ዘገርም ፍጻመ ዝተራእየሉ ሓደጋ ባርዕ ነፋሪት ገያሾ

ኣብ ኣመሪካ መዓርፎ ነፈርቲ ኮሎራዶ፡ ኣብ ልዕሊ ተጓዓዝቲ ዘሳፈረት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኣሜሪካ ባርዕ ሓዊ ድሕሪ ምውልዑ ጸሊም ትኪ ንላዕሊ ክዓርግ ተራእዩ።
ኣብታ ነፋሪት 172 ተሳፈርቲ ምስ ሽዱሽተ ሰራሕተኛታት ተሳፊሮም ነይሮም።
ካብ ናይ ጸጥታ ካሜራ ዝተረኸበ ምስሊ፡ እቶም ተጓዓዝቲ ኣብ ክንፊ ናይታ ነፋሪት ቦይንግ ተኣኪቦም፡ ገሊኦም ምስ ቦርሳታቶም እንከለዉ፡ ኣብ ጥቓ ታሕተዋይ ክፋል እታ ነፋሪት ሃልሃልታ ይነድድ ከምዘሎ የርኢ።
እታ ነፋሪት ካብ ከተማ ስፕሪንግስ ዝተበገሰት ኮይና፡ ናብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ቴክሳስ ዳላስ ፎርት ዎርዝ ትበርር ከምዝነበረት ምምሕዳር ፌደራል ኣቬሽን ኣመሪካ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣመልኪቱ።
ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪት ኣብ ሞተር ገለ "ምንቅጥቃጥ" ከምዘሎ ምስ ገለጹ እታ ነፋሪት ኣንፈታ ናብ ከተማ ዴንቨር ከምዝቐየረት'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ዴንቨር ምስ ዓለበት፡ ናብቲ ደው ትብለሉ እናተጓዕዘት እንከላ ብሓዊ ተቓጺላ።
መንገዲ ኣየር ኣሜሪካ ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ኩሎም ብሰላም ከምዝወጽኡ ገሊጹ'ሎ።
ተጓዓዝቲ በቲ ኣብ እዋን ሓደጋ ዝዝርጋሕ መንሸራተቲ ተጠቒሞም ብሰላም ናብ መሬት ክወርዱ ከምዝኸኣሉ ሰብመዚ ኣቬሽን ኣሜሪካ ሓቢሮም። ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ገና ክምርምር ምዃኑ'ውን እቲ ፈፈደራላዊ ትካል ገሊጹ ኣሎ።
ድሒሩ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ 12 ሰባት ብቐሊል መጉዳእቲ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱ እኳ እንተረጋገጸ፡ ከቢድ መጉዳእቲ ከምዘጋጠመ ዝሕብር ጸብጻብ ግን ዛጊት የለን።
እታ ነፋሪት ቦይንግ 737-800 ምዃናን፡ "ምስ ሞተር ዝተኣሳሰር ጸገም" ከምዘጋጠማን'ዩ እቲ ትካል ዝጠቅስ።
ወሃቢ ቃል እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ማይክል ኮኖፓሰክ፡ እቲ ባርዕ ከምዝጠፍአን ኣብ ካልኦት በረራታት ምድንጓይ ከምዘየስዓበን ሓቢሩ።
ገለ ካብቶም ኣብ ውሽጢ መዓርፎ ነፈርቲ ዝነበሩ ሰባት፡ እቲ ኣየር ብጸሊም ትኪ ክዕለኽን ተሳፈርቲ ናብ ወሰን እቲ ክንፊ ገጾም ክኸዱን ዘርእዩ ቪድዮታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣካፊሎም ኣለዉ።
እዚ ፍጻመ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ብዛዕባ ድሕነት ኣቬሽን ስክፍታታት ዘስዓበ ብተኸታታሊ ዘጋጠመ ተርእዮታት ስዒቡ'ዩ ዝርአ ዘሎ።
ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ሓደ ካብኡ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሓደጋ ጀት መንገዲ ኣየር ኣመሪካ ምስ ሓንቲ ሄሊኮፕተር ሰራዊት ኣመሪካ ብምግጫዋ 67 ሰባት ሞይቶም'ዮም። ነዚ ስዒቡ ድማ ብዛዕባ ሕጽረት ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ኣየርን ጸቕጥታትን ሕቶታት ከምዝተለዓለ ይዝከር።
ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ከም ኣካል ናይቲ ወጻኢታት መንግስቲ ንምቑጣብ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪታት፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣብ እዋን ፈተነ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ፌደራል ኣቬሽን እታ ሃገር ካብ ስርሖም ኣሰናቢቱ እዩ።
እቲ ምስንባት ሒደት ሳምንቲ ድሕሪ'ቲ ሞት ዘስዓበ ኣብ ዋሽንግተን ዘጋጠመ ሓደጋ ዝተገብረ እዩ።
እቶም ካብ ስራሕ ዝተሰናበቱ ሰራሕተኛታት መካኒካት ጽገና፡ ሰራሕተኛታት ምኽባር ከባቢን ተሓጋገዝቲ ቴክኒክን ይርከብዎም።
ትራምፕ፡ ከም ኣካል ናይቲ ሓድሽ 'ክፍሊ ብቕዓት መንግስቲ' (ዶጅ)፡ ምስቲ ነዚ ጻዕርታት ዝመርሕ ናይ ቴክኖሎጂ ቢልዮነር ኤሎን ማስክ ብምዃን፡ ወጻኢታት መንግስቲ ንምንካይ ይደፍእ ከምዘሎ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







