ሃገራት ኣፍሪቃ ድሕሪ ምንስሓብ ፈረንሳ ዝፈጥራኦ ዘለዋ ሓድሽ ልፍንቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፈረንሳ ካብ 2022 ጀሚራ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሃገራት ሳሕለ-ሳህራ ዝነበራ ወተሃደራዊ ህላወን ጽልዋን ኣዝዩ ጐዲሉ ኣሎ።
ኣብቲ ዞባ ኣብ ሃገራት ፍራንኮፎን ዝዀናን ዘይኰናን ጽልኢ ፈረንሳ ብርኡይ ክውስኽ ስለዝጀመረ፡ ብዙሓት ኤምባሲታት ፈረንሳ ክዕጸዋ ተገዲደን'የን።
ነዚ ከም ሃጓፍ ርእየን ከም ሃገራት ሩስያ፡ ቻይናን ቱርክን ንቦታ ፈረንሳ ንምትካእ ክጓየያ ጀሚረን።
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑወል ማክሮን ከይተረፈ ነዚ ስለዘስተብሃለሉ፡ ቃናኡ ብምቕያር ብኣፍሪቃውያን ዝምራሕ ኣብ ምክብባር ዝተሞርኮሰ ርክባት ክምስርት ከምዝደሊ ክዛረብ ተሰሚዑ።
ሰራዊት ፈረንሳ ካብ ስርሒታት ኣንጻር ግብረሽበራውያን ክሳብ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዓቀብቲ ሰላም ብምዃንን ኣብቲ ዞባ ዘይንዓቕ ግደ'ዩ ነይርዎም።
ካብ 2022፡ ፈረንሳ ብዘይፍታዋ ካብቲ ዞባ ህላወኣ ከተጕድል ክትግደድ ጀሚራ።
ቢቢሲ ሞኒተሪን፡ ነቶም ፈረንሳ ጽልዋኣን ወተሃደራዊ ህላወኣን ኣብቲ ዞባ ከተጕድል ዘገደዱ ቀንዲ ረቋሕትን ነተን ነዚ ከም ረብሓ ተጠቒመን እግረን ኣብ ኣፍሪቃ ከንብራ ዝደልያ ዘለዋ ጸለውቲ ሃገራትን ዳህሲስዎ ኣሎ።
ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ 1960ታት ናጽነተን ምስ ተጐናጸፋ፡ ፈረንሳ ብፍላይ ኣብተን ትገዝአን ዝነበረት ሃገራት ወተሃደራዊ መዓስከራት ብምትካል ኣሽሓት ወተሃደራት ከተዋፍር ክኢላ'ያ።
እቲ ቍጽሪ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ኣብ ዝነበረሉ ህላወ ሰራዊት ፈረንሳ ኣብ ኣፍሪቃ ኣስታት 10 ሽሕ በጺሑ ነይሩ።
ሰራዊት ፈረንሳ ብፍላይ ስርሒት ባርካህነ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን ኣዝዩ በዚሑ ነይሩ።
ስርሒት ባርካህነ ኣብ 2013 ኣብ ማሊ ዝተኻየደ ስርሒት ኣንጻር ሕሉፋት ግብሽበራውያን ኰይኑ ካብ ማሊ ሓሊፉ ክሳብ ጫድ፡ ኒጀርን ቡርኪናፋሶን ዝዝርጋሕ ስርሒት'ዩ ነይሩ።
ፈረንሳ ነቲ ወፍሪ ቃልሲ ኣንጻር ጅሃዳውያንን ፖለቲካዊ ምርግጋእ ንምምጻእን ኢላ'ያ ትጽውዖ።
ፈረንሳ ኣብ ሃገራት ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ጫድን ኮትዲቭዋርን እትገብሮ ስርሒታት፡ 'ስርሒት ምርግጋእ' ኢላ'ያ ትጽውዖ።
እንተዀነ ብዙሓት ሃገራት ፍራንኮፎን ህላወ ሰራዊት ፈረንሳ ኣብ ሃገራተን ምቕጻሉን፡ ፈረንሳ ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ኵነታተን ከተኽውስ ስለዝተዓዘባ ብጽቡቕ ዓይኒ ከርእያኣ ኣይከኣላን።
ወተሃደራዊ ስርሒታት
ኣብ መፋርቕ 2010 ኣብ ማሊ፡ ኒጀርን ቡርኪናፋሶን ኣንጻር ዕጡቓት ዝግበር ዝነበረ ወተሃደራዊ ስርሒታት እናሓየለ ስለዝመጽአ፡ ፈረንሳ እትገብሮ ዝነበረት ወጻኢታት ልዕሊ ዓቕማ እናዀነ መጺኡ።እቶም ዕጡቓት'ውን ጽልዋኦም እናሰፍሐ ከይዱ።
ከም ውጽኢቱ ኣብተን ሃገራት ሞት ሰለማውያን ሰባት ኣዝዩ ወሲኹ፡ ወተሃደራዊ ዕልዋታት'ውን ነቲ ፈረንሳ ይዘርኦ ኣለኹ እትብሎ ዲሞክራሲ ክብሕጕጐ ጀሚሩ።
ፈረንሳ ኣብ ማሊ ኣብ 2013 ወተሃደራዊ ምትእትታው ጀሚራ፣ እዚ ክትገብር እንከላ ከኣ ዓለምለኻዊ ደገፋት ኣይተጋደፋን።
ምስ ግዜ ግን ነባሪ ዝዀነ ርግኣት ከተስፍን ኣይከኣለትን።
ኣብ 2022 እቶም ንፕረዚደንት ኢብራሂም ባቡካር ብዕልዋ ዝኣለዩ ወተሃደራት፡ ሰራዊት ፈረንሳ ካብ ሃገሮም ክወጽእ ጠሊቦም።
እዚ ከኣ ንፈረንሳ ዓቢ ጽፍዒት'ዩ ነይሩ።
ቡርኪናፋሶ'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ጥሪ 2023 ተመሳሳሊ ጠለብ ኣቕሪባ - ሰራዊት ፈረንሳ ካብ ሃገራ ክወጽእ።
እቲ ጠለብ ናብ ካልኦት ሃገራት'ውን ብምልሓም፡ ኒጀር ኣብ ሓምለ 2023 ንሰራዊት ፈረንሳ ካብ ሃገራት ክወጽእ ኣዚዛ።
ጫድ'ውን ኣብ ሕዳር 2024 ተመሳሳሊ ጻውዒት ኣቕሪባ።
ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ፈረንሳ ኣብ ሰኔጋልን ኮትዲቭዋርን ዝነበራ ወተሃደራዊ መዓስከራት ክትዓጽዎ ተገዲዳ።
ብፍላይ፡ ጫድ ቀንዲ ማእከል ወተሃደራዊ ስርሒት ባርካህነ ስለዝነበረት ጸላዊ'ዩ ነይሩ።
ምስሓብ ሰራዊት ፈረንሳ ካብዘን ሃገራት በይኑ ተነጺሉ ዝረአ ምዕባለ ኣይኰነን፣ ዝሰፍሐ ዞባዊ ነዝነዝታ ዘንጸባርቕ'ዩ ነይሩ።
ሃገራት ኣፍሪቃ ብፍላይ እተን ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ መሪሕነት ዝርከባ ሃገራት ልኡላውነተን ከረጋግጻን ነቲ "ኣቦኣዊ" ዝመስል ኣቃውማ ፈረንሳ ክነጽጋኦ'የን ፈቲነን።
ኣብ ፈረንሳ እውን ርእይቶ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተናውሐን ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትትን ተልእኾ ሳሕል ርጠብ ኣይነበረን፣ ብዙሕ ተቓውሞታት'ዩ ዝገጥሞ ነይሩ።
እቲ ፋይናንሳዊ ጾርን እናወሰኸ ዝኸይድ ዝነበረ ክሳራን፡ ምስ ዘየዕግብ ውጽኢት ተደሚሩ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንዝግበር ወተሃደራዊ ጽምዶታት ዝነበረ ውሽጣዊ ደገፍ ኣጕዲልዎ።
ብደረጃ ዓለም ካብ ቀንዲ ፈተውቲ ፈረንሳ ከይተረፈ፡ ብዛዕባ እቲ ፈረንሳ ዝወሰደቶ ስጕምቲ ምጥርጣራት ነይሩ'ዩ።
ፈረንሳ፡ ንነብሳ ከም ቀንዲ ቀላሲት ቃልሲ ጸረ-ሽበራ'ያ ትሓስባ።
ሕብረት ኤውሮጳ ግን እቲ ጸረ ግብረሽበራዊ ቃልሲ ዝያዳ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመርሕኦ ንክኸውን'ዩ ዝደፍኣሉ ነይሩ።
ዲፕሎማስያዊ ምንስሓብ
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዓበይትን ጸለውትን ሃገራት ዓለም እግረን ኣብ ኣፍሪቃ ንምንባር ካብ ምቁማት ዓዲ ኣይወዓላን።
ሩስያ ጸጥታ ንውሓስ፡ ቻይና ቍጠባዊ መርበብ ንምዝርጋሕ፡ ቱርኪ ዲፕሎማስያዊ፡ ወተሃደራውን ባህላውን ጽልዋታት ንምሕዳር፡ ናብተን ድሕሪ ምንስሓብ ፈረንሳ ሃጓፍ ዘለወን መሲለን ዝተራእያ ሃገራት ሳሕለ-ሳህራ ከቋምታ ጀሚረን።
ዲፕሎማስያዊ ምንስሓብ ፈረንሳ ነጸብራቕ ናይቲ ምንስሓብ ሰራዊታ ገይረካ'ዩ ዝውሰድ።
ኣብ ከም ሃገራት ማሊ፡ ኒጀርን ቡርኪናፋሶን እቶም ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ዝሓዙ ጕጅለታት ክንዮ ወተሃደራዊ ህላዋ ፈረንሳ ኣብ ሃገራቶም ንሚድያታት ፈረንሳ ከይተረፈ'ዮም ኣጊዶመን።
ባህላዊ ምትእስሳርን ዲፕሎማስያዊ ርክባትን'ውን ኣደስኪለሞ።
ንምክልኻልን ንምዕባለን ዝምልከት ምስ ፈረንሳ ንነዊሕ ዓመት ዝቕጽል ስምምዓት'ውን ደው ኣቢሎሞ።
ኤምባሲ ፈረንሳ ኣብ ኒጀር ድሕሪ ክንደይ ክርክር ኣብ ታሕሳስ 2023 ምሉእ ብምሉእ ተዓጽዩ።
ኣብ ሚያዝያ 2023'ውን ብሰንኪ እቲ ኣብ ሱዳን ዝተባርዐ ኲናት ሓድሕድ ፈረንሳ ኣብታ ሃገር ዝነበራ ኢምባሲ ዓጽያቶ።
እንተስ ብዋሕዲ ባጀት እንተስ ብስትራተጂያዊ ለውጥታት ኣብ ሃገራት ማላዊ፡ ሴራልዮንን ካልኦትን'ውን ፈረንሳ ኢምባሲታት ኣብ ምዕጻው ወይ ዓቕሚ ኣባላት ኤምባሲ ኣብ ምንካይ ኣትያ።
እዚ ምዕጻው ኤምባሲታት ፈረንሳ ንሃገራት ኣፍሪቃ ብኸመይ ከምእትርየንን፣ ሃገራት ኣፍሪቃ እንታይ ዓይነት ግብረመልሲ ይህባ ከምዘለዋን ዘርኢ መሰረታዊ ነጸብራቕ'ዩ።
እዚ ለውጢ ግን ኣብተን ሃገራት ፍራንኮፍን ጥራይ ኣይተሓጸረን።
ፈረንሳ ጽልዋኣ ምንቍልቋሉን ሃገራት ኣፍሪቃ ንምሉእ ልኡላውነተን ድምጺ እናበርተዐ ስለዝኸደን ፈረንሳ ኣብተን ፍራንኮፎን ዘይኰና ሃገራት'ውን ዲፕሎማሲኣ ከተደልድል ኣየኽኣላን፣ እቲ ዝነበራ ዲፕሎማስያዊ ርክባት'ውን ክልሕልሕ ጀሚሩ።
መንእሰያት ኣፍሪቃ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ንፓን ኣፍሪካኒዝም ብምጽዋዕ ኣንጻር ፈረንሳ ዘለዎም መርገጺ ከስምዑ ተራእዮም።
መምለሲ ዘይብሉ ምንድልሃጽ ፈረንሳ ካልኦት ሓደሽቲ ሓይልታት ኣብቲ ዞባ ኢዶም ንኸንብሩ'ዩ ዕድል ፈጢሩሎም።
ጕጅለ ዕጡቓት ዋግነር ናይ ሩስያ ኣብ ማሊ፡ ኒጀር፡ ቡርኪና ፋሶን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ቀንዲ ቀለስቲ ሓይልታት ኰይኖም ተቐልቂሎም።
እተን ሃገራት ከኣ ነቲ ጕጅለ ባህርያዊ ጸጋታተንን ሚድያታተን ከፈታሉ፣ በዚ ከአ ሩስያ ኣብቲ ዞባ ተሰማዒትን ጸላዊትን ሃገር ኮያና ተቐልቀለት።
እታ ኣብ ሶማልያ ድልዱል ወተሃደራዊ ህላወ ዘለዋ ቱርኪ ብወገና ኣብ ሃገራት ሳሕለ-ሳህራ ወተሃደራዊ ህላወ ዘይበሉ ጽልዋታት ንምሕዳር ላዕልን ታሕትን ክትብል ጀመረት።
ቱርኪ ነተን ሃገራት ኣብ ትሕተ ቅርጺ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ልምምዳት፡ ባህልን ዲፕሎማስን ክትተሓባበረን ከምእትኽል ብምግላጽ'ያ ማዕጾአን ክትኵሕኩሕ ተራእያ።
ብዘይካ'ዚ ቱርኪ ንሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ካልኦትን ወተሃደራውያን ድሮናት ከተቕርበለን ተራእያ'ያ።
ቻይና'ውን ብመንገዲ ተበግሶ 'ቤልት ኤንድ ሮድ ኢንሸቲቭ' ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ቍጠባዊ ምትእስሳር ንምድልዳል ነቲ ዕድል ተጠቐመትሉ።
ዋላ ድኣ ቻይና ኣብዘን ሃገራት ወተሃደራዊ ህላወ ክትፈጥር ድላይ ኣይሃልዋ፡ በቲ እተቕርቦ ቍጠባዊ መደባት ብብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ እታ ተመራጺት መሻርኽቲ ኰይና ክትረአ ኣኽኢልዋ'ዩ።
ፈረንሳ ብዙሕ ነገራት ኣብ ሓጺር ዓመታት ከምዝኸሰረት ስለዝተረድኣ ቃናኣ ቀይራ ዳግማይ ክትምለሰሉ እትኽእል ዕድላት ኣብ ምንዳይ ህርድግ ክትብል ተራእያ።
ፕረዚደንት ኢማኑወል ማክሮን ሃገሩ ኣብ ምክብባርን ብኣፍሪቃውያን ዝምራሕን ጽምዶ ክትኣቱ ከምእትደሊ ብዕሊ ገሊጹ።
እንተዀነ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን መራሕቲ ነታ ካብ ልቦም ዝፈሓቝዋ ፈረንሳ ዳግማይ ክትምለሶም ዝፈቕዱ ኣይመስሉን።
ብዙሓት ሃገራት ፍራንኮፎን ብፈረንሳ ምስትንዓቕ ከምዘጋጠመን'የን ዝገልጻ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ እዋን ማክሮን።
ፈረንሳ ኣብ ውሑዳት ዓመታት ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ሓንቲ ጸላዊት ሓይሊ፡ ናብ ሓንቲ ማዕጾ ክኸፈተላ ኣብ ኣፍደገ ኰይና እትጽበ ተቐየራ።
ሩስያ፡ ቻይናን ቱርክን ኣብ ጣውላአን ቅድመ ኵነት ዘይብሉ ንሃገራት ኣፍሪቃ ዝተፈላለየ ሕርያታት ሒዘን ስለዝመጻ፡ ልዕሊ ፈረንሳ ተመረጽቲ ኰይነን ኣለዋ።
እቲ ዘሕዝን ግን እዚ ብዝሒ ኣማራጺታት'ዚ፡ ምልካውያን ስርዓታት ኣፍሪቃ ንዲሞክራስያዊ ሕጊታትን ተሓታትነትን ሸለል ብምባል ካብ ጸለውቲ ሃገራት ዓለም ደገፍ ክረኽቡ የኽእሎም ብምህላዉ እዩ።
እዚ ከኣ ንህዘቢ ዳርጋ ወጮ እንተገልበጥካዮ ወጮ'ዩ ዝኸውን ዘሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







