እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ባይደን ንሩቶ ዝገበሮ ኣቀባብላን ፈተና ዘጋጠሞ ርክብ ኣሜሪካ-ኣፍሪቃን
ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ኣብ ውሽጢ 15 ዓመታት ኣብ ኣሜሪካ ወግዓዊ ምብጻሕ ስራሕ ዝገበረ ፈላማይ ኣፍሪቃዊ መራሒ እዩ።
እዚ ምብጻሕ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንጉዳያት ኣፍሪቃ ዘለዎ ቆራፅነት ከርእየሉ ዝኽእል ኣጋጣሚ እዩ።
ከም ሩስያን ቻይናን ዝኣመሰላ ተናሓናሕቲ ሃገራት ምዕራብ፡ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለወን ርክብ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣሜሪካ ምስ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዋ ርክብ ዝላሕልሐ ክመስል ጸኒሑ እዩ።
ሓደ እዋን፡ ኣብቲ ንኣሜሪካ ናይ ቀረባ መሻርኽቲ ንዝዀኑ ጥራይ ድሙቕ ኣቀባብላ ዝግበረሉ ዋይትሃውስ፡ ሩቶ ክርከብ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ቀሊል ኣይነበረን።
ዓለምለኸ ቤት-ፍርዲ ገበነኛታት፡ ነቲ ኣብ 2007 [ኣ. አ] ዝተኻየደ መረጻ ኬንያ ስዒቡ ምስ ዝተፈጠረ ናዕቢ ብዝዛመድ፡ ንዊልያም ሩቶ ብገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከሲስዎ እዩ።
እቲ ክሲ ውዱቕ ብምዃኑ ግን፡ ኣብዚ እዋን ሩቶ ዘይስገር መሻርኽቲ ኣሜሪካ ኰይኑ ኣሎ።
ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኬንያ ሜግ ዋይትማን፡ ኮንግረስ ኣሜሪካ ዊልያም ሩቶ ንኽዕደም ዘይደገፈ፡ ምስ ዲሞክራስያዊ ስርዓቱ ብዝዛመድ ዘይኰነስ፡ግዜ ብናይ ምምችቻእ ጉዳይ እዩ ኢላ።
ቅድሚ ሕጂ ንከም ኢቤይን ሂውለትን ዝኣመሰሉ ትካላት ዝመርሐት ሜግ፡ ኬንያ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ስሊከን ሳቫና ንዘለዋ ዓቕሚ ትድግፍ እያ።
“ብሓቂ ኣብ ኣፍሪቃ ጽልዋ ምፍጣር እንተደሊኻ፡ ናብ ሃገራዊ ድራር ክዕደም ዘለዎ መን እዩ? ኬንያ ን60 ዓመታት መሻርኽቲ ኣሜሪካ እያ። ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተረጋግአ ዲሞክራሲ ዝሰፈነላ እያ። ፕረዚደንት ሩቶ ትኽክለኛ መራሒ እዩ” ኢላ።
ኣብ ምምሕዳር ሩቶ፡ ኬንያ ማእከል ዲፕሎማስን ንግድን እቲ ዞባ ኰይና።
ኣሜሪካ እውን ኣብዚ ኣጸጋሚ ዝዀነ ቀርኒ ኣፍሪቃ መሻርኽታ ዝዀነት ኬንያ እያ።
ዋላ’ኳ ሩቶ ምስ ቍጠባ እታ ሃገር ብዝዛመድ ኬንያውያን እንተተቓወምዎ፡ ኣብ ጉዳይ ክሊማዊ ለውጢ ብዝዛመድ ድምጺ ኣፍሪቃ ኰይኑ ኣሎ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ባይደን ካብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ብተሌፎን ዘዘራረበቶ መራሒ ሩቶ እዩ።
ኬንያ፡ ናብ ሀይቲ ወተሃደር ንምልኣኽ ፍቓደኛ ብምዃን’ውን ንኣሜሪካ ባህ ኣቢላታ እያ።
ተንተንቲ፡ ጆ ባይደን ናብ ኣፍሪቃ ምብጻሕ ንምግባር ዝኣተዎ ቃል ብዘይ ምዕዋቱ እዩ፡ ሩቶ ናብ ኣሜሪካ ከይዱ ይብሉ።
ባይደን፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ዝተቓንዐ ጉባኤ ኣፍሪቃ-ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ምብጻሕ ንምግባር ቃል ከም ዝኣተወ ይዝከር።
እንተዀነ ብኲናት ዩክረይን ሩስያን ቅልውላው ቓዛን ተጸሚዱ እዩ ዘሎ።
ኣፍሪቃን ኣሜሪካን ማዕረ ተረባሕቲ ንክዀና ሓድሽ ኣካይዳ ንምዝርጋሕ ቃል ኣትዩ። ሩቶ’ውን ናይዚ ቃል መርኣይያ እዩ።
ኣሜሪካ፡ ኣብ ኒጀር ኣብ ዝኣመሰላ ሃገራት ትብዳህ እያ ዘላ።
ልዕሊ ሓደ ሽሕ ወተሃደራታ፡ ኣብ ኒጀር ምስ እስላማዊ ዕጡቓት ክዋግኡ ጸኒሖም ኣለዉ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኒጀር ዕልዋ መንግስቲ ምስ ተኻየደ ግን፡ ኒጀር ገጻ ናብ ሩስያን ኢራንን ኣዚራ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እቲ ወተሃደራዊ ጕጅለ፡ ኣሜሪካ “ተኽብረኒ የላን” ብምባል ነቒፉ። ነዚ ድማ እዩ ኣሜሪካ ወተሃደራታ ካብ ኒጀር ንምውጻእ ዝወሰነት።
ኣብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ላዕለወይቲ ልኡኽ ኣፍሪቃ ሞሊ ፊ ከምትብሎ፡ ኣሜሪካ ኣብ ኒጀር ረብሓኣ ንምሕላው ዘኽእላ ኵነት ኣብ ከቢድ ደረጃ እዩ በጺሑ።
“ኒጀር ናብ ሩስያን ኢራንን ትቐርብ ምህላዋ የስግአና’ዩ። ከሰማምዓና ኣብ ዝኽእል ነጥቢ'ኳ እንተዘይበጻሕና፡ ዲፕሎማስያዊ ርክባትና ክቕጽል’ዩ” ኢላ።
ኒጀር፡ ናይታ ባዕዳዊት ገዛኢታ ዝነበረት ፈረንሳ ወተሃደራት’ውን ከም ዘባረረት ይፍለጥ።
እቲ ኣብ ኒጀር ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ናብ ካልኦት ሃገራት ሳሕል’ውን ተላቢዑ’ዩ። ሩስያ ድማ ነዳዲ ተፈጥሮ ንምርካብ ምስዘን ሃገራት ርክባታ ተሐይል ኣላ።
ቻይና’ውን፡ ኣብ ጉዳይ ንግዲ ኣብ ኣፍሪቃ ቀንዲ መነሓንሕቲ ኣሜሪካ እያ።
ብመሰረት ሓበሬታ ‘ጋልኣፕ’፡ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ጽልዋ ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ብቻይና ትምንጠል ኣላ። ኣብ ክራይስስ ግሩፕ ዳይረክተር ፕሮግራም ኣፍሪቃ ሙሪታ ሙቲጋ፡ “ኣብ ታሪኽ፡ ምዕራባውያን ኣፍሪቃ ክትፍታሕ ዘለዋ ጸገም ገይሮም እዮም ርእዮማ። ቻይና፡ ቱርኪን ሃገራት ዓረብን ግን ንኣፍሪቃ ከም ዕድል እዮም ዝርእይዋ” ይብል።
በዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣፍሪቃ ካብ ኣሜሪካ ወጻኢ ንዘለዋ ሃገራት ዝያዳ ክፍትቲ እናዀነት ከም ዝመጽአት የረድእ።
ጆ ባይደን፡ ንኣፍሪቃ ከም መሻርኽቲ ንምሓዝ ጻዕሪ ገይሩ’ዩ።
ኣፍሪቃ ብዝሒ ህዝባ ኣዝዩ እናዓበየ ይመጽእ ዘሎን ጸጋታት ተፈጥሮ ሃብታም ከም ዝዀነትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ “ናይ መጻኢ ኣህጉር” ብዝብል፡ ላዕለዎት ሰብመዚ ኣብ ኣፍሪቃ ዘድሃበ ምብጻሕ ይገብሩ ነይሮም።
ኣፍሪቃ ኣብ ጕጅለ-20፣ ትካል ገንዘብ ዓለምን ባንኪ ዓለምን ዘለዋ ውክልና ክብ ንምባል፡ ምስ ኣሜሪካ ዘለዋ ርክብ ጠቒምዋ እዩ።
ብኣንጻሩ፡ ኣሜሪካ ኣብ ቓዛን ኲናት ዩክረይንን ብዘለዋ መርገጺ፡ ክንድቲ ድጋፍ ትረክብ የላን።
ብኣንጎላ፡ ኮንጐን ዛምብያን ዝሓልፍ ‘ሎቢቶ ኮሪደር’ ካብ ፕሮጀክታት ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ሓደ እዩ።
ናይጀርያዊ በዓልሞያ ፖለቲካዊ ቍጠባ ኪንግስሊ ሞግሉ፡ “ኣብ ሎቢቶ ኮሪደር፡ ኣሜሪካ ኣፍሪቃውያን ዝርድእዎ ቋንቋ ንምዝራብ ትፍትን ኣላ” ይብል።
ንኣፍሪቃውያን ዝጠቅም ፕሮጀክት ምዝርጋሕ፡ “ከም ዲሞክራሲ ዝበሉ ጉዳያት ንምዝራብ መበገሲ ይዀኑ” ክብል የረድእ።
ኣብ ቻታም ሃውስ ሓላፊ ፕሮግራም ኣፍሪቃ ኣሌክስ ቪንስ ከም ዝብሎ፡ ኣፍሪቃውያን ምስ ምዕራባውያን ይረሓሓቝ ዘይኰኑ ዘለዉስ፡ ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት እዮም ዝወስዱ ዘለዉ።
“መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ኣሜሪካ፡ ሩስያ፡ ኢማራት ዓረብን ቱርክን ዝተወሰነ ነገር ክወስዳ ይደልያ” ይብል።
ንኒጀር ሓዊሱ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ’ውን ኣማራጺ ከም ዘለወን ሩቶ መርኣያ እዩ። ቪንስ ከም ዝብሎ ኣብ ኣፍሪቃ “ጸወታ ቸዝ” እዩ ዝካየድ ዘሎ።
“ንኣፍሪቃ ንምሽማው ሓድሽ ንሕንሕ ኣሎ። ጸዋታ ቸዝ እዩ። ኣፍሪቃ ግን ስቕ ኢላ ኣይትርእን። ንዝሓረየቶ ሰብ ምውሳዳ ከስደምሞም ኣይግባእን” ኢሉ።