እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዱባይ፡ ብብልዮናት ዶላራት ብቅርጺ ዓለም ዝሰርሓተን 260 ደሴታት ኣበይ በጽሓ?
ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ዱባይ ብዓብይቲ ፕሮጀክትታታ ንዓለም ከተገርማ ጸኒሓ’ያ።
ካብ ዓለም እቲ ዝነወሐ ህንጻ፤ ቡርጅ ካሊፋ ኣብ ዱባይ’ዩ ዘሎ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝበለጸ ብዓል ሸውዓት ኮኾብ ሆቴል፤ ቡርጅ ኣል ዓረብ ኣብ ዱባይ’ዩ ዘሎ።
እቲ ብቅርጺ ዓርኮብኮባይ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ማእለያ ዘይብሉ ውቁብ ህንጻታታት ዝተሰርሖ ሰብ ዝሰርሖ ደሴት ኣብ ዱባይ’ዩ ዘሎ።
እንተዀነ ዱባይ ብቅርጺ ዓለምን ክፍሊ ኣህጉራትን ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ዝሰርሐቶ 260 ደሴት መጀመርታ ኣዝዮም ህቡባት ናይ ዓለምና ኣብቲ ሰብ ዝሰርሖ ደሴት’ኳ መሬትን ኣባይትን ገዚኦም'ኳ እንተነበሩ፡ እታ ደሴት ከምቲ ዝተዘመረላ ኣይቀጸለትን።
እታ ደሴት፡ ንዝሓለፈ 20 ዓመታት በረውረው’ያ ኢላ ዘላ፡ እቲ ምኽንያት እንታይ’ዩ?
ብቅርጺ ዓለም ዝተሰርሓ ደሴታት
እታ 'ዓለም' ዝተሰመየት ሰብ-ሰርሖ ደሴት፡ ብ260 ደሴታት ዝቖመት ኰይና ኣብ ውሽጣ ብቅርጺ ኣፍሪቃ፣ ኣንታርቲካ፣ ኤስያ፣ ኣውሮጳ፣ ሰሜንን ደቡብን ኣሜሪካን ኦሺንያን ዝቖመት እያ።
ካብ ገምገም ናብ ውሽጢ ባሕሪ ድማ 4 ኪሎሜተር ርሕቕ ኢላ’ያ ተሰሪሓ።
ኩለን እተን ደሴታት ከከምቲ ተደኵነናሉ ዘለዋ ሽም ሃገራት፡ ከተማ ወይ ዞባ ተዋሂብወን’ዩ።
መንግስቲ ዱባይ ነተን ደሴታት ቢልዮናት ዶላራት ኣውጺኡ ክሰርሐን እንከሎ፡ ዓበይቲ ትካላት ዓለም ኣብተን ደሴታት ሆቴላት፣ ኣብያተ መግቢ፣ መዘናግጺ ማእከላትን ኣዝዮም ውቁባት መንበቲ ባይትን ክሰርሓ’የን ዝብል ግምት’ዩ ነይርዎ።
ብመንግስቲ ዝድገፍ 'ናኬል ፕሮፐርቲስ' ዝተባህለ ዓቢ ትካል፡ ነቲ ብቅርጺ ዓርኮብኮባይ ዝተነድፈ ኣብ ውሽጡ 4000 ኣዝዮም ውቁባት ኣባይትን ዓሰርተታት ሆቴላትን ዝሓዘ ደሴት ‘ፓልም ጁመርያህ’ ስሪሑ ውድእ ምስ ኣበለ’ዩ ኣብ 2003 እቲ ትካል ብቅርጺ ዓለም ዝቖማ ደሴታት ክሰርሕ ሓላፍነት ተዋሂብዎ።
እዘን ደሴታት ንዱባይ ተወሳኺ 230 ኪሎሜተር ገማግም ባሕሪ ንኽህልዋ ዘኽእላ'የን።
ብዘይካ’ዚ እቲ ብሸኽ መሓመድ ኣል መኽቱም ዝተመረቐ ዓቢ ፕሮጀክት ንዱባይ ዝያዳ መስሕብ በጻሕቲ ንኽትኸውን ከኽእል’ዩ ተባሂሉ’ዩ ተኣሚንሉ።
ብኸመይ’የን ተሃኒጸን?
እቲ ብመንግስቲ ዝድገፍ ናኬል ፕሮፐርቲስ ዝተባህለ ዓቢ ትካል እቲ ትካል ምርቕ ምስ በለ ኣብ 2003 ቀልጢፉ’ዩ ስርሑ ጀሚሩ።
እተን ሰብ-ሰርሖ ደሴታት ካብ ወሽመጥ ፐርሽያ ብዝመጽአ 321 ሚልዮን ኵዩቢክ ሜተር ሑጻ’የን ተሰሪሐን።
ተመራመርቲ ስነ ከባቢ፡ ነቲ ሑጻ ኣብ ምግሓጥ ኣብ ወሽመጥ ፐርሽያ ኣዝዩ ብዙሕ ኮራል ከም ዝዓነወ ይነቅፉ።
ትካል ናኬል ግን ዝዀኑ ትሕተ ማያዊ ፍጡራት ንኸይፈናቐሉን ኮራላት ንኸይበርስን ኩሉ ዝክኣሎ ከም ዝገበረን ኣብ ገለ ገለ ቦታታት’ውን ነቲ ኮራል ብዘይ ዕንወት ናብ ካልእ ቦታ ከም ዘግዓዞን’ዩ ዝሕብር።
እተን ደሴታት እንታይ’ዩ ኣጋጢምወን?
ትካል ናኬል ነተን ደሴታታትን ማዕበል ናብተን ደሴታት ከይኣቱ ዝጋርድ መኸልከልን ኣብ 2008 ኣብ ዝወድኣሉ 70 ሚኢታዊት ካብተን ደሴታት ከም ዝተሸጣ ኣፍሊጡ።
እንተዀነ ካብ 2007 ክሳብ 2010 ብደረጃ ዓለም ቁጠባዊ ቅልውላው ስለ ዘጋጠመ፡ ኣብ ውሽጢ እተን ደሴታት ክስራሕ ተሓሲቡ ዝነበረ መሳለጥያታት ከምቲ ዝተወጠኖ ክሳለጥ ኣይክኣለን።
ኣብቲ እዋን ቁጠባ ዱባይ ሮማዕ ስለ ዝበለ፡ ብዙሓት ኣብታ ሃገር ዘውፈሩ ውልቀሰባት መደባቶም ከደስክሉ ወይ ፈጺሞም ከቋርጽዎ ተራእዮም።
ትካል ናኬል’ውን ናይ ቢልዮናት ዶላርት ዕዳ መጽኦ።
እንተዀነ ኣቡዳቢ ኣብ 2009 ኣብ ዱባይ ናይ 10 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ምስ ገበረት ትካል ናኬል ቅሩብ ፍኒሕኒሕ ክብል ጀሚሩ።
ከምቲ ዝነበሮ ግን ክኸውን ኣይክኣለን።
ክሳብ ሕጂ ኣብተን ደሴታት እንታይ ዝተሃነጸ ነገር ኣሎ?
ትካል ናኬል ኣብ መጀመርታ ኣብ ላፕላንድ ዝተባህለት ደሴት ንመርኣዪ ዝኸውን ውቑብ ገዛ ብምስራሕ፡ ነቲ ኣብቲ እዋን ኣብ ውድድር መኪና ፎርሙላ ዋን ኣዝዩ ዓበይቲ ዓወታት ዘመዝግብ ዝነበረ ማእክል ሽማከር ከም ህያብ ኣበርኪትሉ።
ኣብ 2012’ውን ሮያል ኣይላንድ ኒች ዝትበሃለ ትካል ኣብ ደሴት ሊባኖን [ሽም ሓንቲ ካብተን ደሴታት] ኣዝዩ ውቁብ ኣብያተ መግብን ባርን ዘለዎ መዘናግዒ ማእከል ሃነጸ።
ኣብ 2022’ውን ኣናታራ ዎርልድ ኣይላንድስ ዝተብሃለ ትካል ኣብ ሓንቲ ካብተን ደሴታት ሆቴላትን ቪላታታትን ሰሪሑ።
ካብዚ ወጻኢ እቲ ዝተረፈ ክፋላት ናይተን ደሴታት ጥራዩ’ዩ ዘሎ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ኒውካስል ፕሮፌሰር ጅኦግራፍ ዝኾነ ኣልሰታር ቦነት እተን ብቅርጺ ዓለም ዝተሰርሓ ደሴታት ዘለወን ጸገማት ክገልጽ እንከሎ “ሓደን ቀንድን ጸገም ናይዘን ደሴታት ከምቲ ናይ ደሴት ‘ፓልም’ ምስ ዱባይ ዘራኽብ መሬታዊ መስመር የብለንን” ይብል።
እቲ ፕሮፌሰር ብምስዓብ “ናብተን ደሴታት ብመኪና ክትከደሉ ዘኽእል ድልድል የለን፤ እተን ደሴታት’ውን ንሓድሕደን ዘራክበን ዋላ ናይ ሓመድ ጽርግያ የብለንን። ናብተን ደሴታት ብጃልባ ኢኻ ትኸይድ ናብ ጎረቤትካ ዘለ ደሴት ክትከይድ’ውን ግድን ኢካ ጃልባ ክትትቀም” ብምባል እተን ደሴታት ዝጎደለን ነገር ይዝርዝር።
ኣብተን ደሴታት ዝኾነ ህንጻ ክትሰርሕ እንተዀንካ ኩሉ ሃለኽቲ ነገራትን ሰራሕተኛታትን ብጃልባ ኢኻ ከተንቀሳቕሶ ትግደድ።
እዚ ኸኣ ትካላት ህንጻ ኣብቲ ደሴት ዝኾነ ስራሕ ከይሰርሓ ዓንቊጽወን ካብ ዘሎ ማሕለኻ ከም ዝዀነ ፕሮፌሰር ኣልሰታር ቦነት ይሕብር።
ኣብ መጻኢ እዘን ደሴታት እንታይ’የን ክዀና?
ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዱባይ ዝመደበሩ ክለይንደይንስት ዝተባህለ ኣብተን ደሴታት ‘ሀርት ኦፍ ዩሮፕ’ ዝሰመዮ ፕሮጀክታት ይሰርሕ ኣሎ።
ክሳብ ሕጂ 5 ቢልዮን ዶላር ብምውጻእ ኣብ ዱባእ ኣብተን ጀርመን፡ ሞናኮ ስዊድንን ቬንስን [ሽም ናይተን ደሴታት'ዩ] ተባሂለን ተሰይመን ዘለዋ ደሴታት ዘመናውያን ሆቴላት፡ ኣዝዮም ውቅባት መንበሪ ኣብ ምህናጽ ይርከብ።
እቲ ትካል ኣብተን ደሴታት ‘ረይን ስትሪት’ ዝተሰመየ ጎደና’ውን ይሃንጽ ኣሎ።
እዚ ጎደና እዚ ሙቐት ኣብ ዝብርትዓሉ በቲ ጎደና ዝንቀሳቐሱ ሰባት ልክዕ ከም ‘ሻወር’ ማይ ዝነጽግ መሳርሒታት ዝተገጥመሉ’ዩ።
እቲ ትካል ዘካይዶ ዘሎ ህንጻዊ ስርሓት ኣብ 2026 ክውድእ ወጢኑ’ዩ ዝሰርሕ ዘሎ።
ናኬል’ውን ነተን ኩለን ደሴታት ንሓድሕደን ብመሬት ከም ዝራኸባን ዝያዳ መሰጥቲ ንምግባረንን ምስ ካልኦት ኮንትራክተራት ብምዃን ሕጊግ ይብል ኣሎ።
ኣብ መጀመርታ ነፍሲ ወከፍ ደሴት ናይ ግዛእ ርእሳ ቀረብ ማይን ኤለትሪክን ከም ዝህልዋ’ዩ ተሓሲቡ ነይሩ።
እንተዀነ እዚ ዘየዋጽእ ከምዝኾነ ምስ ተረድኡ’ዮም ንሓድሕደን ንምርኻብ ዝሰርሑ ዘለዉ።
እዚ ምስ ኰነ'ኸ እተን ደሴታት ዝገዝእውን ዓማዊል ክርከቡ ድዮም ዝብል ሕቶ ግን ብሕጂ ዝርአ’ዩ ክከውን።