ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ መቐለ ሓደጋ ኣጋጢምዋ

ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Tigrai Television / Facebook

ሓንቲ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ መቐለ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ሓደጋ ከምዘጋጠማ ጸብጻባት ሓቢሮም።

እታ ተሳፈርቲ ፅዒና ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተበገሰት ነፋሪት ልክዕ 2:10 (8:10 ብኣቆጻጽራ ግእዝ) ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ምስ በጽሐት እቲ ሓደጋ ከምዘጋጠመ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ኣብ ህይወት ሰባት ዝበፀሐ ሓደጋ የለን።

"ኩሎም ተጓዓዝትን ኣባላት በረራን ብዘይ መጉዳእቲ ብደሓን [ካብታ] ነፋሪት ወጺኦም" ይብል መግለጺ እቲ መንገዲ ኣየር።

ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ንምፍላጥ መርመራ ይካየድ ከምዘሎ'ውን እቲ መግለጺ ጠቂሱ።

"ስለቲ ዘጋጠሞም ምትእጉጓል ንዓማዊልና ካብ ልቢ ይቕሬታ ንሓትት"።

እታ ነፋሪት ገና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሓንቢባ ምስ ተልዓለት ፀገም ጎማ ከምዘጋጠመ ይንገር።

ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ድሕሪ ምዕላባ ድማ ብሰንኪ ዝተንፈሰ ጎማ መስመራ ስሒታ ዝተወሰነ ሜትሮ ካብቲ ዋና መሐንበቢ ፅርግያ ወጺኣ። ወጽእ ብምስሓታ እቲ ሓደጋ ከምዘጋጠመ እቲ ማዕከን ዜና ጸብጺቡ።

ሰበስልጣን እቲ ክልል እውን ጠንቂ እቲ ሓደጋ ጎማ እታ ነፋሪት ብምንፋሱ ምዃኑ ኣረጋጊጾም።

ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ትግራይ ዝዀነ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት ኣብ ኤክስ ከምዝሓበሮ ኣብ ተሳፈርቲ ዝዀነ ጉድኣት ኣይበጽሐን።

መርበብ ሓበሬታ መከታተሊ በረራታት ዝዀነ ፍላይትራዳር24 ከምዘመልክቶ በረራ ቁጽሪ ኢቲ106 ሎሚ ጥሪ 18 ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ክትበርር መደብ ተታሒዙላ ነይሩ።

ኢቲ106 ዲ ሃቪላንድ ካናዳ ዳሽ 8-400 (ET-AVS) ዝዓይነታ ካብ ቦይንግ ዝነኣሰት ነፋሪት ኰይና ብማእከላይ ካብ 78-82 ሰባት ተሳፍር።

መበገሲኣ 12:00 እኳ እንተነበረ፡ ድሕሪ 30 ደቒቕ ምድንጓይ 12:30 ከምዝተሓንበበትን ልክዕ 01:30 ኣብ መቐለ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ከምዝበጽሐትን መርበብ ሓበሬታ ፍላይትራዳር24 የመልክት።

እንተዀነ ብዛዕባ እዋናዊ ኵነታታ “ዘይተፈልጠ” ምዃኑ ይጠቅስ።

እታ ነፋሪት፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን መካኒካት እቲ ፀገም ክሳብ ዝፈትሕዎ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ከምትርከብ ካብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይገልጽ።

ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ምስ በጽሓና ክነፍልጠኩም ኢና።