ኵሎም ተሳፈርቲ ዝድሓንሉ ሓደጋ ነፋሪት

ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ካብ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ዝተወስደ ስእሊ እታ ነፋሪት

ምንጪ ስእሊ, John Nelson

ኣብ ካናዳ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ቶሮንቶ ፒርሰን ትዓልብ ዝነበረት ነፋሪት ሓደጋ ምውዳቕን ምግልባጥን እኳ እንተኣጋጠማ፡ ኵሎም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ተጕዓዝትን ሰራሕተኛታትን ብህይወት ከም ዝወጽኡ ተገሊጹ።

ዳይሬክተርን ፈጻሚት ስራሕን በዓል መዚ መዓርፎ ነፈርቲ ግሬተር ቶሮንቶ ዲቦራ ፍሊንት፡ "ዝዀነ ክሳራ ህይወት ብዘይምስዓቡን ብተዛማዲ ቀሊል መጕዳእቲ ጥራይ ምህላዉን ኣዚና ዕድለኛታት ኢና፡" ኢላ።

ኣብቲ ሓደጋ፡ ሓደ ህጻንን ክልተ ኣባጽሕን ብኸቢድ ከም ዝተሃሰዩን ተገሊጹ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝወጽኡ ምስልታት፡ ሓንቲ ነፋሪት ተገልቢጣ እቲ ናሕሳ ኣብቲ ብበረድ ዝተሸፈነ ጽርግያ ተደፊኡ የርእዩ።

ብዉሑድ ድማ፡ ሓደ ሸነኽ መንገብገብ እታ ነፋሪት ከም ዝተሰበረ ይርአ።

እታ ካብ ሚኒያፖሊስ ዝመጽአት ነፋሪት መገዲ ኣየር ደልታ ከም ዝዀነት፡ መዓርፎ ነፈርቲ ቶሮንቶ ፒርሰን ሓቢሩ።

ኣብታ ነፋሪት ካብ ዝነበሩ 80 ሰባት እቶም 76 ተጕዓዝቲ ኣርባዕተ ድማ ሰራሕተኛታት ምዃኖም ገሊጹ።

ብድምር 18 ተጓዓዝቲ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስዱ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቶም ከቢድ መጕዳእቲ ዝበጽሖም ተጕዓዝቲ፡ ሓደ ህጻን፡ ኣብ 60ታት ዕድመ ዝርከብ ወዲ ተባዕታይን ኣብ 40ታት ዕድመ እትርከብ ጓለንስተይቲን ምዃኖም ተገሊጹ።

ኣካያዲት ስራሕ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዲቦራ ፍሊንት ትማሊ ምሸት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ነቲ ብሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት ዝተዋህበ ምላሽ "ኣብነታዊ" ብምባል ዝዀነ ክሳራ ህይወት ንከየጋጥም ልዑል ሓገዝ ከም ዝገበሩ ተዛሪባ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

በዓል መዚ ፌደራል ኣቬሽን ኣመሪካ፡ እታ ነፋሪት ናይ መገዲ ኣየር ዴልታ ምዃና ብምርግጋጽ ቁጽሪ በረራ 4819 ከም ዝነበረት ጠቒሱ።

ዴልታ፡ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ 'CRJ900' ዝዓይነታ ነፋሪት ሓደጋ ከም ዘጋጠመ ኣረጋጊጹ።

ካብቶም ተጓዓዝቲ እቶም 22 ካናዳውያን ክዀኑ ከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ከም ዝዀኑ ዲቦራ ገሊጻ።

እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ድሕሪ እቲ ፍጻመ ነዊሕ ከይጸንሐ ተዓጽዩ እኳ እንተነበረ፡ ካብ ቶሮንቶ ፒርሰን ዝኣቱን ዝወጽእን በረራታት ግን ዳግም ናብ ንቡር ከም ዝተመልሰ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ገሊጹ።

ቦርድ ድሕነት መጓዓዝያ ካናዳ (TSB)፡ ኣብቲ ዙርያ እቲ ክስተት "ሓበሬታ ንምእካብን ነቲ ፍጻመ ንምግምጋምን" ጕጅለ የዋፍር ከም ዘሎ ገሊጹ።

እቲ መርመራ ክሳብ ዝዉዳእ፡ ክልተ መጕየዪ ነፈርቲ ንሓያሎ መዓልታት ተዓጽዮም ክጸንሑ ምዃኖምን ተጓዓዝቲ ገለ ምድንጓያት ከጋጥሞም ከም ዝኽእል ተነጊሩዎም ኣሎ።

ሓላፊ መጥፋእቲ ሓዊ ቶሮንቶ ፒርሰን ቶድ ኣይትከን፡ እቲ መርመራ ጌና እኳ እንተዀነ፡ "እቲ መጕየዪ ነፈርቲ ግን ደረቕ እዩ ነይሩ፤ ዘጸግም ንፋስ ድማ ኣይነበረን፡" ኢሉ።

እዚ ርእይቶ ግን፡ ምስቲ ኣቐዲሙ ዝወጽአ ካብ የማን ናብ ጸጋም ኣብ ሰዓት 64 ኪ.ሜ ዝጕዓዝ ንፋስ ነይሩ ዝብል ሓበሬታ ዝጋጮ እዩ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ሰባት ካብታ ዝተገልበጠት ነፋሪት ክወጽኡ እንከለዉ፡ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ድማ ናብታ ነፋሪት ማይ ክነጽጕ የርእዩ።

ሓደ ተጕዓዚ ድማ "ኣብ ቶሮንቶ ኣለና፡ ነፋሪትና ወዲቓ፡ ተገልቢጣ ኣላ። መብዛሕትኦም ሰባት ግን ጽቡቕ ዘለዉ ይመስሉ፡ ኵላትና ንወርድ ኣለና፤ ገለ ትኪ ድማ ይርኣይ፡" ክብል ቪድዮ ዘርጊሑ።

ድሕሪ እቲ ሓደጋ፡ ምድንጓይን ምስራዝን ብዙሕ በረራታት ተራእዩ።

ክልተ ህቦብላታት - ሓደ ረቡዕ ሓደ ድማ ሰንበት - ነታ ከተማ ብድምር ብ30 ክሳብ 50 ሴንቲ ሜትር በረድ ሸፊኖምዋ ነይሮም።

መሻርኽቲ ቢቢሲ ሲቢኤስ፡ እቲ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ቀሊል በረድ ከም ዝወደቐ ሓቢሩ።

ብሰኑይ፡ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ "ዝሑል ሙቐትን ብርቱዕ ንፋስን ይኣቱ ከም ዘሎ፡" ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ፡ ኣብ ኣመሪካ ርእሰ ከተማ ዋንሽንግተን ዲሲ ሓንቲ ነፋሪት ምስ ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር ተጋጭያ ምስ ወደቐት 67 ሰባት ከም ዝሞቱ ይዝከር።

ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ድማ፡ ሓንቲ ንእሽቶ ናይ ሕክምና መጓዓዝያ ነፋሪት ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ፊላደልፍያ ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ህንጻታት ድሕሪ ምውዳቓ፡ ኣባይትን መካይንን ብሓዊ ኣቃጺላ፡ ካልኦት ኣብ መሬት ዝነበሩ ሰባት'ውን ከም ዝቘሰሉ ይፍለጥ።