መገሻ ካማላ ሃሪስ፡ ኣሜሪካ ንኣፍሪቃ ካብ ቻይና ክትምንጥላ ትኽእል ድያ?

ፈለማ ናብ ኣፍሪቃ መገሻ ዝገበረ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ እዩ። ሕጂ ኸኣ ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ኰይና፡ ኣብ መወዳእታ ዓመት ድማ እቲ ፕረዚደንት ባዕሉ ክመጽእ ትጽቢት ይግበር።

እዚ ላዕለዎት ሰባት ምምሕዳር ኣሜሪካ ዝገብርዎ ዘለዉ መገሻታት፡ ኣሜሪካ ምስታ ኣህጉር ዘለዋ ምትእስሳር ከተዕምቘ ከምዘለዋ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ድሌት ዘንጸባርቕ እዩ።

እዚ ኵሉ ዝመጽእ ዘሎ ግን፡ ካብ ካልኦት ዓለማዊ ሓይልታት ብፍላይ ድማ ካብ ቻይናን ሩስያን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ንሕንሕ ስዒቡ እዩ።

ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ናብ ታንዛንያን ዛምብያን ቅድሚ ምኻዳ ናይ ትሽዓተ መዓልታት ጕዕዞኣ ኣብ ጋና ክትዛዝም እያ።

ጋና፡ ምስ ኣፍሪቃዊ ዲያስፖራ ዘለዋ ርክብ ኣብ ምሕያል ትዅረት ዝገበረት ከምኡ’ውን ሓያሎ ሰላማዊ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ስልጣን ዘለዋ ኰይና፡ ንወ/ሮ ሃሪስ ምቹእ መበገሲ ቦታ ኰይና ኣላ።

መገሻኣ፡ ብመሰረት ወግዓዊ መግለጺ፡ ኣብቲ ኣብ ታሕሳስ ኣብ ዋሽንግተን ዝካየድ ዋዕላ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ዝዓለመ ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ኣሜሪካ "ኣብ መጻኢ ኣፍሪቃ ኣትኲራ ትሰርሕ ኣላ" ኢሉ።

ግን እቲ ብዘይተኣደነ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት እታ ኣህጉር ዝተደፋፍአ መጻኢ’ዩ፡ ንብዙሓት ካልኦት ንጽልዋ ዝወዳደሩ ሓያላት ሃገራት ዝስሕብ ዘሎ።

ጸሃፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ኢትዮጵያን ኒጀርን ዘካየዶ ዑደት፡ ኣብ ጸጥታዊ ብድሆታት እዘን ሃገራት ዘተኮረ ክኸውን እኝከሎ፡ ዑደት እታ ምክትል ፕረዚደንት ከቢድ ቁጠባዊ ጸገም ናብ ዘጋጥመን ሃገራት ክወስዳ እዩ።

ኣብ ሓደ እዋን ምዕቡል ቁጠባ ዝነበራ ጋና ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ዝኸበደ ፋይናንሳዊ ቅልውላው ኣጋጢምዋ ኣሎ።

እታ ሃገር ልዕሊ 50% ዝቕባበ ዋጋታት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ዕዳኣ ዳግመ ግምት ክግበረላ ትጽዕር ኣላ።

ሚኒስተር ፋይናንስ ኬን ኦፎሪ-ኣታ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ በይጂን ምስ መንግስቲ ቻይና ንዝተኻየደ ጕዕዞ ዝመርሐ እዩ።

እቲ ሚኒስተር ፋይናንስ፡ "ኣብ ቻይና ኣዝዩ ኣወንታዊን ዘተባብዕን መርገጺ ኣሎ" ክብል፡ ተስፋ ዝህብ ነገር ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ካብ ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ (IMF) ዝመጽእ ፋይናንሳዊ ደገፍ ንምኽፋት እቶም መረጋገጺታት የድልይዎ።

ሚስ ሃሪስ እንታይ ሓገዝ ክትህብ ከምእትኽእል ንጹር ኣይኰነን፤ እንተኾነ ድሕሪ ዑደት ሚስተር ኦፎሪ-ኣታ ናብ ቻይና፡ ከም ፈታዊት ሃገር ገለ ክትገብር ጸቕጢ ክግበረላ እዩ።

'ምሕዝነት ኣሜሪካ - ከም ቻይናን ሩስያን’

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጋና ክኢላ ስነ-ቝጠባን ፕሮፌሰር ፋይናንስን ጐድፍሬድ ኣሉፋር ቦክፒን፡ እቲ ዑደት "ቅጽበታዊ ሓገዝ" ዘምጽእ ኣይመስሎን።

"ቻይና ኣብቲ ርክባት ምህላዋ ዝተሓላለኸ'ዩ" ዝበለ እቲ ፕሮፌሰር፡ እንተዀነ ዑደት ሚስ ሃሪስ "ምስ ኣሜሪካ ዘለና ርክብ ናብ ካልእ ደረጃ ስለዘዕብዮ ንጋና ኣዝዩ ኣገዳሲ" ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ኣሜሪካ ኣብታ ሃገር ተርእዮ ዘላ ተገዳስነት "ጽቡቕ" ምዃኑ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ ኣለቃሕቲ ሃገራት ግን "ዘይምቹእ ውዕላት ንግዲ" ክብል ዝገለጾ ስክፍታ ከምዘለዎ ገሊጹ።

ኣብታ ብማዕድን ኮፐር እትፍለጥ ዛምብያ’ውን ከምኡ ተማሰሳሊ ስምዒት እዩ ዘሎ።

ኣብ ኣፍሪቃ ምስ ካልኦት ሃገራት ዓለም ኣብ እትገብሮ ዝምድና፡ ናጻ ምርጫ ክህልዋ ኣለዎ ዝብል ስምዒት እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ።

ዶክተር ሲሹዋ ሲሹዋ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ዛምብያ ንኣሜሪካ ብተመሳሳሊ መገዲ ንቻይናን ሩስያን ትርእየን - መሓዛ እያ" ኢሉ።

"ሓንቲ ሃገር ንደገፍ ናብ ቻይና፡ ወይ ሩስያ፡ ወይ ኣሜሪካ ክትጥምት እንከላ፡ እዚ ንሓደ ዓቢ ሓይሊ ድጋፍ ወይ ነቲ ካልእ ምጽራፍ ኰይኑ ክረአ የብሉን።"

ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሕታዊ ዝምድና ንምድላይ ዝግበር ፈተነታት፡ ኣንጻር ኣፍራይነት ኰይኑ ዘላቒነት ዘይብሉን ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሩ።

እዚ ድማ፡ ነቲ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝገበሮ ዑደት ዝሃቦ ርእይቶ ዘቃልሕ ኰይኑ፡ "ምስ መን ከም እንራኸብ ዝዀነ ሰብ ክነግረና ኣይንደልን" ኢሉ ነይሩ።

ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣሜሪካ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ መን ክቀራረባ ከምዝኽእላ ንምንጋር ዕላማኦም ከምዘይኮነ ገሊጾም።

ኣሜሪካ ግን ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ እትገብሮ ርክብ፡ ትዅረት ዲሞክራሲ ከተስምረሉ ድሌት ከምዘለዋ ምክትል ፕረዚደንት ኣብ እዋን ዑደታ'ውን ክትዝትየሉ ትጽቢት ይግበር።

ፕረዚደንት ዛምብያ ሃካይንደ ሂቺለማ፡ ንሚስ ሃሪስ ኣብታ ሃገር ቅድሚ ምቕባሉ፡ ቕሩብ ፕረዚደንት ባይደን ምስ ዝርከቦም ኣርባዕተ መራሕቲ ሃገራት ቨርቹዋል ዋዕላ ንዲሞክራሲ ብሓባር ከአንግዱ እዮም።

መንግስቲ ኣሜሪካ ምስታ ኣህጉር ዘለዎ ዝምድና - ካብ ቻይናን ሩስያን ዝተፈልያ - ሰብኣዊ መሰላትን ሰናይ ምምሕዳርን ተደሚሩ ካብ ዘሎ ክብርታት ዝነቐለ ምዃኑ ሓደ እዩ።

ጥርጣረታት ኣብ ኣፍሪቃ

ቻይና ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ሃገራት ኢዳ ናይ ዘይምእታው ፖሊሲ ኣለዋ። እዚ ድማ ምስ ምልካውያን መራሕቲ ዘለዋ ምትእስሳር ዘለስልሰ እዩ።

ከምኡ’ውን ሩስያ ኣብተን ኣብዚ ቀረባ እዋን ዕልዋ መንግስቲ ዘጋጠመን ሃገራት ኣፍሪቃ - ቡርኪናፋሶን ማሊን - ምህላዋ፡ ኣብ መንጐአንን ኣብ መንጐ ምዕራባውያን ሃገራትን ብፍላይ ድማ እታ ምስ ክልቲአን ሃገራት ጥቡቕ ርክብ ዝጸንሓ ባዕዳዊት ገዛኢት ሓይሊ ነበር ፈረንሳን ዝምድናኣ ከም ዝሓርር ገይርዎ ኣሎ።

ሩስያ ንዩክረይን ምውራራ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምዕዋት ተወሳኺ ናይ ተገዳስነት ስምዒት ከም ዝፈጠረሎም ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሩስያ ንኽኹንን ዝሃቦ ድምጺ፡ እታ ኣብ መደብ መገሻ ሚስ ሃሪስ እትርከብ ታንዛንያ ሓዊስካ፡ ፍርቂ ካብ ኵሎም ድምጺ ዝሃቡ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተመቓቐለ እዩ።

ምክትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ - ምስዛ ስልጣን ዝሓዘት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ -ፕረዚደንት ሳሚያ ሱሉሁ ሓሰን፡ ፈላሚት ጓል ኣንስተይቲ መራሒት ሃገር ሃገራ ክትራኸብ እያ።

ብዙሓት'ውን ነቲ ዑደት ኣመልኪቶም፡ እታ ሃገር እትገብሮ ዘላ ምዕባለን ኣብ ዓለማዊ መድረኽ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ርኡይነትን ዝድግፍ ምዃኑ ይገልጹ ኣለዉ።

ታንዛንያ ኣብ ትሕቲ ፕረዚደንትነት ጆን ማጉፉሊ - ምልካዊ ዝንባለታት ከም ዝነበሮ ዝረአ -ንጥፈታት ተቓወምትን ነጻ መራኸቢ ብዙሃንን መሰል ዝቕንጥጥ ዝነበረ እዩ።

ሚስ ሃሪስ ካብ ምምሕዳር ባይደን ናብ ኣፍሪቃ እትበጽሕ ዘላ ዝለዓለት በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ኰይና፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ታሕሳስ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ድማ ሓምሸይቲ’ያ።

ምስቲ ምጅማር ሓድሽ ርክባት ግን፡ ካብታ ኣህጉር ፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ክግበረሉ ዝቐርብ ጠለብ ይመጽእ ኣሎ።

ጋናዊ ፕሮፌሰር ቦክፒን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ልዑል ተገዳስነት ጥርጣረ ከምዘሎ ገሊጹ።

"ሓድሽ ምክፍፍል ንኣፍሪቃ፡ ጸወታ ይጅመር ኣሎ ዝብል እምነት ኣሎ፡" እዚ ድማ ኣብ መወዳእታ መበል 19 ክፍለ ዘመን ብሃገራት ኣውሮጳ ነታ ኣህጉር ንዓሰርተታት ዓመታት መግዛእትን ምዝመዛን ዘስዓበ ምምቕቓል ኣህጉር ዘዘኻኽር እዩ።

"እዚ ጽምዶ ሓድሕዳዊ ምክብባር ከጕልሕ ኣለዎ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።