ምርኢት ዱባይ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ልዕሊ 40 ነፈርቲ ይዕድግ

ምንጪ ስእሊ, @flyethiopian
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዙሓት ነፈርቲ ክገዝእ ከምዝወሰነ ኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየን ኣኽሳቢን መንገዲ ኣየር፡ ኣብቲ ኣብ ዱባይ ዝካየድ ዘሎ ምርኢት ዕዳጋ ኣቬሺን 42 ሓደስቲ ነፈርቲ ኣዚዙ ኣሎ።
እቲ መንገዲ ኣየር ትማሊ ካብ ኣመሪካዊ ትካል ቦዪንግ 31 ነፈርቲ ዓዲጉ ነይሩ።
ብረቡዕ ድማ 11 A350-900 ዝዓይነተን ነፈርቲ ካብ ኣውሮጳዊ ትካል ኤርባስ ዓዲጉ ምህላዉ እቶም ጸብጻባት ጠቒሶም።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ቅልጡፍ ዕብየት ዘመዝበ ኣፍሪቃዊ መንገዲ ኣየር፡ ካብቲ በጺሑዎ ዘሎ ንላዕሊ ንጥፈታቱ ከስፍሕ ድሌት ከምዘለዎ ዘመልክት'ዩ።
"ቁጽሪ ነፈርትና ንምዕባይን ዝሓደሰ ቴክኖሎጂ ነፈርቲ ምውናንን ድሌት ኣለና" ክብል ዋና ኣካያዲ እቲ መንገዲ ኣየር መስፍን ጣሰው ተዛሪቡ።
እተን ዝግዝኣ ሓደስቲ ነፈርቲ ኤርባስ፡ ንዊሕ ርሕቀት ዘለዎ በረራታት ዘገልግላ ምዃነን ይፍለጥ።
እተን ብሰሉስ ካብ ቦዪንግ ዝተኣዘዛ ድማ 11 787 ድሪምላይነር፡ 20 ድማ 737 ማክስ ዝዓይነተን እየን።
ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት፡ ሓንቲ 737 ማክስ ዝዓይነታ ነፋሪት እቲ መንገዲ ኣየር ብምሕምሻሻ ኣብኣ ዝነበሩ 157 ተጓዓዝትን ኣባላትን ብምልኦም ከምዝሞቱ ይዝከር።
እቲ ብሰንኪ'ቲ ቴክኖሎጂ እተን ነፈርቲ ከምዝሰዓበ ዝተገልጸ ሓደጋ፡ ኩለን ማክስ 737 ካብ በረራ ተኣጊደን ምንባረን ይዝከር። ትካል ቦይንግ ዘድሊ ምምሕያሻት ድሕሪ ምግባሩ'የን ናብ ንቡር በረራታት ተመሊሰን።

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian Airlines
እቲ ንዕዳጋታት ኣፍሪቃ ዓብሊሉ ዘሎ ልዕሊ 75 ዕድመ ዘለዎ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ካብን ናብን 63 ከተማታት ኣፍሪቃ ዝርከብኦም 133 ቦታት በረራታት የካይድ።
ልዕሊ 17,000 ሰራሕተኛታት ዘለዎ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዛጊት ልዕሊ 146 ነፈርቲ ከምዝውንን መርበብ ሓበሬታኡ ይጠቅስ።
ቀንዲ ማእከሉ ኣብ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኮይኑ፡ ኣብ ሎሜ (ቶጎ)፡ ሊሎንግወ (ማላዊ)፡ ከምኡ'ውን ሉሳካ (ዛምቢያ) ተወሰኽቲ ማእከላት ኣለዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







