ትራምፕ፡ ድምጺ ጸለምትን ላቲኖን ንምርካብ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ

ዶናልድ ትራምፕ ቅድሚ’ቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ፡ ካብ ጸለምትን ላቲኖን መረጽቲ ድምጺ ብምርካብ ንክዕወት ጻዕሪ ይገብር’ዩ ዘሎ።

ትራምፕ፡ ትማሊ ኣብ ኒውዮርክ ከባቢ ሳውዝ ብሮንክስ ጐስጓስ ኣካይዱ፤ ምስ ጸሊም ኣባል ኮንግረስ ሪፐብሊካን ፍሎሪዳ ባይሮን ዶናልድስ ኣብ ሓደ መድረኽ ኮይኖም'ዮም ጎስጓስ ኣካይዶም።

እቲ ሕጹይ ፕረዚደንት ሪፓብሊካን ደገፍ ውሑዳት ብሄራት መረጽቲ ንምርካብ ኣብ ዝፍትነሉ ዘሎ እዋን፡ ትራምፕ ድሕሪ ኣስታት ሸሞንተ ዓመታት’ዩ ኣብ ኒውዮርክ ናይ መጀመርታ ጐስጓስ ገይሩ።

ኒውዮርክ ታይምስን ሲየናን ዘካየዱዎ ዳህሳስ ከም ዝሕብሮ፡ ሕጹይ ዴሞክራት ባይደን፡ ኣብ ወሰንቲ ግዝኣታት ካብ ወሰንቲ ጉጅለታት ደገፍ ይስእን ከም ዘሎ የመልክቱ።

ብሮንክስ ብቐንዱ ሂስፓኒክን ጸለምትን ዝነብሩሉ ከባቢ ኰይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ዕርዲ ዴሞክራት ኰይኑ’ዩ ጸኒሑ።

ትራምፕ ብዛዕባ ኣብታ ከተማ - መብዛሕትኡ ዕድሉን ዝናኡን ዝሃነጸላ ቦታ - ብዛዕባ ዘዕረፎ ኣሰር ነዊሕ ተዛሪቡ።

“ንመላእ ዓለም ኣነቓቒሕና ኢና” ክብል ኣብ መጀመርታ ናይቲ ኣስታት 90 ደቓይቕ ዝወሰደ መደረኡ እኳ እንተገለጸ፡ ሕጂ ግን እታ ከተማ ናብ “ውድቀት” ክትንቆት ይርኢ ኣለኹ ኢሉ።

ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣብታ ከተማ ሰፊሕ ገበንን ዝፈርስ ትሕተ ቅርጽን ከም ዘሎ ተዛሪቡ። ነዚ፡ ባይደንን ብብዝሒ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ዝሰግሩ ስደተኛታትን ኣብ ውሑዳት ከባቢታት ቁጠባዊ ጽልዋ ከም ዘሕደሩ ወቒሱ።

ትራምፕ፡ “እቲ ዝዓበየ ኣሉታዊ ጽልዋ [ዘይሕጋዊ ስደት] ኣብ ልዕሊ ጸሊም ህዝብናን ሂስፓኒክ ህዝብናን'ዩ፤ ንሳቶም ስራሕ፣ ኣባይቲ ይስእኑ ኣለዉ፤ ኩሉ ነገሮም ይኸስሩ ኣለዉ” ኢሉ።

ትራምፕ፡ ናብ ብሮንክስ ቅድሚ ምኻዱ እንታይ ዓይነት ኣቀባብላ’ዩ ክጸንሖ ዝብል ዓብዪ ስክፍታ ነይሩ።

ሓደ ውልቀ-ሰብ ቅድሚ እቲ ጐስጓስ ንጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “እንተዝጠፍእ ጽቡቕ ነይሩ፤ ኣነ ንትራምፕ ዝድግፍ ዝፈልጦ ሰብ የለን” ኢሉ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ወሃብቲ ርኢይቶ ድማ፡ ትራምፕ ደፊሩ ልሙድ ናብ ዘይኰነ ከባቢ ምምጽኡ ከም ዝንእድዎ ገሊጾም።

“ንሱ ናብ ብሮንክስ ምምጽኡ ልክዕ ተባዕ ስጉምቲ'ዩ፤ ነዚ ክብሪ ኣለኒ” ዝበለ ጀፍሪ ዳቪስ ንትራምፕ ዝድግፈሉ ምኽንያት፡ “ፕረዚደንት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ውግኣት ኣይነበረን። ኲናት ዩክሬን-ሩስያ ኣይነበረን። ኲናት እስራኤል-ቓዛ ኣይነበረን” ኢሉ።

ትራምፕ ኣብ ወሳኒ ለውጢ ከምጽኣ ዝኽእላ ግዝኣታት ምስ ውሑዳት ማሕበረሰባት እወንታዊ ጽልዋ ንምፍጣር ዝገብሮ ፈተነታት እናወሰኸ’ዩ መጺኡ።

ባይደንን ትራምፕን ቅድሚ እቲ 5 ሕዳር 2024 ዝካየድ መረጻ ኣብ ጽኑዕ ንሕንሕ’ዮም ዝርከቡ።

ትራምፕ ኣብ ኒውዮርክ ብምኽንያት ንኣመሪካዊት ኮኸብ ፊልም ፖርኖግራፊ ዳኒኤላ ስቶርም ኣፍ ንምትሓዝ ከፊልዎ ዝተባህለ ገንዘብ ናብ ቤት ፍርዲ ክመላለስ ምጽንሑ ይዝከር።

ድሕሪኡ፡ ፌደሬሽን ጸለምቲ ዓቃባውያን ኣብ ዝተባህለ ደገፍ ሪፐብሊካን ጸለምቲ መረጽቲ ንምስፋሕ ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ ተረኺቡ ዘረባ ኣስሚዑ ነይሩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኒውዮርክ ታይምስን ሲየናን ዘካየዱዎ ዳህሳስ፡ ትራምፕ ኣብ ሓሙሽተ ወሳኒ ንሕንሕ ዝርኣየለን ግዝኣታት ንባይደን ይስዕሮ ከም ዘሎ፤ እዚ ድማ ብኸፊል ጸለምትን ላቲኖን መረጽቲ ካብ ሰልፊ ዴሞክራት ብምርሓቖም ዝስዓበ ከም ዝዀነ የመልክት።

ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣብ መረጻ 2020 ንክዕወት እዞም ክፋል ሕብረተሰብ ልዑል ኣበርክቶ ከም ዝነበሮም ይግንዘብ’ዩ። ነዚ ሸቶ ንምህራም ድማ ሚልዮናት ዶላር ኣውጺኡ።

መንእሰያት መረጽትን ጸለምቲ ዘይኰኑ መረጽትን፡ ብናህሪ ዋጋታትን ዋይት ሃውስ ንእስራኤል ዘለዎ ደገፍን ዝኣመሰሉ ጉዳያት እናተቘጥዑ ኣብ ዝኸዱሉ ዘለዉ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ባይደንን ዴሞክራትን እምነት ዝስእኑ ዘለዉ ይመስሉ።

ፕረዚደንት ባይደን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሞርሃውስ ዩኒቨርሲቲ (ብታሪኽ ናይ ጸለምቲ ዝዀነ ኮሌጅ) ዘረባ ኣብ ዘስምዓሉ ዝነበረ እዋን፡ ነቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝኣለየሉ መገዲ ዝተቓወሙ ሓያሎ ተመረቕቲ ነቲ ፕረዚደንት ሕቖኦም ሂቦምዎ’ዮም።