ናብ ኣቡጃ ተበጊሳ ኣብ ካልእ ከተማ ዝዓለበት ነፋሪት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብታ ብጌጋ ኣብ ካልእ ከተማ ዝዓለበት ነፋሪት ተሳፊሩ ዝነበረ ሓደ ናይጀርያዊ ፖሎቲከኛ፡ ምስ ቢቢሲ ኢግቦ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ እቲ መንገዲ ኣየር ብግቡእ ይቕሬታ ከምዘይሓተተ ገሊጹ።
እዛ ብዩናይትድ ናይጀርያ ኣየርላይንስ ዝተብሃለ ኩባንያ እትውነን ነፋሪት፡ ካብ ከተማ ሌጎስ ተበጊሳ ኣብ ኣቡጃ’ዩ ክትዓልብ ነይሩዋ፤ ተሳፈርታ’ውን ብምልኦም ናብ ኣቡጃ’ዮም ዝኸዱ ነይሮም።
እንተኾነ ካብቲ ክትከዶ ዝግባኣ ርሕቐት ልዕሊ 450 ኩሎሜተር ተጓዒዛ ኣሳባ ኣብ ትብሃል ከተማ ዓሊባ።
ኣብ ኣቡጃ ክዓልቡ ዝጽበዩ ዝነበሩ ተሳፈርቲ ከኣ ኣብ ንእሽተይ ከተማ ኣሳባ ውረዱ ተባሂሎም።
ዩናይትድ ናይጀርያ ኣየርላይንስ፡ ኣብ መጀመርታ እታ ነፋሪት ‘ብምኽንያት ሕማቕ ኩነታት ኣየር’ ኣብ ኣሳባ ከምዝዓለበት’ዩ ገሊጹ።
እንተኾነ ቢቢሲ ኢግቦ ዘዘራረቦ ኣብታ ነፋሪት ዝነበረ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንምምሕዳር ዞባ ካኖ ዝተወዳደረ ሳሊሑ ታንኮ ያካሳይ፡ “ሰማይ ኣዝዩ’ዩ ንጹር ነይሩ፡ እቲ ፓይሎት’ውን እታ ነፋሪት ደው ምስ በለት ካብ ሌጎስ ጌጋ ዝኾነ መደብ በረራ ከምዝተውሃበ ሓቢሩና’ዩ” ኢሉ።
እቲ ፖለቲከኛ ብምስዓብ “እቲ ፓይሎት ማዕጾ ምስ ተኸፈተ’ዩ ነዚ ሓበሬታ ሂቡ፡ ተሳፈተርቲ ከኣ ኣብ ኣቡጃ ከምዘዓለበት ፈሊጦም ነይሮም’ዮም” ኢሉ።
“ከምቲ ኩለ ግዜ ዝግበር፡ ምስ ዓለብና ካብ ኣባላት በረራ ብመጕልሒ ድምጺ እንቋዕ ናብ ከተማ ኣቡጃ ብሰላም ዓለብኩም ተባሂልና ኢና” ክብል እውን ወሲኹ።
ካልእ ኣብታ ነፋሪት ዝነበረ ሰብ ብኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ’ውን “ምስ በጻሕና ኣባላት በረራ ብርእሰ ተኣማንነት ናብ ከተማ ኣቡጃ ከምዝበጻሕና ሓቢሮሙና እንተኾነ ንሕና ኣብ ኣሳባ ኢና ኔርና” ኢሉ።
ዩናይትድ ናይጀርያ ኣየርላይንስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “እቲ ፓይሎት ብዛዕባ ምቕያር መስመር በረራ ተሓቢርዎ’ዩ፡ እንተኾነ እታ ነፋሪት ናብ ኣሳባ ኣብ ዝዓለበትሉ ንተሳፈርቲ ናብ ኣቡጃ ከምዝዓለቡ ብጌጋ ተሓቢሩ” ኢሉ።
ብዓል መዚ በረራታት ናይጀርያ ነቲ ክስተት ይምርምሮ ከምዘሎ ሓቢሩ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







