እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኵነታት ሩስያ ብኸመይ'ዩ ንዋጋ ኣባይቲ ዱባይ ዝጸልዎ ዘሎ?
ኣብዚ እዋን፡ ኣብታ ማእከል ሰፋሕ ማእከል ንግድን ቍጠባን ዝዀነት ዱባይ ዘሎ ናህሪ ዋጋታት ክራይን መሸጣን ኣባይቲ ኣዛራቢ ኰይኑ ምህላዉ እዩ ዝግለጽ። ቢቢሲ ነቲ ኵነታቱን ጠንቁን፡ ብዝተፈላለየ ኵርናዓቱ ዳህሲስዎ ኣሎ።
ኣሬታ ፕሪቶርየስ ንኣብነት በዚ ኵነታት ተሸጊሮም ካብ ዘለዉ ስድራቤታት ሓንቲ እያ። ኣሬታን ክሪስን ኣብ 2011 ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ዱባይ ካብ ዝግዕዙ ንደሓር ንመበል ንሓሙሻይ ግዜኦም እዮም ገዛ ዝቕይሩ ዘለዉ።
እዞም ስድራ ካብ 2019 ጀሚሮም ኣብታ ኣብ ማእከል ከተማ እትርከብ ሰለስተ መደቀሲ ክፍሊ ዘለዋ ቪላኦም ይነብሩ ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግን እቶም ዘካረዩዎም ዋና ገዛኦም ናብቲ ቪላ ክግዕዙ መደብ ስለዘለዎ ኣብ መጋቢት ምስተወድአ እቲ ውዕል ክራይ ከምዘየሐድሶ ዝገልጽ ምልክታ በጺሕዎም።
በዚ ድማ ንሳምንታት ዝኣክል ሓድሽ ገዛ ክደልዩ ኣብ ኮለል ብምንባሮም ኣዋርሕ ለካቲትን መጋቢትን ንኣሬታ ፕሪቶርየስ ወጥሪ ዝመልኦ እዩ ነይሩ።
ኣብቲ ዝነብሩሉ ከባቢ ዝካረ ገዛ ክረኽቡ'ኳ እንተፈተኑ፡ ዓመታዊ ክራይ ገዛውቲ ካብቲ ክኸፍልዎ ዝጸንሑ $34,000 (£28,000) ማለት ብ75% ዝለዓለ ምዃኑ ምስ ፈለጡ ግን ሰንቢዶም።
ኣብ መወዳእታ ካብቲ ሕጂ ዘለዉዎ ቦታ ብዓቐኑ ዝነኣሰን ካብ ማእከል ከተማ ነዊሕ ርሕቀት ዘለዎን ግን ከኣ ብ$45,000፡ ማለት 32% ዝያዳ ካብቲ ክኸፍልዎ ዝጸንሑ ረኺቦም።
''ንሰሙናት ከም ዕቡዳት ገዛ እናደለና ንዘውር ኔርና። ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ኵነታት ካብ ምቕባሉ ሓሊፍና ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረናን። ሕጂ ኣብ ዝነኣሰ ገዛ ክንነብርን ዝያዳ ክንከፍልን ክንግደድ ኢና" ትብል ኣሬታ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ዕዳጋ ኣባይቲ ዱባይ ዝተፈላለየ ውረድ ደይብ ሓሊፉ'ኳ እንተነበረ፡ ኣሬታ ግን ገዛ ንምርካብ ከምዚ ናይ ሎሚ ተጺጊሞም ከምዘይፈልጡ ትዛረብ።
"ቅድሚ 10 ዓመት'ውን እንተዀነ ክራይ ገዛ ኣዝዩ ልዑል'ኳ እንተነበረ ኣይከም ናይ ሎምዘበንን” ትብል።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዱባይ ብማእከላይ ገምጋም ክራይ ገዛ ብ36% ከምዝወሰኸ ቤተርሆምስ ዝተባህለ ትካል ኣባይቲ ይሕብር። ቪላ ዝደልዩ ሰባት ጥራይ ኣይኮኑን ብድሆታት ዘጋጥሞም ዘሎ።
ኣፓርታማታት ሓዊሱ ኣብ ኵሉ ክራይ ገዛ ወሲኹ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብቶም ዓንዲ ሕቘ ቍጠባ እታ ሃገር ዝዀኑ ወጻእተኛታት፡ ምስቲ ዘሎ ናህሪ ዋጋታት ጸቕጢ መነባብሮ ይፈጥረሎም ኣሎ።
ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ወሰኽ ክራይ ኣባይቲ፡ ንገለ ከም በዓል ዋኳር ኣንሳሪ ዝኣመሰሉ ተኻረይቲ - ካብ ዱባይ ናብታ ክራይ ገዛ ትሑት ዝኾነ ጐረቤት ኢማራት ሻርጃ ክግዕዙ ኣገዲድዎም።
ዋኳርን ስድራኡን ኣብ ደቡብ ዱባይ ኣብ ዝርከብ ሓደ መደቀሲ ክፍሊ ዘለዎ ኣፓርታማ ዓመታዊ 9500 ዶላር (7750 ፓውንድ) ይኸፍሉ ነይሮም።
ዝሓለፈ ወርሒ ውዕል ክራይ ክውዳእ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ እቲ ዋና ነቲ ክራይ ገዛ ብኣስታት 3000 ዶላር ክውስኾ ደልዩ። ኣብ መጀመርታ ኣብ ተመሳሳሊ ከባቢ ሓድሽ ኣፓርታማ ንምርካብ'ኳ እንተናደየ፡ ክራይ ገዛ ግን ብልዕሊ 40% ወሲኹ ነይሩ።
"ካብ 10-15% ዝያዳ ክኸፍል ፍቓደኛ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣብ ዱባይ ገለ ካልኦት ከባቢታት'ውን ርእየ፡ ግናኸ ምስቲ ባጀት ዝመጣጠን ጽፉፍ ኣፓርታማ ግን ኣይረኸብኩን። እቲ እንኮ ኣማራጺ ናብ ሻርጃ ምግዓዝ እዩ ነይሩ" ይብል።
ምስቶም ኣብቲ ክነብሩሉ ዝደልዩ ከባቢታት ዝርከቡ ኣባይቲ ክነጻጸሩ እንከለዉ፡ ናብ ዱባይ ዝኣትዉ ሰባት ኣዝዮም ይበዝሑ። ኣብ ዕዳጋ ክራይ ገዛ ክኸብር ዝድርኽ ዘሎ ድማ ሕጽረት ቀረብ እዩ" ይብል።
ኣብ ዱባይ ጸረ-ዋጋ-ምጉዳል ሕግታት፡ ነቲ ዋጋ ናብ ዘይፍትሓዊ ደረጃ ምውሳኽ፡ ማለት ኣካረይቲ፡ ንዝነበሩ ተኻረይቲ እንተበዝሐ ብ20% ክራይ ክውስኹ የኽእሎም። ኣካረይቲ ገዛ እውን ብዘይ ምኽንያት ተኻረይቲ ከባርሩ ኣይክእሉን እዮም።
እንተዀነ ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ብዙሓት ተኻረይቲ፡ ካብቶም ኣካረይቲ ገዛውቲ፡ ባዕሎም ናብቲ ኣፓርታማ ክግዕዙ ከም ዝደልዩ ዝገለጹ ናይ ውጹልና መጸዋዕታ ከም ዝበጽሖም ንቢቢሲ ሓቢሮም።
እቶም ተኻረይቲ ግን እዚ መመኽነይታ እምበር፡ እቲ ሓቂ እቶም ዋናታት ነቶም ኣፓርታማታት ብዝለዓለ ዋጋ ዳግማይ ንኽካርይዎም ደልዮም ከምኡ ከምዝብሉ እዮም ዝገልጹ።
ግን ክራይ ገዛ ጥራይ ኣይኮነን ዝዓርግ ዘሎ፣ ዋጋ መሸጣ ኣባይቲ እውን ብዓቢኡ ወሲኹ።
ዋጋ ኣፓርታማታት ኣብ 2022 ምስቲ ዝለዓለ ጥርዚ ምስ ኣብ እዋን ለበዳ 2020 ክነጻጸር እንከሎ ብ35% ክውስኽ እንከሎ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዋጋ ቪላታት ብልዕሊ 50% ከምዝወሰኸ ትካል ኣባይቲ ሳቪልስ ይሕብር።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኲናት ዩክረይን ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ጠለብ ኣባይቲ ብመንጽር ዕድጊን ክራይን ክንህር ደሪኽዎ እዩ።
ንኦሊጋርክስ፡ ቢልዮነራትን ጀመርቲ ትካላትን ሓዊሱ ንሃብታማት ሩስያውያን ዱባይ ከም መዕቈቢ ኰይና ኣላ። ብዙሓት መንእሰያት ዜጋታት ሩስያ እውን ሓድሽ ናይ ስራሕ ዕድላት እናደለዩ ናብታ ጽብቕቲ ከተማ ይግዕዙ ኣለዉ።
ብተወሳኺ እውን ሓያሎ ኣህጉራውያን ትካላት እውን ሰራሕተኛታተን ካብ ሩስያ ናብ ዱባይ ብምግዓዘን፡ ዝዓበየ ናይዚ ተፈጢሩ ዘሎ ናህሪን ክብሪን ረቛሒ፡ ዝፈስስ ዘሎ ናይ ሩስያ ጥረ ገንዘብ ምዃኑ ኣብ ዱባይ እትነብር ተሓጋጋዚት ዳይረክተር ኬቲ በርነል ገሊጻ።
ብሓፈሻ'ውን ሩስያውያን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዕዳጋ ኣባይቲ ዱባይ (ሪል እስቴት) ዝዓበዩ ዓለምለኻውያን ኣውፈርቲ ኰይኖም ነይሮም።
"ሩስያውያን ኣበይ ክነብሩ ወይ ንብረት ክገዝኡ ከምዝኽእሉ ብዙሕ ገደብ ኣሎ። ኣብ ኢማራት ዓረብ ግን ዝዀነ ከምዚ ዓይነት ጸገም ስለዘየጋጥሞም፡ ክነግዱን ገንዘብ ከንቀሳቕሱን ክኢሎም እዮም" ትብል ሚስ በርነል።
"ብሰንኪ እዚ ምቹእነት፡ ነቲ ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ናሕሪ ዋጋ ኣባይቲ ኣይግደስሉን እዮም። ዝዀነ ይዅን ዋጋ ክኸፍሉ ድማ ድልዋት እዮም።"
ነቲ ልክዕ ኣሃዛት ዝገልጽ ጸብጻብ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ካብ ሩስያ ከም ዝወጹ ይግመት።
ብመሰረት ሓደ ናይ ፎርብስ ሩስያ ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መስከረም ጻውዒት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ካብ ዝእዝዝ ንደሓር፡ 700 ሽሕ ዜጋታት ሩስያ ካብታ ሃገር ምውጽኦም'ኳ እንተሓበረ ክረምሊን ነቲ ኣብቲ ጽሑፍ ዝተዘርግሐ ኣሃዛት ነጺግዎ ነይሩ።
ወላ'ኳ ብዙሓት ምዕራባውያን ሃገራት ንሩስያውያን ናይ ቪዛ ገደብ እንተገበራ፡ ኢማራት ዓረብ ግጭት ዩክረይን ካብ ዝጅምር ኣትሒዛ ዘይሻራዊ መርገጺ ሒዛ ኣላ።
ኣብ ልዕሊ ሩስያ እገዳ ኣይገበረትን ወይ ንወራር ዩክረይን ኣይነቐፈትን። በዚ ድማ ክሳብ ሕጂ ነቶም እገዳ ዘይብሎም ሩስያውያን ቪዛ ትህብ ኣላ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ማእከላይ ባንክ ኢማራት ዓረብ'ውን ንባንኪ ኤምቲኤስ ሩስያ ስርሑ ንኽጅምር ፍቓድ ሂቡ። ዜጋታት ሩስያ ብሰንኪ ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ባንክታት ሩስያ ብዝነበሮም እገዳ ኣብ ኢማራት ዓረብ ሕሳብ ባንክ ኣብ ምኽፋትን ናብኡ ገንዘብ ኣብ ምትሕልላፍን ጸገማት ከጋጥሞም ጸኒሑ እዩ።
ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ 19 ግና ኢማራት ዓረብ ሓያሎ ሓደስቲ ናይ ነዊሕ ግዜ ቪዛ ኣማራጺታት ብምትእትታው፡ ኣድላይነት ዋሕስ (ስፖንሰር) ምህላው ኣወጊዳ፤ እዚ ድማ ዝያዳ ዕድላት ስራሕ ብምፍጣር ዓቢ ማዕበል ኣውፈርቲ፡ ናይ ማዕዶ ሰራሕተኛታትን ሰብ ሃብትን ናብታ ሃገር ንምስሓብ ሓጊዙ።
ብዘይካኡ’ውን መብዛሕትአን ሃገራት ኣውሮጳ ገና ኣብ ዕጽዋ እንከለዋ፡ ዱባይ ኣብ 2020 ቱሪዝም ከፊታ እገዳታት ኣቃሊላቶ እያ።
እዚ ናይታ ሃገር ኣተሓሕዛ ለበዳ ኮቪድ-19 ድማ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት በጻሕቲን ኣውፈርትን ኣብ ምስሓብ ዓቢይ ግደ ተጻዊቱ።
ዱባይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 86 ሽሕ መሸጣ መንበሪ ኣባይቲ ብምምዝጋብ፡ ነቲ ኣብ 2009 ዝነበረ ናይ 80 ሽሕ መሸጣ ክብረወሰን ዝሓለፈ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 56.6 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ንብረት ተሸይጡ፡ እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2021 ዝነበረ ዳርጋ ብ80% ይዛይድ።
ኣካይዳ 'በተርሆምስ' ዝተባህለ ትካል ሪቻርድ ዋይንድ ከምዝብሎ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ዘጋጠመ ዓለማዊ ፍጻመታት፡ ለበዳ ኮቪድ-19ን ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ሓዊሱ፡ ዱባይ ከም ዓቢ ፋይናንሳዊ ማእከል ዘለዋ ስሕበት ከምዘዕበየን፡ እዚ ድማ ነቲ ናይ ውሽጢ ዓዲ ዕዳጋ ኣባይቲ ኣጋዲድዎ።
"ዱባይ ጸጥታ፡ ድሕነት፡ ኣነባብራን ምቹእ መስርሕ ንግዳዊ ንጥፈታትን ስለእትህብ እዚ ካብ ብዙሓት ሃገራት ዝመጹ ሰባት ንዕድላት ናብዚ ክስደዱ ዓቢ ረቛሒ እዩ።"
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ብዙሓት ሃነጽቲ ኣባይቲን ኣውፈርትን ነቲ ወሰኽ ጠለብ ንምምላእ ሓያሎ ሓደስቲ ፕሮጀክትታት ከምዘለዉ'ኳ እንተኣፍለጡ፡ ሚስተር ዋይንድ፡ ሓደስቲ መንበሪ ኣባይቲታት ተዛዚሞም ነቲ ዘሎ ወጥሪ ክሳብ ዘቃልሉ፡ እንተወሓደ ንተወሳኺ 18-24 ኣዋርሕ ክራይ ገዛ ልዑል ኮይኑ ክቕጽል ትጽቢት ኣለዎ።
“በቲ ካልእ ሸነክ ወሰኽ ክራይ ገዛ እንተቐጺሉ፡ ብዙሓት ተኻረይቲ ዋጋ ምስከበሮም ሰባት ካብ ዱባይ ወጺኦም ናብ ካልኦት ከተማታት ኢማራት ዓረብ ክግዕዙ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስክፍታታት ኣሎ።
"ስለዚ ድማ'ዩ ክራይ ገዛ ድሒሩ ዘይኮነስ ቀልጢፉ ክወርድ ክጅምር ኣገዳሲ ዝኸውን" ይብል ዋይንድ።