ኣሜሪካ ኮኾብ ኵዕሶ ሰክዔት ዜግኣ ካብ ማእሰርቲ ንምውጻእ ንሩስያዊ “ነጋዳይ ሞት” ፈቲሓ

ኣሜሪካን ሩስያን፡ ኣብ ሩስያ ንዝተኣሰረት ኰኾብ ኵዕሶ ሰክዔት ብሪትኒ ግራይነር ንምፍታሕ፡ በቲ ኣብ ኣሜሪካ ን12 ዓመታት ዝተኣሰረ ዕሉል ኣዘዋዋርን ነጋዳይን ኣፅዋር ቪክቶር ቦት ልውውጥ እሱራት ገይረን።

ፕረዝደንት ጆ ባይደን ንምፍታሕ ብሪትኒ ግራይነር ኣመልኪቱ፡ ካብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ “ነዛ ጅግና ብሪትኒ ብስልኪ ኣውጊዐያ። ደሓን እያ፣ ኣብ ፅቡቕ ስምዒት ከምትርከብ እንትገልፅ ደስ እብለኒ፤ ንክትሓውይ ግዘ ከድልያ ይኽእል እዩ” ክብል ተዛሪቡ።

ብሪትኒ ግራይነር፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሩስያ መዐወኒ ዕፀ-ፋርስ ሒዛ ስለዝተረኸበት ብማእሰርቲ ትሽዓተ ዓመት ተፈሪዳ ነይራ።

ኣብ መድረኽ ኦሎምፒክ ክልተ ግዘ ዓወት ዝተጎናፀፈት ኣሜሪካዊት ብሪትኒ ግራይነር፡ ዘይቲ ካናቢስ ሒዛ ከምዝተረኸበት ኣብ ቤት-ፍርዲ ተኣሚና እያ።

በዓልቲ ቤት እዛ ኰኾብ ኵዕሶ ሰክዔት ዝኾነት ቼይል ግራይነር፡ “በዓልቲ ገዛይ ስለዝተፈትሐት ደረት ኣልቦ ሓጎስ ተሰሚዑኒ” ኢላ።

ብተመሳሳሊ መራኸብቲ ሓፋሽ ሩስያ፡ እቲ “ናይ ሞት ነጋዳይ” ብዝብል ዝፍለጥ ቦት ናብ ሩስያ ከም ዝኣተወ ፀብፂበን።

ቦት ናብ ሩስያ ምስ ኣተወ ንተሌቬዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ኣብ ከውታ ለይቲ መፅዮም ካብ ድቃሰይ ኣተሲኦም፡ ‘ኣቑሑትካ ጠቕልል’ ኢሎምኒ። በቃ ከምዚ እዩ ነይሩ” ክብል ሓቢሩ።

ቦት፡ ካብታ ዝተጓዓዘላ ነፋሪት ብምውራድ ንወላዲቱን በዓልቲ ገዝኡን ሑቑፊ ዕንበባ እንተበርክት ተራእዩ።

ምምሕዳር ባይደን፡ ነታ ኮኾብ ኵዕሶ ሰክዔት ዝኾነት ዜግኡ ንምፍታሕ፡ ዋሽንግተን ነቲ ሞስኮ ንነዊሕ እዋን ክፍታሕ ትጠልቦ ዝነበረት ቪክቶር ቦት ክትፈትሕን ግራይነር ክትልቀቕን ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ እማመ ልውውጥ እሱራት ኣቕሪቡ።

እቲ እማመ ልውውጥ እሱራት፡ ንብሪትኒ ግራይነርን ቪክቶር ቦትን ብናይ ውልቀ ነፋሪት ናብ ኣቡዳቢ ምብራርን፡ ካብ ኣቡዳቢ ናብ ሃገሮም ክግዕዙ ምግባርን ዝብል ጠለብ ዝሓዘ’ዩ ነይሩ።

እቲ ሩስያ ንልውውጥ እሱራት ብሕታዊ ጠለብ ገይራ ዘቕረበቶ፡ እቲ ኣብ ኣሜሪካ ንዝሓለፉ 12 ዓመታት ዝተኣሰረ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝበሃል ኣዘዋዋሪን ነጋዳይን ኣፅዋር ቪክቶር ቦት እዩ።

ሆሊውድ፡ ብዛዕባ ነዚ “ናይ ሞት ነጋዳይ”፡ ‘ሎርድ ኦፍ ዎር’ ዝብል ኣብ ህይወቱ ዘትኮረ ፊልም ክሳብ ምስራሕ በፂሑ’ዩ።

እዚ ን 25 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ ዝነበረ ዓለምለኻዊ ዕሉል ኣዘዋዋርን ነጋዳይን ዘይሕጋዊ ኣፅዋር፡ ንስለ እታ ኣሜሪካዊት ኮኾብ ኵዕሶ ሰክዔት ብሪትኒ ግራይነር ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሑ ኣሎ።

ኣሜሪካ እዚ ውልቀሰብ፡ ንድኻታት ሃገራትን ግብረ-ራዕዳውያንን ዘቕርብ የማናይ ኢድ መንግስቲ ሩስያ ከምዝኾነ እያ ትገልፅ።

ሩስያ ግና እዚ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣሜሪካ ብምእታዉ ክትሓርቕ እያ ፀኒሓ። ነዚ ድማ እዩ ንግራይነር ንምፍታሕ፡ ንቦት ከም መደራደሪ ዘቕረበቶ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ነዛ ኰኾብ ዜግኡ ንምፍታሕ እማመ ልውውጥ እሱራት ከቕርብ እንከሎ፡ ቅድሚ ሕዚ ሰራሕተኛ ሓይሊ ባሕሪ ዝነበረ ዜግኡ ፖል ዊላን እውን ምስ ብሪትኒ ግሪነር ክፍታሕ ጠሊቡ ነይሩ።

እንተኾነ ሩስያ፡ ነቲ ኣብ 2008 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ንኣሜሪካ ይስልል ነይሩ ብምባል ዝኣሰረቶ ፖል ዊላን ክትፈትሕ ፍቓደኛ ኣይኰነትን።

ክልቲኦም እሱራት ንምፍታሕ ክልተ ናይ ውልቀ ነፈርቲ ካብ ዋሽንግተንን ሞስኮን ናብ ኣቡዳቢ ብምብራር፡ ነቶም እሱራት ክለዋወጡ ዘርእይ ተንቃሳቓሲ ምስሊ ተዘርጊሑ ኣሎ።

እዚ ልውውጥ እሱራት ንክሰምር ልኡል ስዑድ ዓረብ ቢን ሰልማንን ፕረዝደንት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ነህያን ዕዙዝ ግደ ከም ዘበርከቱ ይግለፅ።

ብፍላይ ቀንዲ ፈታዊ ፑቲን ዝኾን ልኡል ቢን ሰልማን ካብዚ ልውውጥ እሱራት ብተወሳኺ ልውውጥ ምሩኻት ኵናት ዩክረይንን ሩስያን ዘሳለጠ እዩ ይበሃል።

ኣሜሪካ ግን እቲ ዝርርብ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መንግስታት ሩስያን ኣመሪካን ጥራይ ከምዝተኻየደ እያ ትገልጽ።