ሰዓት ታይታኒክ፡ ብ97 ሽሕ ፓውንድ ተሸይጣ

ምንጪ ስእሊ, HENRY ALDRIDGE & SON
ኣብ መርከብ ታይታኒክ ናይ ዝነበረ ሓደ ሰራሕተኛ ፖስታ ዝዀነት ናይ ጁባ ሰዓት ብ98 ሽሕ ፓውንድ ተሸይጣ።
14 ሚያዚያ 1912 እታ መርከብ ምስ ጠሓለት እታ ናይ ኦስካር ስኮት ዉዲ ሰዓት፡ ኣብቲ ኣዝዩ ቆራሪ ማያት ሰሜናዊ ኣትላንክ ናብ በረድ ተቐዪራ እያ ተረኺባ።
ድሕሪኡ፡ እታ ሰዓት ኣብ ወርሒ ግንቦት ናብ በዓልቲ ቤቱ ሌይላ ተዋሂባ።
እታ ሰዓት ትማሊ ሰንበት ኣብ ደቪዝስ ኣብ ዝርከብ ሄንሪ ኣልድሪጅ ኤንድ ሳንስ ዝተባህለ ትካል ንግዲ ምስ ካልኦት ካብታ ዝጥሓለት መርከብ ዝተረኽቡ መዘከርታታት ተሸይጣ።
ኣብ ‘ፈርስት ክላስ’ ዝቐርብ ዝነበረ ዝርዝር መግብታት ዘለዎ ሰነድ ብ50 ሽሕ ፓውንድ ክሽየጥ እንከሎ፡ ዝርዝር ስማት 'ፈረስት ክላስ' ገያሾ ድማ ብ41 ሽሕ ፓውንድ ተሸይጡ።
እቲ ዝርዝር ገያሾ፡ ብሓደ ጆርጅ ብሬተን ዝተባህለ ቁማርተኛ ዝውነን ዝነበረ ኰይኑ፡ ንሱ ገንዘብ ንምርካብን ንምፍታንን ኣብ ስግረ-ኣትላንቲክ መራኽብ ዝስቀል ዝነበረ’ዩ።
እቲ፡ ነቶም መዘከርታታት ዝሸጠ ትካል ኣንድሪው ኣልድሪጅ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣብ ጎኒ ስማት እቶም ሃብታማት ሰባት ስም ከዋኽብቲ’ውን ኣቐሚጡ" ኢሉ።
"ብፍላይ - ቻርለስ ሄይስ - ኣብ ኣሜሪካ መንገዲ ባቡር ግራንድ ፓሲፊክ ዝውንን ዝነበረ ኣዝዩ ሃብታም ሰብኣይ ኣሎ”። ብሬሬቶን ኣብ ትሕቲ ስም እቲ ሰብኣይ 'ሚልዮነር' ክብል ብደሚቕ ጽሒፉ ኣሎ” ይብል።
ብኻልእ ወገን፡ ውቁብ ሸሓነ መግቢ ብ20 ሽሕ ፓውንድ ክሽየጥ እንከሎ፡ ካብቲ 'ኣ ላ ካርት' ዝበሃል ቤት መግቢ ዝተረኽበ ክፋል ዓምዲ ድማ ብ23 ሽሕ ፓውንድ ተሸይጡ።
ሄንሪ ኣልድሪጅ ኤንድ ሳንስ ካብ መርከብ ታይታኒክ ዝተረኸቡ መዘከርታታት ብምሻጥ ይፍለጥ።
ብ2017፡ ኣብ ‘ፈርስት ክላስ’ መጋቢት ዝነበረት ሓንቲ ሰራሕተኛ ዝተኸደነቶ ናይ ጸጉሪ ካቦት ብ150 ሽሕ ፓውንድ ተሸይጡ’ዩ።
ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት፡ ብተሳፋራይ ታይታኒክ ኦስካር ሆልቨርሰን ዝተጻሕፈት ደብዳበ ብ126 ሽሕ ፓውንድ ተሸይጣ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







