ስደት፡ ካብ ኣውሮጳ ናብ ኣፍሪቃ ዝስደዱ ዘለዉ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን

መንካ ጎሚስ ኣብ ፈረንሳ’ዩ ተወሊዱ። ኣብ ፈረንሳ ኸኣ ዓብዩ እንተኾነ ብሩህ መጻእየይ ኣብታ ዓዲ ስድራይ ዝብላ ሰኔጋል ኣሎ ብምባል ናብኣ ኣምሪሑ ኣሎ። በጺሑ ንኽምለስ ግን ኣይኮነን፡ ናብራ ፈረንሳ ዒቕ ኢሉኒ’ዩ ኣድልዎ በዚሕኒ ብምባል’ዩ ናብ ሰኔጋል ከይዱ።
ወዲ 39 ዓመት መንካ ጎሚስ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ተመሳሳሊ ሓሳብ ዘለዎም ሰባት ብሰንኪ እቲ ኣብ ፈረንሳ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዓሌታውነትን ተነጽሎን ተገዲዱ ናብ ሰኔጋል ከምዝተመለሰ’ዩ ዝገልጽ።
ቢቢሲ ኣይ ነቲ ‘ዘይተዘርበሉ ስደት’ ተባሂሉ ዝግለጽ ዘሎ ኣፍሪቃውያን ካብ ፈረንሳ ናብ መበቈሎም [ኣፍሪቃ] ዝስደድሉ ምኽንያት መርሚሩ ኣሎ።
እዚ ኣብ ፓሪስ ዝተወለደ መንእሰይ ነቶም ናብ መበቆል ዓዶም ክምልሱ ዝደልዩ ኣፍሪቃውያን ንምሕጋዝ ኣብ ሰኔጋልን ቤት ጽሕፈት ከፊቱ ይርከብ።
ኣብ ደቡባዊ ክፋል ማርሰሊ ትምህርቲ ዝተኸታተለ ጎሚስ “ኣብ ፈረንሳ’የ ተወሊደ፤ ኣብኡ ኸኣ ዓብየ እዚ ኸኣ ገለ ሓቅታት ንኽፈልጥ ሓጊዝኒ’ዩ። ኣብዚ ዓዲ ማእለያ ዘይብሉ ዓሌታውነት’ዩ ዘሎ፡ ኣነ ካብ ዝዝከረኒ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ካብ ዝነበርኩሉ ኣትሒዘ ‘ኣብ ቤት ትምህርቲ ‘ኔግሮ’ ተባሂለ ይጽረፍ ነይረ”ይብል።
ጎሚስ፡ “ፈረንሳዊ ከኸውን ይኽእል’የ ግን ከኣ ካብ ካልእ ቦታ ዝመጻእኩ’የ።”
ኣደኡ ንጎሚስ ሕቋፍ ቈልዓ እንከላ’ያ ምስ ስድራኣ ናብ ፈረንሳ መጺኣ፤ ወዳ ስድራኡን ኣዕሩኽቱን ገዲፉ ናብ ሰኔጋል ክምለስ ምድላዩ ኸኣ ብዙሕ ኣይርድኣን’ዩ።
ንሱ፡ “ንዓይ ኣፍሪቃ እታ ኣብ መጻኢ ዝበለጸ ዕድላት ዘለዋ ኣህጉር ምዃና’ዩ ዝርድኣኒ” ይብል።
ሰኔጋልን ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ኣዕራብን ገለ ካብተን ብፈረንሳ ዝግዝኣ ዝነበራ ሃገራት’የን።
እዚ መስመር'ዚ ኸኣ ኣብ እዋን መግዛእቲ ንግዲ ገላዩ ዝካየደሉ ዝነበረ መስመር’ዩ።
ኣቐድም ኣቢሉ ቢቢሲ ኣይ ካብ ሰኔጋል ዝኸፈሉ ከፊሎም ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ናብ ፈረንሳ ክኣትዉ ዝደልዩ ኣዘራሪቡ ምንባሩ ይዝከር።
መብዛሕትኦም ካብቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ፈረንሳ ከምዝኣተዉ ሰነዳት መንግስቲ ፈረንሳ ይሕብር።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 142 ሽሕን 500 ስደተኛታት ኣብ ፈረንሳ ዕቝባ ሓቲቶም ካብ ኵሎም ከኣ ሓደ ኣስታት ሓደ ሲሶ ጥራይ’ዮም ተቐባልነት ረኺቦም።
ካብ ፈረንሳን ክንደይ ዝዀኑ ናብ ኣፍሪቃ ክምለሱ ከምዝደልዩ ዝተፈለጠ ነገር የለን፡ ምኽንያቱ ብሕጊ ፈረንሳ ንዓሌት ሃይማኖትን መበቆልን ዝምልከት ሓበሬታትት ምስናድ ሰለዘይፍቀድ።
እንተዀነ ኣዝዩ ልዑል ሞያ ዘለዎም ድሕረ ባይታኦም ካብ ሃገራት ኣዕራብን ኣፍሪቃን ዝዀኑ ደቂ ስደተኛታት ናብ ኣፍሪቃ ይምለሱ ከምዘለዉ ጭቡጥ ሓበሬታ ኣሎ።
ገላ ካብቶም ዘዘራረብናዮም ኣብ ፈረንሳን የማናዊ ክንፊ ዝኽተላ ሰልፍታት ይዕብልላ ስለዘለዋ ኣብ ፈረንሳ ዓሌታውነት እናሳዕረረ ከምዝመጽአን ጸሊም ወይ ኣፍሪቃዊ ኴንካ ኣብ ፈረንሳ ምንባር ከቢድ ኰይኑ ምህላዉ ይጠቕሱ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሚካኤል ብረኑርን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ብሩኖ ርታይለኮን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መዝነት ምስ ተወሃቡ ኣብ ፈረንሳን ብሕጋዊ ይዅን ብዘይሕጋዊ ንዝኣተዉ ስደተኛታት ዝምልከት ኣብ ውሽጢ ፈረንሳን ብደረጃ ኣውሮጳን ዝያዳ ዝተረረ ሕጊ ንኽተኣታቶ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ምዃኖም’ዮም ገሊጾም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፋንታ ጉራሲ ኣብ መዋእላ ኣብ ፈረንሳ’ያ ኣሕሊፋቶ ባዕላ ትውንኖ መእለዩ ሕሙማት ከኣ ኣለዋ፡ ሕጂ ግን ናብታ መዳሕንቲ ኣደኣ ዝተቐበረትላ ሰኔጋል ክትምለስ ኣንቂዳ ኣላ።
ጓል 34 ዓመት ፋንታ ጉራሲ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃል መሕተት፡ “ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ካብ ዝሓለፈ ሓያለ ዓመታት ጀሚሩ ኣብ ፈረንሳ ምንባር ድሕነት ኣይስምዓናን’ዩ ዘሎ። ከምዚ ኢልካ ክትዛረብ ኣዝዩ ዘሕፍር ነገር’ዩ፤ እንተዀነ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ንሱ’ዩ” ኢላ።
“ወዲ 15 ዓመት ቈልዓ ኣለኒ በይነይ ከኣ’የ ዘዕብዮ፣ እዚ ማለት ከኣ ወትሩ ከብድኻ ሓቊፍካ ኢኻ ተሕልፎ፡ ኵሉ ግዜ ፍርሒ ኣሎ” ትብል።
እቲ ቀንዲ ሻቕሎታ ሰማይ ክዓርግ ዝገበረ ክስተት ከኣ ወዳ ምስ ኣዕሩኽቱ ኣብ ጽርግያ እናኸዱ እንከለዉ ፖሊስ ደው ኣቢሎም ብኸቢድ ስለዝፈተሽዎም’ዩ።
“ከም ኣደ ኣዝዩ ዘፍርሕ ነገር’ዩ፤ ከምዚ ዓይነት ኣብ ተለቪዥን ትርኢ፡ ኣብ ካልኦት ክፍጸም ትርኢ፡ ንወደይሲ እንታይዶ ሒዘሉ’የ” ትውስኽ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወዲ 17 ዓመት መበቆሉ ኣልጀርያዊ ዝኾነ ፈረንሳዊ ናሀለ መርዙክ ካብ ቀረባ ርሕቐት ካብ ፖሊስ ብዝተተኰሰሉ ጥይት ምስ ተቐተለ ኣብ መላእ እታ ሃገር ሓያል ናዕቢ ተላዒሉ ነይሩ።
እቲ ክስተት ክሳብ ሕጂ ይምርመር ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ፡ እቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝተካየደ ብርቱዕ ናዕቢ ግን መርኣያ ናይቲ እናገንፈለ ዝመጽእ ዘሎ ሕርቃን ተነጽሎን ዓሌታውነትን’ዩ ተባሂሉ ዝግለጽ።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ዳህሳስ፡ ካብቶም ዝተሓተቱ ጸሊም ሕብሮም ፈረንሳውያን እቶም 91 ሚእታዊት ዓሌታዊ ተነጽሎ ኣጋጢምዎም ከምዝፈልጥ ምስክርነቶም ሂቦም።
ኣብቲ እዋን ላዕለዋይ ተጸዋዒ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ፈረንሳ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዓሌታዊ ኣድልዎ ኣተኵሮ ክገብረሉ ጸዊዑ ነይሩ።
ሚኒሰተር ጉዳያት ወጻኢ ነቲ ብላዕለዋይ ተጸዋዒ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጻውዒት ብምንጻግ፡ “ብፖሊስ ፈረንሳ ዓሌታዊ ኣድልዎ ዝፍጸመሉ ባይታ የለን፤ ፈረንሳን ፖሊሳን ኣንጻር ዝዀነ ዓይነት ዓሌታዊ ኣድልዎ ደው ምስ በሉ’ዮም” ኢሉ።
እንተዀነ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ዝኣከቦ ጸብጻብ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ዓሌት ዝተሓሓዝ ገበናት ብሰለስተ ሲሶ ከምዝወሰኸ የመልክት።
ኣብቲ ጸብጻብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ዓሌት፡ ሃማኖትን መበቆልን ብዝተሓሓዝ ልዕሊ 15 ሽሕ ገበናት ከምዝተፈጸመ የመልክት።
መበቆላ ካብ ኮንጎ ዝዀነትን ኣብ ፈረንሳ መምህር ዝዀነትን ኣንድሪ ሞንዘምባ ኣብታ ሃገር ዓሌታዊ ኣድልዎ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ትሕብር።
ሓደ መዓልቲ ምስ ጓላ ናብ ቤት ትምህርቲ እናኸደት እንከላ ኣብ ባቡሩን ኣብ ኣውቶቡስን ምስኣ ኬድና፡ ናብቲ ትምህረሉ ቤት ትምህርቲ ምስ ቀረበት እቲ ተኸዲናቶ ዝነበረት ሒጃብ ኣውጺኣ ኣብ ቦርሳኣ ኣእትያቶ።
ኣብ ገለ ገለ ክፋላት ፈረንሳ ሒጃብ ምኽዳን ኣዝዩ ኣዘራራቢ’ዩ ኮይኑ ነይሩ። ካብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣትሒዙ ከኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሒጃብ ምኽዳን ብወግዒ ተኸልኪሉ፤ ኣንድሪ ሞንዘምባ እዝን ካልእን ተደራሪቡ ናብታ መበቆል ዓዳ ዝዀነት ሃገራ ክትምለስ ከምዝደፋፍኣ’ያ ትገልጽ።
ጓል 34 ዓመት ኣንድሪ ሞንዘምባ፡ “ኣነ ፈረንሳ ንዓይ ኣይትምልከተንን’ያ ይብል የለኹን። ኣነ ዝነብሮ ንእምነተይን ንመንነተይን ብዘይስክፍታን ፍርሕን ክገልጸሉ ዝኽእል ክኸውን ኣለዎ’የ ዝብል ዘለኹ። ናብ ስራሕ ክኸይድ እንከለኹ ሒጃበይ ከውጽእ ክግደድ ኣይደልይን’የ” ትብል።
ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገበረ መጽናዕቲ ልዕሊ 1000 ዝዀኑ ዜግነት ፈረንሳ ዘለዎም ተኸተልቲ እምነት እስልምና ካብታ ሃገር ከምዝወጽኡን እቲ ምውጻእ ገና ይቕጽል ከምዘሎን የመልክት።
እቲ ኣብ ልዕሊ ተኸተልቲ እስልምና ዝነበረ ጽልኢ ኣዝዩ ዝበረኸሉ ብረት ዝሓዙ ሰባት ኣብ 2015 ኣብ ፓሪስ 130 ሰባት ድሕሪ ምቅታሎም’ዩ።
ሓደ ካብቶም ነቲ ኣብ ፈረንሳ ዘሎ ዓሌታዊ ኣድልዎታት ‘You Love It But You Leave It’ ብዝብል ኣርእሰቲ ብመልክዕ ጸብጻብ ዘዳለወ ኦሊቨር ኢስተቨን፡ “ኣብ ስራሕ ምርካብ ዘሎ ኣድልዎ ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ዘይዝረበሉ ዘሎ ስደት’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ “እዞም ካብ ፈረንሳ ዝስደዱ ዘለዉ ኣዝዮም ዝተምሃሩ ሰባት’ዮም እዚ ከኣ ንፈረንሳ ናብ ንጽፈተ-ኣእምሮ ከምርሓ ይኽእል’ዩ” ኢሉ።

ጓል 34 ዓመት ፋጡማ ሰይላ ስድራኣ ካብ ሰኔጋል’ዮም።
“ኣቦይ ካብ ኣፍሪቃ ናብዚ ክመጽእ እንከሎ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝሓሸ ህይወት እንተዝህሉ ካብ ምምላስ ዓይኑ ኣይምሓሰየን፡ ዝመጻእናሉን መበቆልናን ከይንርስዕ’ዩ ዝመክረና” ትብል።
እዛ ምስ ሩሪዝም ዝተሓሓዝ ‘ሶፍትዌር’ ኣብ ምምዕባል እትሰርሕ መንእሰይ ዝመጽእ ሰሙን ጠቕሊላ ናብ ሰኔጋል ክትምለስ ወሲና ኣላ።
ንሳ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ናታ ወፍሪ ገይራ ንኽትነብር’ዩ፡ እዚ ኸኣ መበቆላ ከምዘይረሰዐት ከምዘርኢ’ያ ትሕብር።
ኣብ ፈረንሳ ዝተወለደ ኣዝዩ ዝፈትዋ ሓዋ ዓብዱል ሰይላ ግን ብዘረባኣ ኣይኣመነን “ብዛዕባኣ [ፋጡማ] ኣዝየ’የ ዝሻቐል ኣነ ግን እዚ ምስ መበቆለይ ክትኣሳሰር ዝብል ዘረባ ኣይሰማምዓሉን’የ ከምኡ ዓይነት ስምዒት የብለይን” ይብል።
ዓብዱል ሰይላ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት “ስድራይን ባህለይን ኣብዚ ኣሎ፡ ኣፍሪቃ ኣህጉር ወለዶና’ያ፤ ናትና ግን ኣይኮነትን ምኽንያቱ ንሕና ኣብኡ ኣይነበርናን፤ ኣብኡ ኬድና ‘ዋካንዳ’ ኣይጸንሓናን’ዩ” ይብል።
ዋካንዳ ኣብ ብላክ ፓንተር ዘርእስታ ፊልምን መጽሓፍን ብቴክኖሎጂ ኣዝዩ ዝበልጸገ ሕብረተሰብ ዝነብረላ ቦታ ተባሂላ ዝተገለጸት ናይ ድርሰት ስፍራ’ያ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ሰኔጋል ከተማ ዳካር ንሳላማታ ኮንተ ረኺብናያ።
ሳላማታ ምስ መንካ ጎሚስ ብምዃን ነቶም ካብ ፈረንሳ ዝምለሱ ኣፍሪቃውያን ናብ ሰኔጋል ምስ መጽኡ እንታይ ክገብሩ ከምዘለዎም ዘማኽር ትካል ከፊቶም ይሰርሑ ኣለዉ።
ሳላማታ ኣብ ፈረንሳ ኣዝዩ ብርኩት ገንዘብ ትኽፈለሉ ዝነበረት ስራሕ ባንኪ ሓዲጋ’ያ ናብ ሰኔጋል ክትምለስ መሪጻ።
ጓል 35 ዓመት ሰላማታ ኮንተ “ቀድሚ ሰለስተ ዓመት ናብ ሰኔጋል ጠቕሊለ ምስ መጻእኩ እዞም ኣብዚ ዝነብሩ ‘ፈረንሳዊት’ ኢሎም ክጽውዑኒ ምስ ጀመሩ ኣዝየ’የ ሰንቢደ” ትብል።
“ኣብ ፈረንሳ ብሰንኪ ሕብሪ ቆርበተይ ተነጽሎ ኣጋጢምኒስ ሕጂ ኸኣ ብሰንኪ ዜግነተይ እዚ ዓሌታውነት ከጋጥመኒ ኢለ ክሓስብ ጀሚረ፤ ጸኒሐ ግን እወ ሓቅኹም ኣብ ፈረንሳ’የ ተወሊደ ግን ሰኔጋላዊት’የ እብሎም፡ ንነብሰይ’ውን ከምኡ እናበልኩ ከእምና ጀሚረ” ትብል።
ሳላማታ ኮንተ ከም ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ሰኔጋል ወፍሪ ክትጅምር እንከላ ብዙሕ ጸገማት ከምዘጋጠማ’ያ ትሕብር።
“ንገለ ዝቐርቦም ሰኔጋላውያን ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ጸብለል ትብሎም ጓል ኣንስተይቲ ጽልኢ ኣለዎም፤ እዚ ምስ ቀረብተይ’ውን እዘራረበሉ’የ፤ ኣይኣምኑሉን’ዮም ግን እቲ ሓቂ ንሱ’ዩ” ትብል።
መንካ ጎሚስ ዜጋነት ሰኔጋል ከውሃቦ ይጽበ ኣሎ፤ እታ ምስ ሳላማታ ኮነተ ኰይኖም ዝመስረትዋ ትካል’ውን ጽቡቕ ትሰርሕ ኣላ። ሕጂ ንሰኔጋላውያን እተገልግል መንእሰያት ብፍቕሪ ንሓድሕዶም እተራኽብ መተግበሪ [ኣፕሊኬሽን] ኣብ ምምዕባል ይሰርሕ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







