እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ተመን ሸርፊ ወጻኢ ብዕዳጋ ከምዝውሰን ክትገብር'ያ
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ተመን ሸርፊ ወጻኢ ብስርዓት ዕዳጋ ክምራሕ ከም ዝገብር ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣፍሊጡ።
እዚ ውሳነ፡ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዓመታት ምስ ዓለምለኸ ትካላት ገንዘብ ስኒት ስኢናትሉ ዝጸንሐት ጕዳይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ዝነበረ ተመን ሸርፊ ወጻኢ ብዕዳጋ ንክውሰን ዝገብር ክኸውን’ዩ።
እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ፖሊሲ ፕሮግራም ምምሕያሽ ቁጠባ ብዝብል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እዚ ብስርዓት ዕዳጋ ዝምራሕ ተመን “ዕድጊ ሸርፊ ወጻኢ ብዕዳጋ ንክውሰን” ዝገብር ክኸውን’ዩ ይብል።
ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ ስርዓት ዕዳጋ ሸርፊ ወጻኢ ኣብ መንጐ ቀረብን ጠለብን ዘሎ ምዝባዕ ሸርፊ ወጻኢ ብምምጥጣን ዋጋ ኣገልግሎታትን ካብ ወጻኢ ዝኣትው ሸቐጣትን ምስቲ ዕዳጋ ንኽጠዓዓም ዝገብር ምዃኑ’ዩ ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ እዚ ምምሕያሽ ፖሊሲ እታ ሃገር ሓደሽቲ ቀረባት ልምዓት ፋይናንስ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጪታት ንምርካብ ከም ዝሕግዛ ክግለጽ እንከሎ፡ በዚ መሰረት ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ብዙሕ ቢልዮን ዶላር ክትረክብ’ያ ይብል።
መንግስቲ እታ ሃገር፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ካብ ትካል ገንዘብ ዓለም ልዕሊ ዓሰርተ ቢልዮን ዶላር ንምርካብ ክዘራረብ ቀንዩ ኣሎ።
እዚ፡ ምስቶም ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ዝወሰዶም ምምሕያሻት ፋይናንስን ቁጠባን ምስዚ መደባት ልቓሕ ዝተሓሓዝ ምዃኑ ይዝረብ።
ተመን ሸርፊ ወጻእ ብስርዓት ዕዳጋ ክውሰን ምግባር፡ እቲ መንግስቲ ብላዕለዋይነት ዝቈጻጸሮ ዝነበረ መስርሕ ናብቶም ኣብቲ ዕዳጋ ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ክዘውር ክገብር’ዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ መንግስቲ ኣብ ተመን ሸርፊ ወጻኢ ቁጽጽር ክገብር’ኳ እንተጸንሐ፡ ኣብ መንጐ ስሩዕን ዘይስሩዕን ዕዳጋ ዶላር ዝነበረ ኣፈላላይ ልዕሊ ዕጽፊ ኰይኑ ጸኒሑ’ዩ።
በዚ ምኽንያት፡ ባንክታት ሓደ ዶላር ብኣስታት 60 ብር ከሽርፋ እንከለዋ፡ ኣብቲ ዘይስሩዕ ዕዳጋ ልዕሊ 110 ክሽረፍ ተራእዩ እዩ።
ሕጂ፡ ብመሰረት ውሳነ መንግስቲ ዕዳጋ ሸርፊ ወጻኢ ኣብቲ ዕዳጋ ብዝህሉ ጠለብን ቀረብን ዝውሰን ብምዃኑ፡ ምስቲ ኣብ ዘይስሩዕ ዕዳጋ ዘሎ ዋጋ ዝጽጋዕ ወይ ካብኡ ዝዛየደ ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ።
በዚ ምኽንያት፡ ኣብቲ ስርዓት ዕዳጋ ሸርፊ ወጻእ ብዝህሉ ለውጥን ካልኦት ስጉምቲታት ምምሕያሽ ፖሊሲ ቁጠባን “ተቓላዕቲ ዝዀኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ንምሕጋዝ ዘኽእሉ ተግባራት ክውገኑ” ምዃኑ ይግለጽ።
በዚ መሰረት፡ ድጐማ ፕሮግራማት ማሕበራዊ ሴፍቲነት፡ ትሑት ደሞዝ ዝኽፈሉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንምምሕያሸ፡ ኣብ ዋጋ ነዳዲ ክርአ ዝኽእል ወሰኽ ንምፍታሕ መንግስቲ ከፊል ድጐማ ክገብርን ምዃኑ ተገሊጹ።
መንግስቲ ተግባራዊ ዝገብሮም ስጕምቲታት ፖሊሲ ምስ ነዊሕን ማእከላይን መደባት ልምዓት እታ ሃገር ብምጥዕዓም ዝውገኑ ምዃኖም ይእመን።
እቲ ሕጂ መንግስቲ ወግዓዊ ዝገበሮ ውሳነ፡ ካብ ቦርድ ፈጻሚ ስራሕ ትካል ገንዘብ ዓለም [ኣይኤምኤፍ] ንዝቐረበሉ ሕቶ ልቓሕ ውሳነ ንምሃብ ሎሚ 29 ሓምለ 2024 ንክእከብ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ዝነበረ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ እዩ ወግዓዊ ኰይኑ ዘሎ።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሸተ ዓመታት ኲናት፡ ደርቂን ብዓለምለኻዊ ኵነታት ዘጋጠማ ቁጠባዊ ጸቕጢታትን ንምጽዋር ካብ ትካል ገንዘብ ዓለም ልዕሊ 10 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ሓቲታ ኣላ።