ዒድ ኣል ኣድሓ፡ ንምንታይ’ዩ ኣብ እዋን ሃይማኖታዊ በዓላት እንስሳ ዝሕረዳ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
በዓል ዒድ ኣልኣድሓ - ወይ በዓል መስዋእቲ - ሎሚ ዓመት ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ዓለም ካብ ዓርቢ 6 ሰነ ይጅምር። እዚ ድማ ነብይ ኢብራሂም ወዱ እስማዒል ንምስዋእ ድልውነቱ ዘረጋገጸሉ ፍሉይ ፍጻመ ዝዝክር እዩ። ኢብራሂም ብክርስትናን ኣይሁድነትን ኣብርሃም ተባሂሉ ይፍለጥ።
ነብይ ኢብራሂም ካብ ኣላህ ንእምነቱ ዘለዎ ምእዙዝነት ንኸረጋግጽ ንወዱ እስማዒል ንመስዋእቲ ከቕርቦ ብሕልሚ ከምዝተነገሮ’ዩ ዝእመን።
ምስ ወዱ ምስ ተዘራረቡ ከኣ እስማዒል ወዱ፡ ነቲ ኣቦኡ ነቲ ዝተወሃቦ ትእዛዝ ከኽብሮ ከምዘለዎ ተማሕጸኖ፡ ንወዱ ክስውእ ኣብ ዝተዳለወሉ ግን ኣላህ መጺኡ ደው ኣበሎ’ሞ፡ ኣብ ክንዲ ንእስማዒል በጊዕ ከም ምስዋእቲ ክሓርዳ ከምዝነገሮን ከምዝቐረበሉን ኣብ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ተሰኒዱ ኣሎ።
ተኸተልቲ እምነት እስልምና ዝተፈላያ እንስሳታት ኣብዚ መዓልቲ እዚ ይሓርዱ፤ እቲ መስዋእቲ ምሕራድ ግድነት ኰይኑ፡ እቲ ልዕሊ ዓቐን ሃብቲ ዘለዎ ነተን ዝያዳ እቲ ዘድልያኦ ክሓርድ ግድን ይኸውን።
እዚ ኣብ እስላም ኰይኑ ኣብ ካልኦት ሃይማኖታትከ እቲ ምኽንያት እንታይ’ዩ፣ ኣብ ሂንዱዝም፡ ኣይሁድን ክርስትያንከ ከመይ ኢሉ ጀሚሩ?
ኣይሁድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ እምነት ኣብዚ መዳይ’ዚ ምስ ክርስትያንን ምስ ኣስላምን ብዙሕ ምምስሳል’ዩ ዘለዎ።
ኣብ ኮሌጅ ልኦ ቤክ ዓባይ ብሪጣንያ መምህር ዝኾነ ራባይ ግረይ፡ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ እቲ ዝግበር መስዋእቲ ምስ ግዜን ቦታን ተተሓሒዙ ተገሊጹ ከምዘሎ ይጠቅስ።
ራባይ ግረይ “ሕጂ እቲ መስዋእቲ ምኽፋል ከምቲ ቀደም የለን ምኽንያቱ እቲ መስዋእቲ ዝኽፈለሉ ዝነበረ ቦታታት’ውን የለን፣ ኣብ ክንድኡ ነቲ መስዋእቲ ብጸሎት’ዩ ዝሕለፍ፡” ኢሉ።
ዶክተር ብራድለይ ምክትል ፕረዚደንት ኣሜሪካውያን ኣይሁድ ኰይኑ “እቲ ካልኣይ ቤተ እመነት ኣይሁድ ኣብ እዋን ሮማውያን ምስ ዓነወ ንእንስሳታት ከም መስዋእቲ ምሕራድ ኣብ ኣይሁድ ፍቑድ ኣይኰነን፣ ብዙሓት’ውን ጠቕሊሉ ከምዝተኣገደ’ዩ ዝርድኦም። ካልኦት ከኣ ድሕሪ ምምጻእ ‘መሲሕ’ [መድሃኔ ኣለም] ዳግማይ ክጅመር ከምዝዀነ ይርድኦም” ይብል።
እቲ ቀደም ኣይሁድ እንስሳታት ንመስዋእቲ ዝሓርድሉ ዝነበሩ ቦታ ኣብታ ጥንታዊ ከተማ ዮሩሳሌም ዝርከብ እምባ ኰይኑ ሕጂ ኣብቲ ቦታ ‘ኣል ኣቕሳ’ ዝተሰመየ መስጊድ’ዩ ተሃኒጽዎ ዘሎ።
ኣይሁድ እቲ ቀደም ዝነበረ ቤተ እምነቶም ክምለስ’ዮም ዝጽልዩ። ሓደ መዓልቲ ተመሊሶም ክሃንጽዎ ምዃኖም ከኣ ዓቢ እምነት’ዩ ዘለዎም። ብድሕሪ እዚ ዳግማይ እቲ ናይ እንስሳ መስዋእቲ ክጅምርዎ ከምዝዀኑ ብዙሓት ይዛረቡ።
ዋላ ድኣ ብዙሓት ኣይሁዳውያን እቲ ጥንታዊ ቤተ እምነቶም ብምፍራሱ ንመስዋእቲ እንስሳ ኣይሕረዱ፡ ገለ ካብቶም ክፋል እዚ እምነት ዝዀኑ ሳምራውያን ግን ይሓርዱ’ዮም።
እተን ንመስዋእቲ ዝሕረዳ በጊዕ፡ ላም፡ ብዕራይ ወይ ጤል ክዀና ይኽእላ’የን።
እንተዀነ ኣብ ኣይሁድ ብቐጥታ ደኣ መስዋእቲ ኣይብሃል’ምበር፡ ኣብቲ ሕብረተስብ ስጋ ብብዝሒ’ዩ ዝሃልኽ።
ኣብ ኣይሁድ ኣብ ሰለስተ በዓላት’የን እንስሳ ከም መስዋእቲ ዝሕረደለን።ፐሳሕ፡ ሻቮትን ሱኮት ከኣ ይበሃላ።
ካብዚ ብተወሳኺ ሃሸናህ [ሓዲሽ ዓመት ኣይሁድን] ኪፖርን [መስዋእቲ እየሱስን] ዝበሃላ በዓላት’ውን እንስሳ ከምዝሕረደለን ይሕበር።
ክርስትያን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክርስትያንን ኣይሁድን ሓደ መሰረት ዘለዎ እምነት’ዩ፤ እቲ ኣይሁድ ዝስዕብዎ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብሉይ ኪዳን ዘሎ ዝመሳሰል’ዩ።
ዶክተር ፕሮሻቶ ረቢሮኢ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ካፍሩል ሰባኺ ኰይኑ “ኣብቲ ብሉይ ኪዳን እንስሳ ከመይ ንመስዋእቲ ከምዝቐርባ ብዝርዝር ተገሊጹ ኣሎ፡ ኣብ እዋን በዓል ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ወይ ናይ ምሽት ክሕረዳ ከምዘለወን ከኣ ይዝርዝር” ይብል።
እንስሳታት ንመስዋእቲ ክሕረዳ እንከለዋ ንሕድገትን ኣሉታዊ ስምዒታት ንምውጋድን ተባሂሉ ከምዝፍጸም ይጥቀስ።
እንተዀነ እንስሳ ከም መስዋእቲ ምቕራብ፡ ካብቲ እየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ድሕነት ሰዓብቱ ኢሉ መስዋእቲ ድሕሪ ምኽፋሉ እቲ ምሕራድ እንስሳታት ምስ ሃይማኖት ርክብ ከምዘይብሉ ዝገልጹ ብዙሓት’ዮም።
እንተዀነ ኣብ እምነት ክርስትና ስጋ ክብላዕ የብሉን ዝብል ስለዘየለ ስጋ ብብዝሒ’ዩ ዝሃልኽ።
ኣብ እምነት ክርስትና ከኣ ኣብ ሃይማኖታዊ በዓላት እንስሳ ምሕራድ ንቡር’ዩ፣ እንተዀነ ኣብ እምነት ክርስትና እንስሳ ከም መስዋእቲ እምነት ከምዘይውሰድ ፈላጣት ሃይማኖት ይጠቕሱ።
ሂንዱዝም
ዋላ ድኣ ኣብ ሂንዱዝም እንስሳ ከም መስዋእቲ ይቕረብዶ ኣብ ዝብል ክርክር እንተሃለወ፡ ብዙሓት ግን ንእንስሳ ከም መስዋእቲ ከቕርቡ ይርኣዩ’ዮም።
ንኣብነት ኣብ ገለ ክፋላት ህንድን ባንግላድሽን እንስሳ ኣብ ከም ዱርጋ፡ ፑጃን ካሊ ፑጃን ዝበሃል ሃይማኖታዊ በዓላት ከም መስዋእቲ ተሓሲበን ይሕረዳ’የን።
ዶክተር ኩሻል ባራን ቻርኮኢበት ኣብ ባንግላዲሽ ዩኒቨርስቲ ቺታጐንግ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ኰይኑ “ኣብ ከም ራማያና፡ ማሃበሃራታ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ጥንታውያን መጻሕፍቲ ህንዱ እንስሳ ከም መስዋእቲ ክቐርብ ከምዝኽእል ተጠቒሱ ኣሎ፡” ይብል።
ንሱ ብምስዓብ “ኣብ ህንዱዝም ካብ ዘለው ቅዱሳን መጻሕፍቲ ሪገቨዳ ሓደ ኰይኑ፡ ንእንስሳ ከም መስዋእቲ ዘቕረበ ካብ ባርነትን ማእሰርትን ሓራ ይወጽእ ዝብል ኣሎ” ይብል።
ኣብቲ እምነት ካብ 1500 ክሳብ 500 ቅድመ ልደተ ክርስቶት ዘበነ ቨዲክ ተባሂሉ’ዩ ዝግለጽ።
ኣብቲ እዋን እቶም ተኸተልቲ እቲ እምነት፡ ስጋ ከም መስዋእቲ ነቶም ዘምልኽዎም ኣማልኽቲ የቕርቡ’ሞ እቲ ስጋ ኣብ እዋን በዓል ተኣኪቡ ብሓባር ኰይኖም ይበልዕዎ።
እዚ ኣገባብ ክሳብ ሕጂ ብብዙሓት ይሰዓብ ከምዘሎ’ውን ዶክተር ኩሻል ባራን ቻርኮኢበት ይሕብር።
እንተዀነ ኣብዚ ዘመናዊ እዋን ብፍላይ ኣብ ህንዲ እዚ እንስሳ ከም መስዋእቲ ምቕራብ እናተረፈ ይኸይድ ከምዘሎ ዶክተር ሮሂኒ ዝተበሃለት ተመራማሪት ሃይማኖት ትጠቅስ።
ኣብ ህንዲ ብዙሓት ብወለንታኦም እንስሳ ከም መስዋእቲ ምቕራብ ይሓድግዎ ኣለዉ፤ ጐድኒ ጐድኒ’ውን ብዙሓት ተጣበቕቲ እንስሳ ንመስዋእቲ ተባሂሉ ብሽም ሃይማኖት እንስሳታት ምሕራድ ክግደፍ ከምዘለዎ ይጕስጉሱ’ዮም።
ስሪላንካን ኔፓልን ተኸተልቲ ሂንዱ እንስሳታት ንመስዋእቲ ከየቕርቡ ብወግዒ ከልኪለን’የን፤ ግን ምሉእ ብምሉእ ተቋሪጹ’ዩ ክበሃል ኣይከኣልን’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







