ኣብ ደቡብ ኮሪያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት ብውሑዱ 176 ሰባት ሞይቶም

ዝተሓምሸሸት ነፋሪት

ምንጪ ስእሊ, REUTERS/YONHAP

ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ደቡብ ኮሪያ 181 ተጓዓዝቲ ዝፀዓነት ነፋሪት ድሕሪ ዘጋጠማ ሓደጋ፡ ብውሑዱ 179 ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊጹ።

እዛ ብመገዲ ኣየር ጄጁ እትውነን 175 ተጓዓዝትን ሽድሽተ ሰራሕተኛታትን ዝሓዘት ነፋሪት፡ ካብ ታይላንድ ባንኮክ ተበጊሳ ኣብ ደቡብ ኮሪያ መዕርፎ ነፈርቲ ሙዋን ክትዓልብ ክትብል እያ ሓደጋ ኣጋጢምዋ።

ካብቲ ከባቢ ዝተዘርግሑ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት፡ ናይ ቅድሚት ክፍሊ እታ ነፋሪት ብሓዊ ክነድድ የርእዩ።

ዛጊት ክልተ ሰባት ብህይወት ተረኺቦም ኣለው።

እዛ ካብ ታይላንድ ዝተበገሰት ነፋሪት፡ 173 ደቡብ ኮሪያውያንን ክልተ ዜጋታት ታይላንድን ጽዒና ከም ዝነበረት ማዕከን ዜና ዮንሃፕ ኣቃሊሑ።

ጠንቂ እቲ ሓደጋ ገና ኣይተፈለጠን ዘሎ። እንተዀነ፡ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፡ ኣዕዋፍ ኣብ ስርዓታት እታ ነፋሪት ብምእታወን ዝተፈጠረ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣመልኪተን።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሑ ዘይተረጋገፁ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት፡ እታ ነፋሪት ቅድሚ ገለ ክፋላ ምቅጻላ፡ ካብ መስመር ወጺኣ ናብ መንደቕ ክተጋጮ የርእዩ። ካልእ ምስሊ ድማ ሓያል ትኪ ናብ ሰማይ ክዓርግ የርኢ።

ኤጀንሲ ምጥፋእ ሓዊ ኮሪያ ዘውጽኦ መግለጺ፡ 80 መጥፋእቲ ሓዊን 30 መኻይን ምጥፋእ ሓዊን ናብቲ ቦታ ከም ዝተዋፈሩ ሓቢሩ።

ሙዋን ካብ ርእሰከተማ ደቡብ ኮሪያ ሴኡል ኣስታት 178 ማይልስ ርሒቓ ትርከብ።

ኣቬሽን ኢንዳስትሪ ደቡብ ኮሪያ ውሑስ ሪከርድ ድሕነት ከም ዘለዎ እዩ ዝግምገም።

ኣብ ታሪኽ መንገዲ ኣየር ጄጁ ድማ ቀታሊ ሓደጋ ከጋጥም እዚ ናይ ሎሚ ፈላሚ እዩ።

እዚ መንገዲ ኣየር ኣብ 2005 ዝተመስረተ ኰይኑ፡ ርትዓዊ ዋጋ ትኬት ካብ ዘለዎም መንገዲ ኣየራት ሓደ እዩ።