ብዙሓት ዘማርሩሉ ዘለው ወሰኽ ግብሪ መንግስቲ ዊልያም ሩቶ

ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያውያን ሓዊሱ፡ ኣብ ህይወት ዘይተርፉ ነገራት፡ ሞትን ግብርን’ዮም ዝብል ዝጸንሐ ብሂል ሰሚዕኹም ትዀኑ ኢኹም።

ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ዋጋ ነዳድን መሃያን ዝተነብረ ግበሪ ብዙሓት ዘማርሩሉ ዘለዉ ኰይኖም፡ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝነብር ዲያስፖራ ዘኽፍሎ 2 ሚኢታዊት ግብሪ ብዙሕ ከዘራርብ ፀኒሑ እዩ።

ኤምባሲታት ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ኤርትራውያን ነቲ "ዘይሕጋዊ" ተባሂሉ ዝግለጽ ግብሪ ብኣስገዳድ ከም ዘኽፍሉ ዝገልጽ ክስታት ብቐጻሊ ክወጽእ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብ ሓንቲ ሃገር፡ መንግስቲ ንዝተፈላለዩ ዕዮታትን ልምዓታዊ ንጥፈታትን ዝውዕል ግብሪ ከኽፍል ንቡር'ኳ እንተዀነ ብፍላይ ሓድሽ ወሰኽ ግብሪ ኣዝዩ ኣካታዒ ዝዀነሉ ዕድላት ሰፊሕ'ዩ።

ሕጂ፡ ኬንያውን ነዚ ዝጸንሐ 'ብሂል' ብግብሪ ዝረአዩዎ ዘለው ይመስሉ፤ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊኦም ዝተዳዕነነ ብዙሕን ተደራራብን ዓይነታት ግብሪ የንፅርፅሩ ኣለዉ።

ነታ ብብልሽውና ስማ ዝለዓል ኬንያ ዝመርሕ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፡ ዜጋታት እዛ ሃገር ኣዝዩ ትሑት ግብሪ ክኸፍሉ ከምዝጸንሑ እዩ ዝገልጽ።

'ድሕሪ ሕጂ ካብ ዝዀነ ይኹን ኣታዊታትኩም ንመንግስቲ ግብሪ ክትከፍሉ ኣለኹም' ብምባል ድማ ይንቀሳቐስ ኣሎ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኬንያውያን “ዝለዓለ ግብሪ ከም ዝኸፍሉ ንኽኣምኑ ተገይሩ ጸኒሑ” ብምባል፡ ብግብሪ ግን እቲ ሓፈሻዊ ጾር ግብሪ ምስ ገለ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ክነጻጸር እንከሎ ዝተሓተ እዩ ክብል ተዛሪቡ።

“ከቢድ ክኸውን ይኽእል’ዩ፤ ግን ድማ ግብሪ ከነዕብዮ ክንክእል ኣለና” ይብል።

ንሱ፡ ኣብ ነሓሰ 2022 ፕረዚደንት ኰይኑ ካብ ዝምረጽ ንደሓር፡ ሓደሽቲ ዓይነታት ግብሪ ኣተኣታትዩ’ሎ።

በዚ መሰረት፡ ካብ ወርሓዊ መሃያ ዝኽፈል ግብሪ ወሲኹ፡ ግብሪ መሸጣ ነዳዲ ብዕጽፊ ክውስኽ ገይሩ፡ ሰባት እውን ሓድሽ ግብሪ ኣባይቲ ክኸፍሉ ኣዚዙ፤ ካብዚ ብዝሰገረ ሓድሽ ግብሪ መድሕን ጥዕና ዝያዳ ክኸፍሉ ክጅምሩ’ዮም።

ሩቶ፡ "ዝሓሸ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከምኡ’ውን ሸኸም ዕዳ እታ ሃገር ክጐድል እንተደሊኹም፡ ግብሪ ክትከፍሉ ኣለኩም" ይብል።

እዚ ስጉምቲ ግን ድሮ ንብዙሓት ኣቘጢዑ ይርከብ።

ገለ ካብቶም ሓደስቲ ግብሪታት፡ ኣብታ ሃገር ዝቕባበ ዋጋ እናሓየለ ይኸይድ ኣብ ዘለወሉ እዋን ዝመጽኡ ብምዃኖም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዙሓት ተቓውሞታት ኣስዒቦም ነይሮም።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ ዓመታት ግብሪ ብውሑድ 20 ሚታዊት ካብ ውሽጣዊ ፍርያት እታ ሃገር ክበጽሕ ከም ዘለዎ ተሓኒዩ ኣሎ።

እቶት መንግስቲ ንምዕባይን ልቓሕ ንምንካይን ዝያዳ ግብሪ ክውስኽ ኣለዎ ክብል ይምጕት።

ኬንያ ኣስታት 80 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሃገራዊ ዕዳ ኣለዋ፤ መብዛሕትኡ ካብ ዝሓለፉ ምምሕዳራት ዝወረሶ እዩ።

ኣብዚ ሕጂ ዋን ድማ፡ ሰባት መብዛሕትኡ ዕላላቶም በቲ እዞም ግብሪታት ዘሕድሩዎ ዘለዉ ቃንዛ ዝዕብለል ኰይኑ፡ ኣመለኻኽታ እቲ ፕረዚደንት ነቶም ድሮ ናብራ ዝኸብዶም ኬንያውያን ኣቘጢዕዎም ኣሎ።

እዚ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዓለ ወሰኽ ግብሪታት፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ተቓውሞታት ኣስዒቡ ነይሩ።

ሩቶ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣታዊታት ግብሪ መንግስቲ ካብ ሓፈሻዊ ቁጠባ 14 ሚኢታዊት ከም ዝበጽሐ ብምግላጽ፡ እዚ ኣሃዝ “ምስ መዛኑ ኬንያ እዚ ኣህጉር” ክነጻጸር እንከሎ ግን “ብማእከላይ ካብ 22 ክሳብ ክሳብ 25 ሚኢታዊት እየን ዝረኽባ” ኢሉ።

እዚ ድማ፡ “ግብርና ካብ መዛኑና ኣዝዩ ዝተሓተ’ዩ ማለት’ዩ” ክብል ተዛሪቡ።

ይኹን’ምበር፡ “መዛኑ” ክብል ዝገለጸን ሃገራት ኣየንኦት ምዃነን ኣየነጸረን።

መጠን ግብሪ ምስ ሓፈሻዊ ዓመታዊ እቶት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሞሮኮ፣ ሞሪሸስን ናሚብያን ኣስታት/ ልዕሊ 20 እኳ እንተዀነ፡ ናይጀርያ፣ ጋና፣ ኡጋንዳ፣ ታንዛንያን ዛምብያን ሓዊሱ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ግን ክንዲ ዝኣክል እቶት ግብሪ የብለንን።

ብመሰረት ጸብጻብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ 2021 ማእከላይ ደረጃ ግብሪ እታ ኣህጉር ብሓፈሻ 15.6 ሚኢታዊት እዩ ነይሩ - እዚ ካብቲ መንግስቲ ኬንያ ዝእክቦ ብዙሕ ዝዛየደ ኣይኰነን።

ፍሉጥ ተቓዋምን ጠበቓን ሚጉና ሚጉና ነቲ ብዙሓት ዘማርርሉ ዘለው ጕዳይ ግብሪ፡ “ኬንያውያን ልዕሊ ዓቐን ግብሪ ይኽፈሉ፣ ይዕፈኑን ይምዝመዙን’ዮም ዘለው፤ እንተዀነ ሓደ ሚኢታዊት እቲ ዝኸፍሉዎ ግብሪ ዋጋ ግን ኣይረኽቡን” ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

ሰባት ዝበሉ እንተበሉ ግን፡ ተወሳኺ ግብሪታት ዘይተርፍ ነገር ይመስል።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢሳቕ ምዋውራ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “እቲ ናይ መወዳእታ ስርዓት ልቓሕ’ዩ ዝልቃሕ ነይሩ፤ መንግስትና ድማ ነዚ ሚዛን የትሕዝ፡ ዕዳታት ይኸፍልን ቁጠባ ይሃንጽን’ዩ ዘሎ” ኢሉ።

ድሮ’ውን፡ መንግስቲ ንዝቕጽል ባጀት ዓመት ኣብ ዘቕረቦ እማመ ባጀት፡ ንወነንቲ መካይን ግዴታዊ ግብሪን ከምኡ’ውን ኣብ ባኒን ፋይናንሳዊ ልውውጣትን ዝኽፈል ግብሪ መሸጣን ሓዊሱ፡ ሓደስቲ ስጉምቲታት ከም ዝህልው ኣአንፊቱ ኣሎ።

ብዙሓት ግን ዝተቐበልዎ ኣይመስሉን።

ገለ ኬንያውያን ዝቕባበ ዋጋን ኣብ ጠለባት ዝርኣይ ዘሎ ልዑል ግብሪን ናብራ ኣጸጋሚ ገይርዎ ኣሎ ይብሉ።

ክኢላ ስነ-ቑጠባ ኦድያምቦ ራሞጊ ግን ግብሪ ምስ ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር ንምትእስሳር ዝግበር ትኹረት ግጉይ መፍትሒ ምዃኑ ይምጉት።

እኳ ድኣ፡ እቲ ዝኽፈል ግብሪ ዘይኰነ ዝትሕት ዘሎ፡ ኣብ ምእካብ ግብሪ ውጽኢታዊ ዘይምዃንን ድኹም ምሕደራን ብዙሕ ወጻኢታት መንግስቲ ክባኽን እዮም ዝገብሩ ይብል።

እቲ ክኢላ፡ መንግስቲ ዋላ'ኳ ግብሪ እንተወሰኸ፡ ሰባት ዝያዳ ገንዘቦም ክሓብኡ ከም ዝጀመሩ ይሕብር።

እዚ ድማ፡ ኣብ መንጐ ግብርን እቶትን ዘሎ ርክብ ካብ ዝተወሰነ ነጥቢ ክሓልፍ እንከሎ ሰባት ንኽሰርሑን ንኽኸፍሉን ዘለዎም ድርኺት ከም ዘጕድሉ’ዩ ዝሕብር።

“ልዑል መጠን ግብሪ ብተፈጥሮኡ ትሑት ምእካብ ግብሪ’ዩ ዘስዕብ” ይብል።

ራሞጊ፡ ልዑል መጠን ግብሪ ዘለወን ሃገራት ብሓፈሻ ጽቡቕ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ከም ዘለወን ይዛረብ።

ብኣንጻሩ፡ ዋላ’ኳ ንኬንያውያን ዝጽበዮም ብዙሕ ግብሪን ቀረጽን እንተሃለወ፡ ሰባት ግን “ወጻኢታት ቤት ትምህርቲ፡ ሕሳብ ሆስፒታልን ኵሉ ዓይነት ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ይኸፍሉ ብምህላዎም ደሚርካ ዕጽፊ ምኽፋል ግብሪ’ዩ” ክብሃል ከም ዝክኣል ይዛረብ።

ንሱ፡ ኬንያ ንክትዓቢ ኣቐዲሙ ግብሪ ብግቡእ ከም ዝእከብን ኣብ ጥቕሚ ከም ዝውዕልን ከተረጋግጽ፡ ከምኡ'ውን ብልሽውና ከተወግድ ከም ዘለካ ይዛረብ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ፡ ፕረዚደንት ሩቶ ነዚ ጸገም ንምፍታሕ “ኣዝዩ ንጹር” ምዃኑ ይዛረብ።

ኣካያዲ ስራሕ ትካል መንቶርያ ኢኮኖሚክስ ኬን ጊቺንጋ፡ ልዑል ግብሪ ስራሕቲ ንምስላጥ ወጻኢታት ክውስኽ ስለ ዝገብር፡ ትካላት ናብ ምዕጻው፡ ምጥፋእ ስራሕን ብድሕሪኡ ድማ ካብ ግብሪ ኣታዊ ዝእከብ መጠን ገንዘብ ምንካይን ከስዕብ ከም ዝኽእል ይዛረብ።

ክኢላ ስነ-ቑጠባን ኣባል ባይቶ ነበርን ቢሎው ኬሮው ክልተ ዝዓበየ ቁጠባ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ 2021 ትሑት ምትእስሳር ግብሪ ምስ ውሽጣዊ ፍርያት ዝነበራ ናይጀርያ፡ ከምኡ’ውን ደቡብ ኣፍሪቃ ብኣብነት ብምልዓል፡ መጠን ግብሪ፡ ብርቱዕ ቁጠባ ዘመላኽት ኣይኰነን ይብል።

ንሱ ንቴሌቪዥን ኬቲኤን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ግብሪ ዘርእዮ ዘሎ ፍሉይ ትኹረት ፍጹም መደናገሪ’ዩ” ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት ግን መርገጺኡ ዝቕይር ኣይመስልን።

“ብዙሕ መብርሂ ክህብ ኣለኒ፤ ሰባት ከማርሩ እዮም። ኣብ መወዳእታ ግን ከም ዝንእዱዎ እፈልጥ እየ” ይብል።