ትርጕም ሓወልቲ ኣምልኾ ሰይጣን እንታይ እዩ?

እቲ ባፎሜት ብዝብል ዝፍለጥ ሓወልቲ ተባዕታይን ኣንስታይን ጾታ ዘለዎ’ዩ

ምንጪ ስእሊ, AP

መግለጺ ስእሊ, እቲ ባፎሜት ብዝብል ዝፍለጥ ሓወልቲ ተባዕታይን ኣንስታይን ጾታ ዘለዎ’ዩ

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት፡ ሰዓብቲ ቤተ ጸሎት ሰይጣን ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ማዕረ ክርስትያናዊ ምልክታት ንኽረኣዩ ዝገበርዎም ንጥፈታት ኣብ ብዙሓት ከተማታት ኣመሪካ ኣርእስቲ ዜና ክዀኑ ጸኒሖም እዮም።

ሓደ ካብዚኦም ኣብ ዲትሮይት ኣብ 2015 ኣብ ቤተ ጸሎት ሰይጣን ኣብ ዝተኻየደ ምስጢራዊ ስነ-ስርዓት ዝተመረቐ ሓደ ሓወልቲ ብዙሕ ክትዕን ተቓውሞታትን ኣስዒቡ ምንባሩ ይዝከር።

እዚ ካብ ነሓስ ዝተሰርሐን ዳርጋ 9 ጫማ [2.7 ሜትሮ] ቍመት ዘለዎ ሓወልቲ ርእሲ-ጤል ኰይኑ ባፎሜት ብዝብል ይፍለጥ። ተባዕታይን ኣንስታይን ጾታ ይውክል፤ ኣብ ጐድኑ ድማ ክልተ ፍሽኽ ዝበሉ ህጻናት ይረኣዩ።

ሰይጣናዊ ኣምልኾ ብሓቂ ብሰይጣን ምእማን ዘጠቓልል ከምዘይኰነ መርበብ ሓበሬታ እታ ቤተ ጸሎት ይሕብር። ኣብ ክንድኡስ፡ ኣባላት እቲ ኣምልኾ፡ ሃይማኖት "ካብ ኣጉል እምነት ክፍለ" ከም ዘለዎ እዮም ዝኣምኑ። ሰይጣን ዝብል ስም ምቕባሎም "ነቲ ንቅዱስ ሕጊታት ኣብ ሕቶ ዘእቱን ንዅሉ ጃንዳዊ ምጽዓን ዝነጽግን መናፍቕ" ንምምልካት እዩ።

ኣብ 2013፡ ኦክላሆማ ኣብ ቀጽሪ ርእሰ ከተማ እታ ግዝኣት ሓወልቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ተተኺሉ። ነዚ ስዒቡ ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ቤተ ጸሎት ሰይጣን ሓወልቲ ባፎሜት ክትሰርሕ ጀሚራ።

እቲ ሓወልቲ፡ ኣብ ኦክላሆማ ኣብ ጥቓ ህንጻ ካፒቶል ፊት ንፊት ሓወልቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ክትከል እዩ ነይሩ እቲ መደብ።

ይዅን’ምበር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኦክላሆማ፡ ንብረት እቲ ግዝኣት ንዝዀነ ሃይማኖት ንምውካል ክውዕል ከምዘይብሉ ብምጥቃስ፡ ሓወልቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ክለዓል ድሕሪ ምውሳኑ እታ ቤተ ጸሎት መደባ ክትቅይር ተገዲዳ።

ህንጸት እቲ ሓወልቲ ኣብ 2015 ምስ ተዛዘመ፡ ኣብ ዲትሮይት ኣብ ዝተኻየደ "ኣብ ታሪኽ ዝዓበየ ህዝባዊ ሰይጣናዊ ስነ-ስርዓት" ተባሂሉ ኣብ ዝሕሰብ ስነ-ስርዓት ድማ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ኣመንቲ ሰይጣን ኣብ ዝተረኸብሉ ተመሪቑ።

ንምዃኑ እቲ 100 ሽሕ ዶላር ዝወድአ ሓወልቲ እንታይ ዝውክል እዩ? ባእታታቱ’ኸ እንታይ ትርጕም የመልክቱ?

ኣብ 2015 ዝተመረቐ ሓወልቲ ባፎሜት 100 ሽሕ ዶላር'ዩ ወዲኡ

ምንጪ ስእሊ, CHRIS SWITZER/FACEBOOK

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 2015 ዝተመረቐ ሓወልቲ ባፎሜት 100 ሽሕ ዶላር'ዩ ወዲኡ

ባፎሜት

ባፎሜት ዝብል ስም ኣብ ከባቢ 1100 እዩ ዝጅምር። ፈረንሳውያን ጸሓፍቲ ታሪኽ መስቀላዊ ዘመተ ከምዝገልጽዎ፡ ኣብቲ እዋን ባፎሜት ዝበሃል ኣረማዊ ጣኦት ከምዘምልኹ ዝተናዘዙ ‘ናይትስ ተምፕላር’ መርመራን ስቅያትን የጋጥሞም ነይሩ።

ናይትስ ተምፕላር፡ ኣብ ምዕራባዊ ክርስትና ካብ ዝነበሩ ሃብታማትን ህቡባትን ወተሃደራት ስርዓት ካቶሊካዊ እምነት ኰይኖም ኣብ መስቀላዊ ዘመተ ከምዝተሳተፉ ይግለጽ።

ገለ ሊቃውንቲ "ባፎሜት" ካብቲ "ማሆመት" ዝብል ናይ ነቢ መሓመድ ሽም ዝተወሰደ ከምዝዀነ ይኣምኑ።

እንተዀነ ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ዙርያ ናይትስ ተምፕላር ዝነበረ ምስጢርን ግምታትን እናዓበየ ምስ ከደ፡ ትርጕምን ምልክትን ናይቲ ቃል እውን እናሰፍሐ መጺኡ።

ንኣብነት ኣብታ ብዳን ብራውን ዝተሰርሐት ‘ዳ ቪንቺ ኮድ’ እትብል ታሪኻዊት ፍልይቲ ፊልም ከይተረፈ፡ ዝተራቐቐ ትርጕም እቲ ቃል ነቲ ዛንታ ዝደርኽ እዩ፤ ኣብታ ፊልም እቲኣ ባፎሜት ዝብል ቃል "ሶፍያ" ወይ ጥበብ ማለት ከምዝዀነ እዩ ትርጕም ተዋሂብዎ።

ምስሊ ባፎሜት

ባፎሜት

ምንጪ ስእሊ, OTHER

እቲ ዝያዳ ዝፍለጥ ዘመናዊ ምስሊ ባፎሜት ኣብ 1856 ብፈረንሳዊ ምሁር ኤሊፋስ ሌቪ ኣብታ ‘ትራንስሰንደንታል ማጂክ፡ ኢትስ ዶክትሪን ኤንድ ሪቹዋል’ እትብል መጽሓፉ ዝርከብ እዩ።

ኤሊፋስ ሌቪ፡ ባፎሜት ከም ኣብ ማእከል ቀርኑ ሽግ ከምኡ ድማ ኣብ ግንባሩ 'ፔንታግራም' ዘለዎ ክንፊ ሄርማፍሮዳይት እዩ ዘቕርቦ።

ኣብ ቅልጽሙ ብላቲን ዝተጸሓፉ ‘SOLVE’ (ፍሉይ) ከምኡ'ውን COAGULA (ብሓባር ምጽንባር) ዝብሉ ቃላት ዝሓዘ እዩ - ካብ ኣምላኽ ዝተመንዝዐ ሓይልታት "ምእሳርን ምፍታሕን" ድማ የመልክት።

እቲ ሓወልቲ ቤተ ጸሎት ሰይጣን ኣብቲ ዝሰኣሎ ስእሊ መሰረት ዝገበረ እዩ።

"ላዕልን ታሕትን፡ ተባዕታይን ኣንስተይን ከምኡ’ውን ብኸፊል እንስሳ፡ ብኸፊል ሰብ ዝኣመሰሉ ክልተኣዊ ተጻረርቲ ዝሓዘ እዩ" ይብል ወሃቢ ቃልን ተጣባቂ መሰላትን ቤተ ጸሎት ሰይጣን ዝዀነ ሉሴን ግሪቭስ።

"ተጻረርቲ ነገራት ዘንጸባርቕን ንጽጽር ዘኽብርን እዩ" ክብል ይውስኽ።

ሰላምታ ክልተ-ኣጻብዕቲ

ክልተ ኣጻብዕቲ የማናይ ኢዱ ንላዕሊ፡ ክልተ ኣጻብዕቲ ጸጋማይ ኢዱ ድማ ንታሕቲ የመልክታ፤ ናይዚ ትርጕም ድማ "ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ፡ ኣብ ታሕቲ’ውን ኣሎ" ማለት እዩ።

እዞም ቃላትን ነዚ ዘሰንይ ምልክትን ኣብ መንጐ ኣመንቲ ክንዮ-ባህርያዊ ክስተት ዝያዳ ዝፍለጡ ኰይኖም ካብ ጥንታዊ ስራሕቲ ጽሑፋት ሄርሜስ ትሪስመጊስቱስ ዝተበሃለ ጸሓፊ ዝተወስዱ እዮም።

"ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ፡ ኣብ ታሕቲ’ውን ኣሎ" ዝብል ሓረግ ምስ ሳይንስ፡ ኣድማስን ኣምላኽን ብዝተኣሳሰር'ውን ዝጥቀመሉ ኣለዉ። ሌዊ ግን፡ እቲ ምልክት ምጥቃሙ፡ ንሱ ዝሰኣሎ ባፎሜት "ኣብ መንጐ ምሕረትን ፍትሒን ዘሎ ፍጹም ስኒት ዝገልጽ" ከምዝዀነ ይጠቅስ።

ክልተ ንኣሽቱ ህጻናት

ሓወልቲ

ምንጪ ስእሊ, MATT ANDERSON

ሓወልቲ ባፎሜት ክልተ ህጻናት - ወዲን ጓልን - የጠቓልል።

"ህጻናት ነዚ ከም ጽቡቕ ስነ-ጥበባዊ ስራሕ ክርእይዎ ተስፋ ንገብር - ዘፍርሕ ነገር የለን። እቶም ቈልዑ ነዚ ዘመልክቱ'ዮም" ይብል እቲ ወሃቢ ቃል።

"ገጽ እቲ ጤል ዘይሽሕራዊ መልክዕ ኣለዎ። ካብ ባህላዊ ኣተሓሳስባ ወጺእኩም እንተርኢኽምዎ፡ ከምቲ ሰባት ዝሓስብዎ ኣጋንንታዊ፡ ጨካን ወይ ጭራቕ ኣይኰነን።"

ብሓቂ ግን ቈልዑ ንሰይጣን ክፈርሕዎ ዝገብሮም ነገር የለን ድዩ?

"ብሓቂ ኣቐዲሞም ብፕሮፖጋንዳ ከይተመልኡ ናብቲ ሓወልቲ ዝቐርቡ ህጻናት ዘፍርሕ ነገር ዝረኽቡ ኣይመስለንን" ይብል ግሪቭስ።

"ንሕና ግን ህጻናት ብፍሉይ ሓሳባት ከይስበኹ ኢና ንብል። ኣብ መብዛሕትኡ ኵነታት ህጻናት ተገዲዶም እዮም ሓደ ሃይማኖት ዝቕበሉ። እዚ ብርግጽ ክንገብሮ ዘይንግደሰሉ ነገር'ዩ።"

ካዱስየስ

ኣብ ከብዲ ባፎሜት፡ ኣብ ጽውጽዋይ ግሪኽን ሮማን ከም ምልክት ሄርሜስ ወይ ሜርኩሪ ዝርአ ካዱስዮስ ይርከብ። እዚ ምልክት ኣብ ዙርያ ሓደ በትሪ ዝተጠምጠሙ ክልተ ኣትማን የጠቓልል።

ምልክት ካዱስየስ ንግዲ፡ ድርድርን ምትሕግጋዝን ዝውክል ኰይኑ፡ ሌዊ ኣብ ምስሊ ባፎሜት ዝሓወሶ እዩ።

"ንዓና፡ ዕርቂ ናይቶም ተጻረርቲ ዘመልክት እዩ - ንኣብነት ኣብ ኣንጻር ክርስትያናዊ ሓወልቲ ሰይጣናዊ ሓወልቲ ምህላው" ይብል ግሪቭስ።

"እዚ ብኣንጻር ዓሰርተ ትእዛዛት ክቕመጥ እንከሎ ሓያል መልእኽቲ ዘሕልፍ'ዩ ኢልና ንኣምን - እዚ ክልተኣዊነትን ፍልልይን ብዘይ ገለ ጐንጺ ክህሉ ይኽእል'ዩ።"

ኣጥባት

ሌቪ ዝሰኣሎ ባፎሜት ሄርማፍሮዳይት ወይ ጥምረት ክልቲኡ ጾታ እዩ፤ ስለዝዀነ ድማ ኣጥባት ኣለዎ። "ግን ነቶም ኣጥባት ኣሊናዮም ኢና" ክብል ግሪቭስ ይገልጽ።

ወሲኹ እታ ቤተ ጸሎት እቲ ኣጥባት ካብቲ ዝያዳ ኣገዳሲ መልእኽትታት እቲ ሓወልቲ ከዘናግዕ ይኽእል እዩ ብትብሎ ጾታ ዝምልከት ክትዕ ክትጽመድ ድሌት ከምዘይብላ የስምር።

ኣብ ክንድኡ፡ እቶም ክልተ ወድን ጓልን ህጻናት ነቲ ኣብ ሌዊ ኣብ ምስሊ ባፎሜት ዘካተቶ "ተባዕታይን ኣንስታይን ክልተኣውነት" ዘንጸባርቑ እዮም ይብል።

ፔንታግራም

ዝተገልበጠ ፔንታግራም ዘለዎ ቀደም ዝተቐረጸ ሓወልቲን ዝፋንን

ምንጪ ስእሊ, SATANIC TEMPLE

መግለጺ ስእሊ, ዝተገልበጠ ፔንታግራም ዘለዎ ቀደም ዝተቐረጸ ሓወልቲን ዝፋንን

ኣብ ግንባር ባፎሜትን ብድሕሪኡ ኣብ ዝርከብ ዝፋንን ዝርአ ፔንታግራም ብሰፊሑ ዝፍለጥ ሰይጣናዊ ምልክት እዩ፤ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ተገልቢጡ ይረአ።

መስቀል ቅዱስ ጴጥሮስ እውን መብዛሕትኡ ግዜ ዝተገልበጠ እዩ - ኣብ እዋን ስነ-ስርዓት ምርቓ ቤተ ጸሎት ሰይጣን እውን ተገልቢጡ ነይሩ።

"እዚ ምግልባጥ ናይ ሰይጣን ኣረኣእያ እዩ። ሰባት ባህላዊ መሰረቶም ዳግማይ ክሓስቡ፡ መርትዖታት ክጥምቱን ክብርታቶም ዳግማይ ክሓስቡን ይጠልብ" ይብል ግሪቭስ።

"ትካላዊ ሃይማኖት ከም መጋባእያታት ሞራላዊ ትኽክለኛነት ምሓዝ ናይ ሓደ ወገን ራእይ ጥራይ እዩ።"

ግሪቭስ ከምዝብሎ፡ እዚ ሓደ ወገን ኣረኣእያ ከም መርዓ ሕደጾታውያንን መሰል ምፍራይን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ጌጋ ክዀኑ ይኽእሉ ድዮም ኢልና ከይንሓትት ዝኣግት እዩ።

"ሓቂ እዩ ነቶም ጠንቅታት ንምቐባል ምስ ሰይጣን ክትሓብር የብልካን። ምስሊ ሰይጣን ግን ንዓና ይድመጸልና’ዩ።"

መስቀል

ምንጪ ስእሊ, MATT ANDERSON/FACEBOOK

ሽግ

ኣብ መንጐ ቀርኒ እቲ ሓወልቲ ዝርአ ሽግ ኣሎ።

"ማእከል እቲ ቀርኒ እቲ ሽግ ፍልጠት 'ዩ - ፍልጠት ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ የመልክት። ነዚ ልዑል ዋጋ ኢና ንህቦ - ብሓቂ ብሓፈሻ ኣብ እምነትና ማእከላይ'ዩ" ይብል ግሪቭስ።

ከምቲ ሌዊ ዝጸሓፎ "ኣብ መንጐ ቀርኑ ዝበርህ ሃልሃልታ ብልሒ ናይቲ ኣድማሳዊ ሚዛን ስሕበት ብርሃን እዩ፣ ምስሊ ነፍሲ ከምቲ ሃልሃልታ ካብ ንጥረ ነገር ልዕል ዝበለት እያ፣ ምስ ንጥረ ነገር ተኣሲሩ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ይበርህ።"

ቅርጸ-ጽሑፋት

ኣብ ቅድሚት ናይቲ ሓወልቲ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተገልበጠ ፔንታግራም፡ ሓደ ካብቶም ሸውዓተ መሰረታዊ ስርዓታት ሰይጣናዊ ቤተ ጸሎት ኣሎ፡ "መንፈስ ርህራሀ፡ ጥበብን ፍትሕን ኵሉ ግዜ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተጻሕፈ ወይ ዝተዛረበ ቃል ክስዕር ኣለዎ" ይብል።

ኣብ ድሕሪት ናይቲ ጽላት፡ ቃየል ካብ ዝብል ድራማዊ ስራሕ ሎርድ ባይሮን ዝተወሰደ ጽሑፍ ይርከብ። እዚ ጽሑፍ "እሞ እቲ ጋኔን መን እዩ ነይሩ? እቲ ክትነብሩ ዘይፈቐደልኩም፡ ወይስ እቲ ብሓጎስን ሓይልን ፍልጠት ንዘልኣለም ክትነብሩ ዝገብረኩም?" ይብል።

ኣምልኾ ሰይጣን እንታይ እዩ?

ኣምልኾ ሰይጣን

ምንጪ ስእሊ, MATT ANDERSON/SATANIC TEMPLE

እቲ ጕጅለ ንነብሱ "ሰይጣናውያን፡ ዓለማውያንን ንውልቃዊ ነጻነት ዝጣበቑን" ክብል ይገልጽ።

"ሰይጣናዊ ምስሊ ከም ምልክት ተፈጥሮኣዊ ባህርይ ወዲ ሰብ ንቕበሎ፤ ኣብ ክንዲ ልዕለ ባህርያዊ ኣምላኽ ነቲ ርትዓዊ ሕቶ ዘቕርብን ውልቃዊ ነጻነት ዝጠልብን ዘልኣለማዊ ዓመጽ ዝውክል ጌርና ንርእዮ" ይብሉ።

"ካብ ርትዓዊ፡ ሰይጣናዊ ርድኢት ረብሓ ኣብዘለዎም ጉዳያት ብንጥፈት ሓገዝ ንህብን ኣብ ህዝባዊ ጉዳያት ንሳተፍን ኢና።"