ቢንያም ግርማይ ምስ ጋንታ ኤንኤስኤን ንሰለስተ ዓመታት ክጻወት ፈሪሙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኦሎምፕያዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ ምስታ ካብ እስራኤል ፕሪሜር ቴክ ናብ ኤንኤስኤን ሽማን ምሕደራኣን ዝቐየረት ጋንታ ክሳዕ መወዳእታ 2028 ዝጸንሕ ውዕል ከም ዝፈረመ፡ ፕሮሳይክሊንግ ዩከይ ንጋንታኡ ብምጥቃስ ሓቢራ።
ካብታ ንኣርባዕተ ዓመትን መንፈቕን ዝተቐዳደመላ በልጂማዊት ጋንታ ኢንተርማርች ብዓርቢ ብወግዒ ከም ዝተፋነወ ዝተገልጸ ብንያም፡ ሰለስተ መድረኻትን ቀጠልያ ማልያን ዙር ፈረንሳ፡ ሓደ መድረኽ ዙር ኢጣልያ፡ ከምኡ`ውን ናይ ክላሲክን ካልኦት ብዙሓት ዓወታትን ድሕሪ ምጕንጻፍ እዩ ናብዛ ሓዳስ ጋንታ ዝጽንበር ዘሎ።
እታ ቢንያም ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ዝተጻወተላ ቤልጂማዊት ጋንታ ብሰንኪ ናይ ባጀት ጸገም ምስ ካልእ ሎቲ ዝተብሃለት ቤልጂማዊት ጋንታ ምስ ተሓናፈጸት ካብታ ጋንታ ክወጽእ ምዃኑ ንሓያለ ኣዋርሕ ክዝረብ ምስ ጸነሐ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ'ዩ ካብታ ጋንታ ብወግዒ ተፋንዩ።
እቲ ቢንያም ግርማይ ካብ መወዳእታ መስከረም ጀሚሩ ናብታ ኣብ ዎርልድ ቱር እትርከብ ኤንኤንኤስ ክጽንበር ምዃኑ ብትሒም ትሒም ክዝረብ ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ ሎሚ ቅድሚ ቅሩብ ሰዓታት ሽሙ ኣብ ዝርዝር ተጻወተቲ እታ ጋንታ ኣትዩ ኣሎ።
እዛ ኣብ ስዊዘርላንድ ፍቓድ ኣውጺኣ ኣብ ስጳኛ ልምምዳት እትገብር ኤንኤንኤስ፡ ኣቐድም ኣቢላ ኣብ ርዋንዳ መሰልጠኒ ማእከል ከፊታ ነይራ'ያ።
ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝበረኸ ደረጃ ዝርከብ ቢንያም ግርማይ ኣብ ሕቁፋ ምእታዋ ከኣ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ 2023 ጀሚራ ዝጀመረቶ ፕሮጀክት ዝያድ ድምቐት ዝህቦ'ዩ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ጋንታ ኤንኤስኤን ክጀል ካርልስትሮም ንምምጻእ ቢንያም ናብ ጋንታኦም ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ንቢንያም ናብ ጋንታና ንምቕባል ኣዚና ተሃንጢና ኣለና። ዓመተ 2026 ንጋንታናን ንብንያም ግርማይን ሓድሽ ምዕራፍ ክትከውን እያ፡" ኢሉ።
"እዚ እዋን፡ ነቲ ጕዕዞ ሓቢርና ክንጓዓዞ ዝበለጸ ግዜ እዩ። ኣዝዩ ንፉዕ እዩ፣ ምቝልልነቱን ቈራጽነቱን`ውን ብሓቂ ፍሉይ ይገብሮ። ኣብ ፈለማ ርክብና ካብ ዝተዘራረብናዮ ጀሚሩ፡ ራእይና ኣብ ብሽክለታን ካብ ብሽክለታ ወጻእን ከም ዝሳነ ንጹር እዩ ነይሩ፡" ኢሉ።
እዚ ወዲ 25 ዓመት ኰይኑ ዘሎ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ፡ ዓቢይ ሃረርታን ወጢጦም ናብ መስመር ዘብጽሑ ተጻወትን ናብ ዝሓዘት ጋንታ ይኣቱ ምህላዉ፡ ፍሉይ ነገር ከም ዝፈጠረሉ ተዛሪቡ ክትብል ፕሮሳይክሊን ኣስፊራ።
"ኣብዚ ብምህላወይ ናብ ብሓቂ ሕጉስ እየ፣ ብፍላይ ንዓይን ነዛ ጋንታን ናብ ሓድሽ ሃዋሁን ሓድሽ ምጅማርን ንኣቱ ስለ ዘለና። ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ጋንታ ጽቡቕ መንፈስ ክህልወኒ ደስ እብለኒ። ድሮ ካብ ሓደስቲ ደቂ ጋንታይ ብዙሕ እወታዊ ነገራት ሰሚዐ ኣለኹ። ክልተ ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሰ ክሓስብ እንከለኹ፡ እዛ ጋንታ እምብዛ ተመሓይሻ እያ። ናይ ብሓቂ ጽቡቕ ናይ ጋንታ መንፈስ ኣሎ፡" ኢሉ።
ቀጺሉ፡ "ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር ተገዲሞም ክርእዮም ከለኹ፡ ኵሉ ሳዕ ሓያላትን ሓድሕዶም ብዙሕ ዝተባብዑን እዮም። . . . ምስኦም ሓቢረ ንምቅድዳም ተሃንጥየ ኣለኹ። ኣብዚ ዓቢይ ተኽእሎ እርኢ ኣለኹ፣ ንመጻእየይ ድማ ዓቢይ ዕድል ምዃኑ ይስምዓኒ፡" ክብል ተዛሪቡ።
ጋንታ ኔቨር ሰይ ኔቨር ብጀካ ንቢንያም ግርማያ ካልኦት ሓሙሽተ ተቐዳደምቲ'ውን ኣፈሪማ ኣላ፡ ናይ ቢንያም ግን እቲ ዝያዳ ጸብለል ዝበለን ዝዓበየን ዓወት እታ ጋንታ ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ንብሪጣንያዊ ልዊስ ኣስክለይ ካብ ኤፍዲጀይ ግሩፕና፡ ንኣየርላንዳዊ ርያን ሙለን ካብ ቢራ ሬድ ቡል፡ ንኣውስትራልያዊ ብራዲ ግሊሞርን ስጳኛዊ ፓኦ ማርቲኒ ካብ እስራኤል ፕሪሜመር ቴክ ኣካዳሚ፡ ከምኡ ከኣ ንኢጣልያዊ ኣሌክሳንድሮ ፒናሮሎ ካብ ባርድያኒ ኣፈሪማ ኣላ።
ብቀዳም ንሓሙሻይ ግዜኡ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ዝተብሃለ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብዛ ሓዳሽ ጋንታኡ ዋላ ድኣ ከም ኢታን ቨርኖን፡ ኢታማር ኢንሆርን፡ ሲሞን ካላርክ ዝኣመሰሉ ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር ሓያላት ዝኾኑ ተቐዳደምቲ ድኣ ይሃልዉ'ምበር፡ ንሱ መራሒ እታ ጋንታ ኮይኑ ክጻወት ከምዝኽእል'ዩ ዝግመት።
እታ ጋንታ ኣብ ጥሪ ኣብ ኣውስትራክያ ኣብ ቱር ዳውን ኣንደር ክመኡ ከኣ ካደል ኢቫንስ ግረይት ኦሻን ሮድ ረይስ ጸወታ ክህልዋ'ዩ።
ቢንያም ግርማይ ከኣ ማልያ እዛ ሓሳሽ ጋንታኡ ገይሩ ኣብቲ ጃብ 20 ክሳብ 25 ዝካየድ ሩር ዳውን ኣንደር ክወዳደር ትጽቢት ይግበር




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







