትን ፅሒፉ እዩ። ቅድሚ ዓመታት ዝፀሓፎም ትንቢታት ክሳብ ሕዚ ብዙሓት ዝፀርሕዎ፣ ከም ምልክት ዝጥቀምሉን ኖስትራዳመስ ኢሉ ነይሩ ተባሂሉ ዝፅወየሉን ሰብ እዩ።
ኣመሪካ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ኢሚግሬሽን ንሬኔ ኒኮል ብምቕታሎም ዝተለዓለ ተቓውሞ ይቕጽል
ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ሬኔ ኒኮል ጉድ ዝተብሃለት ውልቀሰብ ብወኪል ኢሚግሬሽን ኣመሪካ ብጥይት ምቕታላ ስዒቡ ዝተለዓለ ተቓውሞ፡ ሕጂ'ውን ይቕጽል ኣሎ።
ኣመሪካ ኣብ ሶርያ ኣብ ልዕሊ እስላማዊ መንግስቲ መጥቃዕቲ ፈጺማ
ኣመሪካን መሻርኽታ ሓይልታትን ኣብ ሶርያ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ (ኣይኤስ) ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ማእከላይ ትእዛዝ ኣመሪካ (ሴንትኮም) ኣፍሊጡ።
ቬነዝዌላ፡ ንፕረዚደንት ማዱሮ ንምሓዝ 150 ነፈርቲ ውግእ ዘሳተፈ ምስጢራዊ ስርሒት
ፕረዚደንት ቬነዝዌላ ኒኮላስ ማዱሮ ብኣመሪካ ተታሒዙ ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣቱ ሓደ ሰሙን ገይሩ ኣሎ። ሕጂ ድማ ንማዱሮ ንምሓዝ ዝተኻየደ ድራማዊ ወፍሪ ዝርዝራቱን ኣብ ዙርያ እቲ ስርሒት ዝነበረ ስለያዊ ሓበሬታ እናነጸረ ይመጽእ ኣሎ። እንተዀነ፡ ገለ ዝርዝራት ሕጂወ'ውን ገና ንጹር ኣይኰነን።
ኢንተርነት ዳታ ብምዕቃብ ትሕዝቶታት ቢቢሲ ትግርኛ ብቐሊሉ ኣንብቡ።
ዳታ ንምዕቃብ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑፍ ጥራይ ኣንብቡ።
ከይሓልፈኩም
ኢትዮጵያ ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ክትስሕቦ ትኽእል ድያ፣ ሳዕቤኑኸ?
ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ መዓስን ብኸመይን'ዩ ተፈጺሙ? ኣዲስ ኣበባ መዓስን ብኸመይን እያ ንሃገርነት፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣፍልጦ ሂባ? ክትስርዞ ወይ ክትስሕቦኸ ትኽእል ድያ? ሳዕቤኑ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ዓለምለኻዊ ሕጊታትን ውዕላትን፡ ከምኡ'ውን ክኢላታት ዓለማዊ ዝምድናታትከ እንታይ ይብሉ?
ድምጺ, ቢቢሲ ትግርኛ ዜና / ዜና፡ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ
21:09 EAT - 21:24 EAT
ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ካበይ ናበይ፡ ሃለዋቱኸ ኣብ ምንታይ ይርከብ?
ሃለዋት ህግደፍ ግን ኣብዚ እዋን'ዚ እንታይ ይመስል? ነቲ 'ደሞክራስን ፍትሕን' ዘጠቓልል ስሙ በቒዕዎዶ? መፈጠርን ዛንታን ናይቲ ኣብ ውሽጡ ዝዓበየ ምስጢራዊ 'ሰልፊ' እንታይ'ዩ? ነዚኦምን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕቶታት ናይቲ ውድብ ንምምላስ ንሓፈሻዊ ጕዕዞኡ ዳህሲስናዮ ኣለና።
ኤርትራ፡ ምስ ኵሉ ጸጋታታ ስለምንታይ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ዘይገሹዋ?
ኤርትራ፡ ካብ ድቃሳ ምስተበራበረት ንጸጋታት ክትሰርሓሉ እንተጀሚራ መስሕብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትከውን ዓቢይ ተኽእሎን ዕቝር ጸጋታትን ከምዘለዋን ዘጠራጥር ኣይኰነን፤ ሕጂ ግን ብድኽመት ምሕደራ ዝተዳህከት፡ ኣዝያ ዕጽውቲ ሃገር እያ።
ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዘይቅዋምን ምርጫን ንልዕሊ 34 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ መራሒ
ኣብ 1993፡ ኤርትራውያን መሰል ርእሰ-ውሳነኦም ብረፈረንዱም ምስ ኣረጋጋጹ፡ ኢሳይያስ ንፈለማ እዋን ከም መራሒ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ተራእየ። ኣብ ዋዕለ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተሳተፈሉ፡ ነቶም ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ወለዶ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ "ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክዅየጡ ዝደልዩ፡" ክብል ዘሊፉዎም።
መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኢጣልያ ዝኸተሞ ውዕል፡ ንወፍሪ ተዳልዩ ከም ዘሎ ዘርኢ ድዩ?
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሓባራዊ ምትሕግጋዝን ወፍርን ዘተዀረ ውዕላት ክፍርም ጸኒሑ እዩ። እዞም ውዑላት እዚኦም ኣብ ተግባር ይውዕሉዶ? እዚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝተረኽበሉ ምስ ኢጣልያ ዝተገብረ ዳሕረዋይ ውዕል ተግባራዊ ክኸውንከ ጥጡሕ ባይቶ ኣሎ ድዩ? ብዙሓት ዝሓቱዎ ሕቶ እዩ። ኢጣልያ ናብ ኣፍሪቃ ትጥምተሉ ዘላ ምኽንያትከ እንታይ እዩ?
ኤርትራ ብኸመይ ካብዚ ዘይብተኽ ዓንኬል ኲናትን 'መዋእል ክሳራን' ክትገላገል ትኽእል?
እቲ ዝበዝሕ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰብ እታ ሃገር፡ ካልኣይ ደረጃ ይዅን ዩኒቨርሲቲ ዝወድአ ከይተረፈ፡ ኣብ ሰራዊት ከቲቱ ብዘይኣድማዕነት ዝጸንሐ'ዩ። በዚ ድማ እቲ እንኮ መዋጽኦ መንእሰያት ኤርትራ፡ ስደት ኰይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ብሰንኪ ብሕታዊ ወፍሪ ዘየተባብዕ ፖሊሲ መንግስቲ ድማ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ክኣትዉስ ይትረፍ እቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንኣሽቱን ማእከሎትን ንግዳዊ ትካላት ብምምስራት ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ዝነበሩ ብዙሓት ሰብ ጸጋ ዜጋታት'ውን ግዳይ ናይቲ ኵነታት ኰይኖም ምስ ገንዘቦም ናብ ስደት ውሒዞም'ዮም።
ኤርትራ፡ ጽምዶ ጽቡቕ እዩ - ግን መን ምስ መን፡ ንምንታይ ዕላማኸ?
እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ህወሓትን ክግበር ዝዕደም ዘሎ ጽምዶ ግን ብምንታይ ዝተደረኸ እዩ? እቶም ኣብ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ 2020 – 2022 ሓድሕድ ዝተዳመዩ፡ ሕዱር ቅርሕንቲ ዝነበሮም ሓይልታት ስለምንታይ ኣብዚ ግዜ'ዚ ክላፈኑን ክጻመዱን ደልዮም?
ትግራይ፡ ክሳብ መዓስ እያ ዓውደ-ኲናት ኰይና ክትነብር?
ብሰንኪ'ቶም ካብ ቅድሚ 100 ዓመታት ኣትሒዞም ዝተኻየዱ ተኸታተልቲ ውግኣት ኣእላፍ ሰባት ሃሊቘም፡ ንብረትን ጥሪትን በሪሱ፡ ኣግራብን ዘራእትን ጣሕሲሱ፡ እንስሳ ዘ-ገዳም እውን ፈሊሰን። እንተዀነ፡ ሎሚ እውን ካልእ ህልቂት ከስዕብ ዝኽእል ደበና ኲናት የንጸላሉ ኣሎ።
ኤርትራ፡ ታሪኽ ኣንጻር መንግስቲ ዝተኻየዱ ውሽጣዊ ተቓውሞታት
ገለ ካብኡ ብኣድማ ተጋደልቲ ዝፍለጥ፡ ተቓውሞ 20 ግንቦት 1993፣ ተቓውሞ ስንኩላን ኲናት - ሓምለ 1994፡ ሕቶ ለውጢ ጕጅለ 15 ኣብ - ነሓሰ 2001፡ ሕቶ ለውጢ ወዲ ዓሊን ብጾቱን - 21 ጥሪ 2013፡ ተቓውሞ ኣንጻር ምህጋር ቤት ትምህርቲ ኣልድያእ - ጥቅምቲ 2017 እናተባህለ ክግለጽ ይከኣል።
ኤርትራ፡ ካብ ሓርነታዊ ገስጋስ ናብ ምልካዊ ትኻስ
እቲ ህዝቢ፡ ዘይጽወር ጸይሩ፡ መሪር ስቓይ ተጻዊሩ፡ ብከቢድ መስዋእቲ ዝረኸቦ ናጽነት፡ "ደጊም ስቓይና ተወዲኡ እዩ!" ብምባል፡ ርሁው መጻኢ እናሓለመ፡ ብድሙቕ ፍሽኽታን ሓጐስን'ዩ ዝጽምብሎ ነይሩ። ግን እቲ ሽዑ ዝነበረ ተስፋን ሕልምን፡ ሕጂ ድሕሪ 33 ዓመት ናጽነት ከመይ ኣሎ? እዚ ጽሑፍ'ዚ፡ ንትጽቢትን ክውንነትን ጕዕዞ ሓድሽ ልደት ኤርትራን ውጽኢቱን ክግምግም እዩ።
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዩቱብ
ቪድዮ, መራሒ ቬንዝዌላ ኒኮላስ ማዱሮን ማዱሮ፡ ብኸመይ'ዩ ተታሒዙ?
ኒኮላስ ማዱሮን ማዱሮን በዓልቲ ቤቱ ሲልያ ፍሎረስን ብሰኑይ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ገበነኛታት ከም ዘይኮኑ ተማጒቶም። ብመሰረት ጸብጻብ ሲቢኤስ ኒውስ፡ ማዱሮ ሕጂ'ዉን መራሒ ቬንዙዌላ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ብመገዲ ተርጓሚ "ኣነ ንጹህ እየ። ገበነኛ ኣይኰንኩን። ጭዋ ሰብ እየ፡ ፕረዚደንት ሃገረይ እየ፡" ኢሉ። ሰብኣይን ሰበይትን ግን ብኸመይ'ዮም ተታሒዞም?
ቪድዮ, ስቕታ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ እስራኤልን ሶማሊላንድን እንታይ ይእምት?
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እስራኤል ነታ ናጽነታ ባዕላ ብምእዋጅ ርእሰ-ምምሕዳር መስሪታ ክትከይድ ዝጸንሐት ሶማሊላንድ ከም "ናጻን ልኡላዊትን ሃገር" ኣፍልጦ ምስ ሃበት፡ ስቕታ ኣዲስ ኣበባ ኣቓልቦ ስሒቡ'ሎ።
ቪድዮ, 'ኣልጎሪዝም' ማሕበራዊ ሚዲያ ይቈጻጸረና ድዩ ዘሎ?
ማሕበራዊ ሚዲያ ኣካል መዓልታዊ ናብራናን ህወይትናን ኰይኑ ኣሎ። ዘመናዊ ኣምር ሰብ-ሰርሖ ብልሒ'ዉን ካብ 1950ታት ጀሚሩ ንሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት ምሳና ዝጸንሐ’ዩ። እንተዀነ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ጥራይ ንሓባራዊ ስነ-ኣእምሮን መዓልታዊ ምንቅስቓስናን ዝጸልዉ ምዕባለታት ኣብ ክልቲኡ መዳያት ተራእዮም ኣለዉ።
ቪድዮ, ስራሕ እቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ወኪል ኢጋድ ዝዀነ ቸርነት ሃሪፎ፡ እንታይ'ዩ?
ቸርነት ሃሪፎ፡ ገና ወዲ 23 ዓመት እናሃለወ'ዩ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚት ወኪል ትካል ልምዓት መንግስታት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኰይኑ ሓላፍነት ተቐቢሉ።
ቪድዮ, 'ብልጽግናን ስልጣንን' እናተመባጽዑ ህጻናት ዝቐትሉ ጠንቈልቲ
ኣብ ሴራሊዮን፡ ምስ ስርዓታት ሽሕር ብዝተኣሳሰር ብዝመስል ቅትለት፡ ብዙሓት ስድራቤታት ኣብ ስንባደ ኣለዉ።
ትንታነ
ጥዑም ወይ ሕማቕ ሽታ ሰብነት ዝፈጥሩ መግቢታት
ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ድሕነትን ጥዕናን ሊና በግዳች፡ እቲ እንበልዖ መግቢ ንጨና ኣካላትና ክጸልዎ ዘኽእሉ ክልተ መገድታት ከምዘለው ትዛረብ። እዚኦም ድማ መዓንጣናን ቆርበትናን እዮም።
ቃለመሕትት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ስለምንታይ እዩ ልዑል ትጽቢት ዝግበረሉ?
እቲ ፕረዚደንት ኣብ ውሱናት ወግዓዊ ኣጋጣሚታት - ብፍላይ በዓል ናጽነትን መዓልቲ ሰማእታትን - ዝገብሮ መደረታት ወይ ቃለመጠይቓት፡ ገለ ካብቲ ህዝቢ ብሃንቀውታ ዝጽበዮ ኣጋጣሚታት ኣብ ኤርትራ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ገይሩ እዩ።
ስጉምቲ ትራምፕ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ምልካውያን ዘተባብዕ ክኸውን ይኽእል'ዩ - ጄረሚ ቦወን
ትራምፕ ኣብ ቬነዝወላ ዝወሰዶ ስጉምቲ ንኣዋርሕ ዝጸንሕ ዓለማዊ ቅልውላው ዘመልክት ክኸውን ይኽእል እዩ።
ንማዱሮ ሒዙ ናብ ኣመሪካ ዝወሰዶ ፍሉይ ሓይሊ 'ደልታ ፎርስ' እንታይ ንፈልጥ?
ደልታ ፎርስ ኣብ 1977 ዝተመስረተ ፍሉይ ኣሃዱ ሓይሊ ኮማንዶ እዩ። ኣብ ዓለም ካብ ዘለዎ ሓያላትን ምስጢራውያንን ወተሃደራዊ ኣሃዱታት ሓደ እዩ። ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ፎርት ብራግ፡ ሰሜን ካሮላይና ኣመሪካ ይርከብ።
ንጥዑይ ግዘ እርጋንና፡ ገና ኣብ 30ታት ዕድመና ክንገብሮም ዘለና ነገራት
ተመራመርቲ፡ እናኣረግና ምስ ንኸይድ ፀገም ጥዕና ምግጣም ዘይተርፍ ነገር ከም ዘይኾነ፡ ሕዚ ልዕሊ ዝኾነ ግዘ ርግፀኛታት እዮም። ብኸመይ ከም ንኣርግ፡ ክንመርፅ ንኽእል ኢና።
ኣቈጻጽራ ዘመን ስለምንታይ ተፈላልዩ፤ ቀንዲ ዝበሃሉኸ ኣየኖት እዮም?
ጐርጎርዮስያዊ (ኣውሮጳዊ) ኣቈጻጽራ ኣብ ስራሕ ዘይውዕለሉ ከባቢ ዳርጋ የለን። እዚ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ብሰፊሑ ዝጥቀሙሉ ኣገባብ፡ ምስ ምስፍሕፋሕ መግዛእቲን ቴክኖሎጅን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ተቐባልነት ረኺቡ እዩ።
እስራኤል ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃባ ንምንታይ'ዩ ኣካታዒ ኰይኑ?
እስራኤል፡ ነታ ካብ ቅድሚ 30 ዓመታት ኣትሒዛ ካብ ሶማልያ ተፈልያ ንገዛእ ርእሳ ከም ሃገር ክትጽውዕ ዝጸንሐት ሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምስ ሃበታ፡ ካብ ብዙሓት ሃገራት ኵነኔ ኣስዒብላ ኣሎ። ሓንቲ ካብተን ድሒረን ንውሳነ እስራኤል ዝዀነና ሃገራት ቻይና'ያ። ቻይና ብመንገዲ ውሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣቢላ ንግዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ "ዝዀነት ሃገር ንስሱዕ ድሌታት ከተርዊ ክትብል ነቶም ካብ ሓንቲ ሃገር ክንጸሉ ዝደልዩ ከተተባብዕ ኣይግብኣን'ዩ" ኢላ።
ዘፍጥረት ኤኣይ፡ ክልቲአን ጸልውቲ እየን ሓንቲ ግን ኣይሰብን
እቲ ቀንዲ ሕቶ፡ ምስትውዓል ሰባት ምስቲ ብቕልጡፍ ዝምዕብልን ዝራቐቕን ዘሎ ቴክኖሎጂ ክኸይድ ይኽእል ድዩ ዝብል'ዩ ኢላ።"ናይ ሓሶት ሓበሬታ እናገደደ ክኸይድ ክንዕዘብ ኢና፣ ምትላል እውን ክገድድ ክንርኢ ኢና፣ በቃ...ዕንክሊል ዝዀነ ትሕዝቶ ክውስኽ ክንዕዘብ ኢና።"
ጆን ሲምፕሰን፡ 'ብዛዕባ 40 ውግኣት ጸብጺበ'የ፤ ከም 2025 ዝኣመሰለት ዓመት ግን ርእየ ኣይፈልጥን'
ዝሑል ኲናት ንጐኒ ገዲፍና፡ መብዛሕትኦም ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝሸፈንክዎም ግርጭታት ንኣሽቱ ጕዳያት እዮም ነይሮም፤ ጽዩፍን ሓደገኛን፡ ብርግጽ፡ ግን ከኣ ንሰላም መላእ ዓለም ኣብ ሓደጋ ዘእትው ከበድቲ ውግኣት ኣይነበሩን።
ኣብ ድሕሪ ካሜራ ስልክኹም ኣልበርት ኣይነስታይን ምህላዉ ትፈልጡዶ?
ኣልበርት ኣይንስታይን ኣብ 1905 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ካብ መንጎ ዘሐተሞም መፅናዕታዊ ፅሑፋት፡ ብዛዕባ ፎቶኤሌክትሪክ (photoelectric) ዝድህስስ ሓደ እዩ።ኣይንስታይን በዚ መፅናዕቱ ኣብ 1921 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ሽልማት ኖቤል ተጐናፂፉ እዩ።
ብስም ምውጻእ ሓገዝ፡ ኣብ ልዕሊ ሕሙማት መንሽሮ ዝዀኑ ቈልዑ ዝተፈጸመ ምትላል
ቢቢሲ ዘካየዶ መርመራ፡ ነቲ ገንዘብ ተቐቢሎምዎ ዘይፈልጡ ብኸቢድ ዝሓመሙ ህጻናት፡ ብሽሞም ዓቢ ገንዘብ ተኣኪቡ ክኸውን ከም ዝኽእል የርኢ።
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብኣልማዝ ዝሃብተመ መሬቶም ንምንታይ ክምለሰሎም ይደልዩ?
እቲ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝወሰደ ሕጋዊ ፍርዲ፡ ይረብሑ ኣለዉ ማለት ክኸውን ይኽእል፤ ግን ሕጂ'ዉን ድኻታት ከም ዝዀኑ ይረዛቡ።
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ግዝያዊት ፕረዚደንት ቬነዝዌላ ኣዛዚ ሓለዋ ማዱሮ ንዝነበረ ጀነራል ኣባሪራ
ንኣዛዚ ጀነራል ሓለዋ ማርካኖ ታባታ ንምትካእ ሓዳስ ግዝያዊት ፕረዚደንት እታ ሃገር ደልሲ ሮድሪገዝ ትእዛዝ ሂባ።
ናብ ሶማሊላንድ ዝበጽሐ እስራኤላዊ ሚኒስተር ቀልጢፉ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ
ቻይና፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ዝርከብኦም ሓለያ ሃገራትን ውድባትን፡ ሶማሊላንድ ኣካል ሶማልያ ብምዃና ከም ልኡላዊት ሃገር ምፍላጣ ኣብ ሶማልያን እቲ ዞባን ዘይምርግጋእን ኣሉታዊ ኣብነትን ከስዕብ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም ኣለዉ።
ኤርትራ፡ ጀነራላት ኢትዮጵያ ሰቒሎም ዘውረድዎ ካርታን ዝፈጠሮ ሓያል ቍጥዐን ግብረመልስን
ሌተና ጀነራል ሹማ ኣብዴታ ምስ ካልኦት ክልተ ጀነራላት ሒዞምዎ ዝተሳእሉ ካርታ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሓያል ቍጥዐ ዝፈጠረ ክኸውን እንከሎ፡ ምኒስተር የማነ ገብረመስልቀል ድማ ብመንገዲ ኤክስ ምላሽ ሂቡሉ።
ትራምፕ፡ ንሓዳስ መራሒት ቬንዝወላ ኣፈራሪሑ -'ህዝቢ ኣመሪካ ብደምን ዶላርን ዝኸፍሎ ዋጋ'
ዶናልድ ትራምፕ ንሓዳስ መራሒት ቬንዙወላ ደልሲ ሮድሪገዝ "ቅኑዕ እንተዘይገይራ" ንሳውን "ኣዝዩ ከቢድ ዋጋ - ምናልባት'ውን ካብ ናይ ማዱሮ ዝኸፍአ - ክትከፍል ከምትኽእል ምስ ዘ ኣትላንቲክ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ኣጠንቂቝ።
ኤርትራ፡ ተቓውሞን ሰፊሕ ማእሰርቲን ዘስዓበ ቅትለት መንእሰይ ቀራና-ዅዶ
ነዚ ጉዳይ ዝምልከት ንጹር ሓበሬታ ንምርካብ፡ ቢቢሲ ኣብ ወጻኢ ንዝቕመጡ ደቂ ዓዲን እቲ ከባቢን፡ ከምኡ'ውን ንተመሳሰልቲ ፍጻመታት ንምርዳእ ስሞም ክዕቀብ ዝሓተቱ ካብ ውሽጢ ዓዲን ኣዘራሪቡ፣ ከምኡ'ውን ንምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ተወኪሱ'ሎ።
ትግራይ፡ ብጉዳይ ጥምየት ተመዛበልቲ ንፌደራል ዝኸሰሰ ህወሓት ህጹጽ ጻውዒት ኣቕሪቡ
ብዙሓት ተፈናቐልቲ፡ እዚ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ትግራይ ስልጣን ሒዙ ዝመርሕ ዘሎ ብጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ንመነባብሮኦም ከመሓይሽ ይዅን ናብ መረበቶም ክመልሶም ብዘይምኽኣሉ ክነቕፉ ጸኒሖም'ዮም።
ስቕታ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ እስራኤልን ሶማሊላንድን እንታይ ይእምት?
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብቁጠባን ብዝሒ ህዝቢን ዝዓበየት ሃገር ዝኾነት ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ዞባ ዓበይቲ ምዕባለታት ወይ ቅልውላዋት ኣብ ዝፍጠርሉ መብዛትኡ እዋን ስቕታ እያ ክትመርጽ ትርአ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እስራኤል ነታ ናጽነታ ባዕላ ብምእዋጅ ርእሰ-ምምሕዳር መስሪታ ክከይድ ዝጸንሐት ሶማሊላንድ ከም "ናጻን ልኡላዊትን ሃገር" ኣፍልጦ ምስ ሃበት፡ ስቕታ ኣዲስ ኣበባ ኣቓልቦ ስሒቡ'ሎ። ስለምንታይ?
ብጉዳይ ሕፃፅ ዝንቀፉ መራሕቲ ትግራይን መግለፂ ፕረዚደንት ታደሰን
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ መንግስቲ ፈደራልን ክልላዊ ምምሕዳራትን ነቲ ብሰንኪ ኲናት ተፈናቒሉ ኣብ ሽግራት ዝወደቐ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምሕጋዝ ግቡኦም ክፍፅሙ ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ጽልዋ ሓደገኛ ዕጡቕ ጕጅለ ዳዕሽ፡ ዳግማይ ይሕይል ድዩ ዘሎ?
ዳዕሽ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ግብሪ ብምእካብ፡ ኣብ ትምህርቲ፡ ሃይማኖታዊ ፖሊስን ስርዓታት ክንክን ጥዕናን ንርእሱ ከም ሓደ መንግስቲ ገይሩ ብምቕራብ፡ ንሰፊሕ ከባቢታት ሶርያን ዒራቕን ይገዝእ ነይሩ።
ኣብ ኤርትራ በጺሓ ዝተመልሰት ሽወደናዊት ምኒስተር ብዛዕባ ዳዊት ይስሓቕ እንታይ ኢላ?
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ናብ ኤርትራ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካየደት ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ንዑደታ ብዝምልከት ንጋዜጠኛታት መብርሂ ሂባ። ማሪያ ማልመር ስተነርጋርድ ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ኣብ ዘካየደቶ ርክብ ብዛዕባ ዳዊት ይስሓቕ ዝርከቦም ጉዳያት ከም ዝተዘራረበት ሓቢራ።
ካይሮ፡ ግብጺ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዘለዋ 'ቀይሕ መስመራት' ኣነጺራ
እዚ ካይሮ ሓንጺጻቶ ዘላ ቀያሕቲ መስመራት፡ ንሱዳን ንምምቃል ወይ ንምፍንጫል ዝገበር ሓቐነታት ምዃኑ'ውን መግለጺ ፕረዚደንት ግብጺ ኣነጺሩ'ሎ። ትካላት መንግስቲ ሱዳን ክዕቀቡ ከምዘለዎም ዝጸውዐ ኣል-ሲሲ፡ እዞም መስመራት እዚኦም እንተ ተጣሒሶም ካይሮ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክትወስድ ከምእትኽእል ኣጠንቂቑ'ሎ።
ኣብ ውሽጢ 60 መዓልቲ ካብ ኣመሪካ ክወጽኡ ዝተነግሮም ኢትዮጵያውያን ዕጫኦም እንታይ እዩ?
ብምኽንያት ኲናት ትግራይ ብምምሕዳር ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንኢትዮጵያውያን ሓተትቲ ዕቝባ ዝተዋህበ ግዝያዊ ሕጋዊ ሓለዋ ስዒቡ፡ ግዝያዊ ሕጋዊ ሓለዋ ተዋሂብዎም ዝነበረ ኢትዮጵያውያን ካብ ኣመሪካ ክወጽኡ ድማ 60 መዓልታት ተዋሂብዎም።













![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/240/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)































![ካቪያ ሳምባሲቫም [ጸጋም] ህቡብ ጸላዊት እያ። ጂጂ [የማን] ህብብቲ ጸላዊት ግን ዘፍጥረተ ኤኣይ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/240/cpsprodpb/2f78/live/457a6da0-e2fd-11f0-b67b-690eb873de1b.jpg.webp)


































