እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኬንያ፡ ኣባል ኔቶ ዘይኰነት መሓዛ ካብ ዝብል መዓርግ ኣመሪካ እንታይ'ያ ክትረብሕ?
ኬንያ፡ ኣባል ኪዳን ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ዘይኰነት መሓዛ ዝብል መዓርግ ተዋሂቡዋ ኣሎ። እዚ ካብታ ልዕለ ሓያል ዝዀነት ኣመሪካ ዝረኸበቶ ስያመ’ዩ።
ፖሊስ ኬንያ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ዓቀብቲ ሰላም ኰይኖም ናብ ሄይቲ ከም ዝኸዱ ፕረዝደንት ዊልያም ሩቶ ተዛሪቡ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኬንያ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃን ዓለምን ኣብ ዙርያ ድሕነት ዘለዋ ሽም እናዓበየ ይመጽእ ከም ዘሎ ይእመን።
ኣብዚ ሰሙን፡ ፕረዝደንት እታ ሃገር ኣዝዩ ታሪኻዊ ዝተባህለ ምብጻሕ ኣብ ዋሽንግተን የካይድ ኣሎ። ጆ ባይደን ድሙቕ ኣቀባብላ ክገብረሉ እንከሎ፡ ዛዕባ ሄይቲን ካልኦት ጉዳያት ምሕዝነት ክልቲአን ሃገራትን ኣልዒሎም ተዘራሪቦም ኣለው።
ኬንያ፡ ካብ ኣፍሪቃ ኣባል ኔቶ ዘይኰነት ራብዓይቲ መሓዛ ኣመሪካ ክትከውን እንከላ፡ ካብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ብሕታዊት ኰይና ኣላ።
እዚ መዓረግ፡ ኬንያ ኣብ ኣፍሪቃ ካልአይቲ ቀንዲ መሓዛ ኣመሪካ ምዃና ዘርኢ’ዩ።
ኣመሪካ፡ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝሕገዝ ልኡኽ ዓቃቢ ሰላም ሄይቲ 200 ሚሊዮን ዶላር ክህብ’የ ኢላ እያ። ኬንያ፡ ኣብዚ ዞባ ሰላም ኣብ ምኽባር ተዛማዲ ዓወት ዘርኣየት ሃገር’ያ።
ንኣብነት፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዝነበረ ደማዊ ኲናት ብስምምዕ ደው ንክብል ዝገበረ መሪሕነት ኬንያ’ዩ።
ካብኡ ሓሊፉ፡ ሩቶ ኣብ ዞባ ‘ግሬት ሌክስ’ ዘሎ ምክፍፋል ንምህዳእን ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዘሎ ምስፋሕ ዓመጽቲ ንምዕጋትን ጻዕሪ ይገብር ኣሎ።
ካብ 2001 ጀሚሩ፡ ሰራዊት ኬንያ ኣብ ሶማልያ ኣንጻር ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ ይዋጋእ ኣሎ። ኣብ ዶብ ላሙ (ግዝኣት ኬንያ) ዝዓረደ ሰራዊት ኣመሪካ ነዚ ቃልሲ ይሕግዝ ኣሎ።
ኣመሪካ፡ ክትተኣማመና እትኽእል ኣፍሪቃዊት ሃገር ምርካባ ሩፍታ ዝህባ ነገር’ዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ጽልዋ ምዕራባውያን እናነከየ ጽልዋ ቻይናን ሩስያን ድማ እናዓበየ ምምጽኡ፡ ንኣመሪካ ቅሳነት ዝህብ ኣይኰነን።
እንታይ ለውጢ የምጽእ?
ኣባል ኔቶ ዘይኰነት መሓዛ ዝተባህለት ኬንያ፡ ኣዝዮም ዘመነዎት ኣጽዋራት ኲናት ከምኡ’ውን ጸጥታኣ ንምጥንኻር ስልጠናን ልቓሕን ክትረክብ ትኽእል።
እዚ ማለት ግን፡ ኣመሪካ ንኬንያ ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ድጋፍ ናይ ምግባር ግዴታ ኣለዋ ማለት ኣይኰነን። ኬንያ ብወገና፡ ንልኡኽ ኔቶ ወተሃደራት ናይ ምልኣኽ ግዴታ የብላን።
ኬንያ ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ካብ ዘብጽሓላ ኣልሸባብ ንሓደጋ ዝተቓልዐት’ኳ እንተዀነት፡ ብመንጽር ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ግን ንወተሃደራዊ ሓይሊ እትስልዖ ባጀት ኣዝዩ ልዑል ዝብሃል ኣይኰነን።
ኬንያን ሶማልያን ኣብ ዝዳወባሉ 680 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ዶብ፡ ተደጋጋሚ ንኣሽቱ መጥቃዕቲታት የጋጥሙ’ዮም።
ኣልሸባብ ናብ ኬንያ ብምእታው መጥቃዕቲታት ፈጺመ’የ ብምባል ሓላፍነት ዝወሰደሎም ኣጋጣሚታት ከም ዘለው ይፍለጥ።
ብ2013 ዓ.ም፡ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ዌስት ጌት ዝተባህለ ማእከል ዕዳጋ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 70 ሰባት ከም ዝሞቱ ይዝከር።
ካብ መጀመርታ ኣዋርሕ 2024 ጀሚሩ ድማ፡ ኣልሸባብ ኣብ ኬንያ 30 መጥቃዕቲታት ከም ዝፈጸመ ቢቢሲ ሞኒተሪንግ ካብ መግለጺታት እቲ ጉጅለ ዝኣከቦም ሓበሬታታት የመልክቱ።
ኣባላት እቲ ጉጅለ፡ ኣብ ላሙ፣ ጋሪሳ፣ ዋጂርን ማንዴራን ዝበሃላ ከተማታት ይንቀሳቐሱ። መብዛሕትኡ ግዜ በቶም መጥቃዕቲታት ግዳያት ዝዀኑ ወተሃደራት ኬንያ’ዮም።
ዓቀብቲ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ካብ ሶማልያ ጠቕሊሎም ንምውጻእ መደብ ዝሓዙ ኰይኖም፡ ኬንያ ኣብ ከባቢታት ዶብ ዘለዋ ምንቅስቓስ ክጠናኸር ትገብር ኣላ።
እቲ ሕጂ ዝተዋህባ መዓርግ፡ መረዳእታታት ንምእካብን ስትራቴጂካዊ ወፍሪ ንምግባርን ከም ዝሕግዛ ይእመን።
ኬንያ፡ ኣብ ልኡኽ ምብራቕ ዴሞክራቲክ ኮንጎ ትሳተፍ ምህላዋ፡ ጥንካረ ከባቢያዊ ወተሃደር ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝፍተነሉ’ዩ።
ኣብ ማእከላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃ ተዋፊሮም ዝነበሩ ወተሃደራት ኣብ ውሽጢ ትሸዓተ ኣዋርሕ ምውጽኦምን ዓመጽቲ እናበርትዑ ምኻዶም፡ ፍሽለት እቲ ልኡኽ ዘርኢ’ዩ ተባሂሉ ነይሩ።
ይኹን’ምበር፡ ኣመሪካ ንኬንያ ተጠቒማ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ጽልዋ ንምስፋሕን ጐንጺታት ንምህዳእን እትገብሮ ጻዕሪ ትቅጽዘሎ ኣላ።
ዋላ’ኳ ኣመሪካ ብቐጥታ እንተዘይተሳተፈት ፕሬዝደንት ሩቶ 16 ስርሓት ኣመሪካ ዝዀነ ሄሊኮፕተራትን 150 ሓጺን-ለበስ ተሽከርከርትን ክወሃቦ ከም ዝኽእል ተሓቢሩ ኣሎ።
ልኡኽ ሄይቲ
ኬንያ ኣብ ዓለምለኻዊ ልኡኽ ዓቃቢ ሰላም ኣብ ሴራልዮንን ላይቤሪያን ዝጸንሐ ልምዲ’ኳ እንተሃለዋ፡ ጉዳይ ሄይቲ ግን ብቐሊሉ ዝርኣይ ኣይኰነን።
ፕረዝደንት ጆቬኔል ሞይዝ፡ ብ2021 ምስ ተቐትለ ልዕሊ 100 ዕጡቓት ጉጅለታት ንርእሰ ከተማ ፖርት ኣው ፕሪንስ ናብ ዓውደ ውግእ ቀይሮምዋ።
በዚ ምኽንያት 300 ሽሕ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ክስደዱ እንከለው፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣሪዮል ሄንሪ ኣብ ቀረባ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ተገዲዱ።
እቶም ንሄይቲ ዝሕምስዋ ዘለዉ ጉጅለታት፡ ኣጽዋር ኣብ ምዕዳግን ኣብ ምሻጥን ተዋፊሮም ኣለው።
መብዛሕትኡ፡ ካብ ኣመሪካ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝኣቱ ኰይኑ፡ ካብ ዶመኒካን ሪፕብሊክ፣ ጀማይካን ኮሎምቢያን’ውን ይመጽእ።
ቤት ጽሕፈት መዐወኒ ሓሽሽ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ዓመት ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ጐባልል ጉጅለታት ስርሓት ሩስያ ዝዀነ ኤኬ47፣ ስርሓት ኣመሪካ ኤኣር15ን ጋሊል ዝተባህለ ስርሓት እስራኤልን ዝተዓጠቑ ምዃኖም ይሕብር።
ኣመሪካ፡ ብዙሕ ልምድን ኣጽዋርን ንዘይብሎም ፖሊስ ኬንያ ገንዘብ ሰሊዓ ኣላ።
ንኻልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዎ ረብሓ እንታይ’ዩ?
ቅድሚ ሕጂ ኣባል ኔቶ ዘይኰና መሓዙት ዝብል መዓርግ ዝተዋህበን፡ ቱኒዝያ፣ ሞሮኮን ግብጽን ወተሃደራዊ ዓቕመን ኣዝዩ ዝገርም ምምሕያሽ ኣርእዩ’ዩ።
ብ2015፡ እዚ መዓርግ ዝተዋህባ ቱኒዝያ ወተሃደራዊ ዓቕማ ምምሕያሽ ከርኢ እንከሎ፡ ነዚ ስዒቡ ወተሃደራዊ ባጀታ’ውን ሓፍ ከተብሎ ክኢላ።
ካብ 1989 ጀሚሩ ኣባል ኔቶ ዘይኰነት መሓዛ ዝዀነት ግብጺ፡ ኣብ ዓለምና ድልዱል ዝበሃል ሰራዊት ካብ መንጐ ዘለወን ሃገራት ትስራዕ።
ግብጺ፡ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዲፕሎማሲያዊ ጽልዋ ኣመሪካ ክውስኽ ገይራ’ያ።
ጸቕጢ ዕጡቕ ጉጅለ ዳዕሽ ዝበርትዓ ሞሮኮ፡ ኣብ ምንቅስቓስ ኣንጻር ግበረ ሽበራውያን ዘርኣየቶ ምምሕያሽ ቀሊል ዝብሃል ኣይኰነን።
ሞሮኮ፡ ካብ 2007 ጀሚሩ ኣብ ኣፍሪቃ ዓብዪ ዝብሃል ወተሃዳራዊ ልምምድ ትገብር ዘላ ኰይና “ኣፍሪቃዊት ኣንበሳ” ዝብል ሳጓ ተዋሂቡዋ’ዩ።
ኣብዚ ዓመት ዝካየድ ወተሃደራዊ ልምምድ ካብ 20 ሃገራት ኣፍሪቃን ኣባል ሃገራት ኔቶን ዝተወጻጽኡ ሸውዓተ ሽሕ ወተሃደራት ክሳተፉ’ዮም።