ሩስያ፡ ንኣሜሪካዊት ኮዀብ ኵዕሶ ሰኪዐት ን9 ዓመት ማእሰርቲ ፈሪዳ

ቤት ፍርዲ ሩስያ፡ ብምዝውዋር ዕጸፋርስ ዝኸሰሳ፡ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ ሰኪዐት ኣሜሪካ ዝዀነት ብሪትኒ ግሪነር ንትሽዓተ ዓመታት ክትእሰር ፈሪዱ።

ጓል 31 ዓመት ብሪትኒ ግሪነር፡ የእዳዋ ብመቝሕ ተኣሲራ ካብቲ ቤት ፍርዲ ክትወጽእ እንከላ፡ “ስድራይ ኣዝየ’የ ዘፍቕር” ኢላ ብዓውታ ተዛሪባ።

እታ ክልተ ግዜ ንሃገራዊት ጋንታ ኣሜሪካ ወኪላ ኣብ ኦሎምፒክ ዝተሳተፈትን ክልተ ግዜ ወርቂ ዝተሸለመትን ብሪትኒ ግሪነር፡ ናብ ሩስያ ክትኣቱ እንከላ፡ ናብ ዘይቲ [ፈሳሲ] ዝተለወጠ ዕጸፋርስ ሒዛ ምንባራ ኣሚና፣ እንተዀነ “ግርህና ዝተሓወሶ ጌጋ” ምንባሩ ንቤት ፍርዲ ገሊጻ።

እቲ ቤት ፍርዲ ግን ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝውዓሎ መጋባእያ፡ ብምስግጋር ዕጸፋርስ ገበነኛ ኰይና ስለዝረኸባ ንትሽዓተ ዓመትን መንፈቕን ክትእሰር ውሳነኡ ኣሕሊፉ።

እቲ ቤት ፍርዲ ኣተሓሒዙ፡ ብሪትኒ ግሪነር ካብ ለካቲት ጀሚራ ኣብ ቀይዲ ስለዝጸንሐት ንትሽዓተ ዓመታት ጥራይ ክትእሰር ምዃና ገሊጹ።

ጠበቓኣ ማርያ ብላጎቦሊና፡ ብሪትኒ በቲ ፍርዲ “ኣዝያ ሓዚናን ተጨኒቓን” ምህላዋ ገሊጻ።

“ብሰሉስ ምስ ተራኸብና፡ ሓሙስ ኣብ ቤት ፍርዲ የራኽበና ክንብላ እንከለና፡ ‘ኣብ ምጾታት የራኽበና’ ዝብል መልሲ እያ ሂባትና፡ ነቲ ዘላቶ ህይወት ምጾታት ኰይኑ’ዩ ዝስምዓ ዘሎ” ኢላ እታ ጠበቓ።

ጕጀለ ጠበቓ እዛ ውርይቲ ተጻዋቲት ኩዕሶ ሰኪዐት ይግባይ ክብሉ ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ።

እታ ኣብ ዓለም ዝበለጸት ጓል ኣንስተይቲ ተጻዋቲት ኵዕሶ ሰኪዐት ተባሂላ እትግለጽ ብሪትኒ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ናብ ሩስያ ክትኣቱ እንከላ ኣብ ቦርሳኣ ፈሳሲ ዕጸፋርስ ስለዝተረኸባ’ያ ኣብ ቀይዲ ኣትያ።

ብሪትኒ፡ እቲ ዝተኣሰረትሉ እዋን፡ ኣብ ኣሜሪካ ጸወታታት ኩዕሶ ሰኪዐት ደው ኢሉ ስለዝነበረ ኣብ ሩስያ ምስ ዝነበራ ጋንታታት ኰይና ጸወታ ንምክያድ’ያ ናብ ሩስያ ገይሻ።

እንተዀነ ንሳ ምስ ተኣሰረት ኲናት ሩስያን ዩክረይንን ስለዝተጀመረ፡ ምእሳራ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ሩስያን ዓቢይ ዲፕሎስያዊ ክትዓት ከለዓዕል ክኢሉ’ዩ። 

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነቲ ኣብ ልዕሊ ብሪትኒ ዝተወሃበ ብይን “ዘይቅቡል ፍርዲ” ኢልዎ ኣሎ።

ጸሓፊ ጕዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብወገኑ፡ “ንሰባት ብጌጋ ዝኣስራ ዘለዋ ሩስያን ከምኣ ዝኣመሰላ ሃገራትን ሰባት ካብ ሃገሮም ወጺኦም ክጕዓዙ፡ ክሰርሑን ክነብሩን ስግኣት ይፈጥራሎም ኣለዋ” ኢሉ።

ኣሜሪካን ሩስያን እሱራት ንምልውዋጥ ዲፕሎማስያዊ ዘተታት ከካይዳ ስለዝጸንሓ፡ ብሪትኒ ክንደይ ዓመታት’ያ ኣብ ሩስያ ክትእሰር ብሕጂ ዝርአ’ዩ ክኸውን።

ገለ ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ፡ ብምስግጋር ኣጽዋር ተኸሲሱ ኣብ ኣሜሪካ ተኣሲሩ ዝርከብ ሩስያዊ ቪክቶር ናብ ሩስያ ክርከብ ከምዝኽእል የጋውሓ ኣለዋ።

ድሕሪ እቲ ብይን ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ጸጥታ ዋይት ሃውስ ጆን ኪርቢ፡ ሩስያ ነቲ ብኣሜሪካ ዝቐረበ ንብሪትኒ ግሪነርን ምስኣ ተኣሲሩ ዝርከብ ኣሜሪካዊ ፓውል ወላን ዝምልክት ‘ዕቱብ እማመ’ ክትቅበሎ ጸዊዑ ኣሎ።

“ኣዝዩ ዕቱብ እማመ’ዩ፡ ክቕበልዎ ኸኣ ንምሕጸን። ቅድሚ ሰሙናት ኢና ኣቕሪብናዮ ሽዕኡ’ውን ክቕበልዎ ነይርዎም” ኢሉ።

ብሪትኒ ግሪነር ፍርዳ ምስ ሰምዐት “ግርህና ዝተሓወሶ ጌጋ ፈጺመ’የ፡ እንተዀነ ፍርድኹም መኸተምታ ህይወተይ ከይኸውን ተስፋ እገብር” ክትብል ተሰሚዓ።

ንሳ ብተወሳኺ፡ ኣብ ቀይዲ ኣብ ዝኣተወትሉ ገበና ከምዘይተገለጸላን ምስ ጠበቓኣ ክትዘራረብ ዕድል ከመዘይተዋህባን ብምግላጽ፡ ምስቶም ቀየድታ ክትረዳዳእ ዝትርጕመላ ሰብ ስለዘይነበረ ብመተግበሪ [ኣፕሊኬሽን] ተሓጊዛ ክትርድኦም ከምዝተገደደት ንቤት ፍርዲ ገሊጻ።