ዋሽንግተን፡ ካብታ ምስ ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር ተጋጭያ ዝወደቐት ነፋሪት ዝደሓኑ ከምዘየለዉ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብታ ኣብ ርእሰከተማ ዋንሽንግተን ዲሲ ምስ ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር ተጋጭያ ዝወደቐት ነፋሪት ብህይወት ዝተርፍ ሰብ ክህሉ ትጽቢት ከምዘይግበር ሰብመዚ ኣመሪካ ገሊጾም።
እታ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኣመሪካ ምስ ሄሊኮፕተር ተጋጭያ'ያ ኣብ ፈለግ ፖቶማክ ወዲቓ።
እታ ነፋሪት 60 ተሳፈርትን ኣርባዕተ ኣባላትን ዝሓዘት ኰይና፡ ኣብታ ወተሃደራዊ ሄሊኮፕተር ሰለስተ ወተሃደራት ሰራዊት ኣሜሪካ ከምዝነበሩ'ውን ምፍላጥ ተኻኢሉ።
እታ ነፋሪት ኣብቲ ብዲሲ ኣቢሉ ዝሓልፍ ሩባ ፖቶማክ ከምዝወደቐት ክፍሊ መጥፋእቲ ሓዊ እቲ ከባቢ ኣፍሊጡ።
ካብ ፔንታጐን ዝተወሃበ መግለጺ ከመዚ ይብል፤
"እታ ሎሚ ምሸት ሓደጋ ዘጋጠማ፡ ካብ ፎርት ቤልቮየር ቨርጂንያ ዝወጸት ናይ ሰራዊት UH-60 ሄሊኮፕተር ምዃና ኣረጋጊጽና አለና። ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ንምጽራይ፡ ምስ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ንሰርሕ ኣለና፤ ተወሳኺ ሓበሬታ ምስ ረኸብና መግለጺ ክንህብ ኢና።"
ፎርት ቤልቮየር ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስታት 15 ማይልስ ርሒቑ ኣብ ጥቓ ማውንት ቨርኖን፡ መንበሪ ጆርጅ ዋሽንግተን ዝርከብ ዓቢ ትካል እዩ።
እቲ ሓደጋ ኣብ ሃገራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሬጋን ዋሽንግተን፡ ኣብ ጥቓ መውረዲ ነፈርቲ 33 ኣብ ዝቐርበሉ እዋን ከምዘጋጠመ ኤፍ.ኤ.ኤ ንሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ እቲ "ዘስካሕክሕ ሓደጋ" መብርሂ ከምዝተዋህቦን ንዝግበር ዘሎ ህጹጽ ረድኤት ከምዘመስግንን ገሊጹ።
ሰበስልጣን ፖሊስ ንሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ብሰራሕተኛታት ፍተሻ 18 ሬሳታት ከምዝተረኽበን፡ ክሳብ ሕጂ ድማ ዝደሓነ ሰብ ከምዘየለን ሓቢሮም።
እታ ኣብቲ ሓደጋ ዝተሳተፈት ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር ብላክ ሆክ ኣብ ናይ ልምምድ በረራ ምንባራ ተሓቢሩ።
ክልተ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ብኸመይ ከም ዝፈለጡ ንማዕከናት ዜና እቲ ከባቢ ተዛሪቦም።
ሓደ ጂሚ ማዜዮ ዝተባህለ ነባሪ፡ እታ ነፋሪት ካብቲ ስሩዕ መገዳ ወጺኣ ኣብ ሰማይ ክበታተን ከምዘስተብሃለ፡ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ሰማይ "ጻዕዳ ትኪ" ዝመስል ነገር ከምዝረኣየ ይዛረብ።
ንሱ፡ ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት ናብቲ ቦታ ክጓየዩ ክሳብ ዝርኢ "ብዙሕ ከምዘይተገደሰሉ" ይዛረብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







