ፈረንሳን ኣልጀርያን እንታይ እዩ ዘተፋንነን ዘሎ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ዝምድናታት ኣልጀርያን ፈረንሳን፡ ኣብ ድሕረ ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ንዓነታት ኣዝዩ ጽቡቕ ዝበሃል ከምዝነበረ እዩ ዝንገር።
እንተዀነ፡ ሕጂ ናብ ወጥሪ ካብ ዝኣቱ ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ኣሎ።
ተዓዘብቲ፡ ኣልጀርያ ኣብ 1962 ካብ ፈረንሳ ናጽነታ ካብ እትረክብ ንደሓር፡ እዚ ቅልውላው ተራእዩ ዘይፈልጥ ምዃኑ ይገልጹ።
ፈረንሳ፡ ኣብ ፓሪስ ዝነብር ነቓፊ መንግስቲ ኣልጀርያ ብምጭዋይ ዝጠርጠረቶ ሓደ ካብ ኣባላት ቆንስል ኣልጀርያ ድሕሪ ምእሳራ እዩ እቲ ወጥሪ እናገደደ መጺኡ።
ኣልጀርያ ድማ ከም ግብረ-መልሲ 12 ሰበስልጣን ፈረንሳ ኣባሪራ።
ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ነቲ ስጕምቲ "ዘይምኽኑይን ዘይርዱእን" ክብል ኰኒኑዎ ኣሎ።
ፈረንሳ ድማ፡ ኣብ ኣልጀርያ ዝመደብሩ ኣምባሳደራ ስሒባ፣ 12 ኣልጀርያውያን ዲፕሎማሰኛታት ከኣ ካብ ፓሪስ ክወጹ ኣዚዛ። እዚ ድማ ጥርዚ ናይቲ ደፕሎማስያዊ ወጥሪ ክልቲአን ሃገራት እዩ።
ኣብዚ እዋን ክልቲአን ሃገራት ወጥሪ ብምጉህሃር ንሓድሕደን ይወቓቐሳ ኣለዋ።
ፓሪስ፡ ነቲ "ሃንደበታዊ ምብታኽ ክልተኣዊ ዝምድናታትና" ኢላ ዝገለጸቶ ጉዳይ ንኣልጀርያ ተሓታቲት ትገብር፤ አልጀርያ ድማ ብወገና ንፈረንሳይ ትኸስስ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ምስ ፕረዚደንት ኣልጀርያ ዓብደልማጅድ ተቡነ ኣብ ኣልጀርስ ድሕሪ ምዝርራቡ፡ እቲ ወጥሪ ይዝሕል ዶዀን ዝብል ተስፋታት ፈጢሩ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ኣብ ባይታ ግን እቲ ተስፋ ዝተነብረሉ ኵነታት ኣይተፈጥረን።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ዣን ኖኤል ባሮት፡ "ሰበስልጣን ኣልጀርያ ወጥሪ መሪጾም" ክብል ብቑጥዐ ተዛሪቡ።
ምኒስተር ኣልጀርያ ሶፍያን ቻይብ ግን፡ እቲ ዳሕረዋይ "ዝተፈብረኸ" ዝበሎ ክሲ ምጉህሃር ክብል ገሊጽዎ።
ንሱ፡ ኣብቲ እዋን'ቲ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት፡ 'ኣብ ምምሕያሸ' ከምዝነበረ ገሊጹ።
እንታይ እዩ ኣራኺቡወን?
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ማክሮን፡ ፈረንሳ ነቲ ከም ግዝኣት ሞሮኮ ዝውሰድ 'ምዕራባዊ ሰሃራ' ኣፍልጦ ከም እትህብ ምስ ኣወጀት እዩ እቲ ርክብ ክሕርፍፍ ጀሚሩ።
እቲ ወጥሪ፡ ነቲ ኣብቲ ዞባ ዘካትዕ ግዝኣት ውሱን መሰል ርእሰ-ምሕደራ ንምሃብ ዝዓለመ ውጥን ካብ እተስምዕ ጀሚሩ እዩ በብቕሩብ ክኸርር ጸኒሑ።
ኣልጀርያ ኣብ ምዕራብ ሰሃራ ንዝርከብ ንናጽነት ዝቃለስ ግንባር ፖሊሳርዮ ትድግፍ፣ ከም ቀንዲ መሻርኽቲ ድማ ትረአ።
እንተዀነ እቲ ኣፍልጦ ምሃብ፡ ማእሰርትን ቀይድን ኣስዒቡ።
ፈረንሳዊ-ኣልጀርያዊ ጸሓፊ ቡኣለም ሳንሳል ኣብ ሕዳር ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣልጀርስ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ፤ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ፡ ንሓሙሽተ ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ።
ኣኽበርቲ ሕጊ፡ እቲ ደራሲ ዶባት [ልኡላውነት] ኣልጀርያ ኣብ ሕቶ ዘእቱ ዘረባታት ብምዝራቡ፡ ሃገራዊ ድሕነት ከም ዝጐድአ እዮም ዝኸሱ።
ብድሕሪ'ዚ፡ ፈረንሳይ "ሓደገኛታት" ኢላ ዝበየነቶም ኣስታት 60 ኣልጀርያውያን ዜጋታት ምስ ጠረዘት፡ ሃገሮም ክትቅበሎም ፍቓደኛ ኣይኰነትን፣ እቲ ፍሕፍሕ ተጋዲዱ።
ነዚ ኣመልኪቱ ምኒስተር ውሽታዊ ጉዳያት ፈረንሳ፡ "ኣልጀርያ ነቲ ሕግን ግዴታታትን እንተተኽብር ነይራ"፡ ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ሙልሃውስ ኣብ ለካቲት ብኻራ ዝተፈጸመ ቀታሊ መጥቃዕቲ፡ 'ኣይመጋጠመን ነይሩ' ይብል።
ማክሮን ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ፕረዚደንት ኣልጀርያ ተራኺቦም ነቲ ዝምዕብል ዘሎ ባህ ዘይብል ርከብ፡ ናብ ንቡር ንምምላስ ዘትዮም ነይሮም።
ማክሮን፡ ኣብቲ እዋን፡ "ዓሚቝ፡ ግልጽን ምሕዝነታዊን ምልውዋጥ" ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ዣን ኖኤል፡ ነዚ ስዒቡ ናብ ኣልጀርስ ብምኻድ "ፈረንሳ ነቲ ህሉው ወጥሪ ክትቅይሮ ትደሊ ኣላ" ኢሉ።
እቲ ርክብ ኣብ ምንታይ ደረጃ ይርከብ?
እዚ ዳሕረዋይ ምዕባለ፡ ኣሚር ዲዜድ ዝተባህለ ኣብ ስደት ዝነበረ ኣልጀርያዊ ጸላዊ ሰብ ኣብ ሚያዝያ 2024 ዝተጨውየ ዀይኑ፡ ፈረንሳይ በዚ ገበን ዝጠርጠረቶም ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዋ ዝተጋደደ እዩ።
ብፍላይ፡ ሓደ በዓል ስልጣን ቆንስል ኣልጀርያ ዝሓለፈ ዓርቢ ምስ ካልኦት ክልተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ድሕሪ ምእታዉ።
እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተኸታተልቲ ዘለዎ ሓያል ነቓፊ መንግስቲ ኣልጀርያ ኣሚር ዲዜድ ኣብ መወዳእታ ኣብ ሓደ ጫካ ከምዝተፈትሐ ዝገልጽ ሓበሬታ ወጺኡ።
ብማእሰርቲ እቲ በዓል ስልጣን ቆንልሳ ዝተቘጥዐት ኣልጀርያ ድማ፡ እቲ ተግባር 'ክብሪ ኣልጀርያ ዘዋረደ' ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኵሎም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ይሰርሑ ነይሮም ዝበለቶም፡12 ሰበስልጣን ፈረንሳ ካብ ሃገራ ክወጹ ኣዚዛ።
ፓሪስ ብሰሉስ ኣጋምሸት 12 ሰበስልጣን ኣልጀርያ ብምስጓግ ምላሽ ዝሃበት ኰይና፡ ንኣምባሳደራ ኣብ ኣልጀርያ ስቴፋን ሮማቴት ድማ ጸዊዓቶ።
ምኒስተር ባሮት፡ እቲ ኣምባሳደር ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ናብ ፓሪስ ክምለስ ምዃኑ'ኳ እንተገለጸ፡ ኣብ መወዳእታ ግን መንግስቲ ምስ ኣልጀርያ ዳግማይ ላዕለዋይ ደረጃ ዝርርብ ክጅመር ከምዘለዎ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







