ኢትዮጵያ፡ ፍሉጥ ፖለቲከኛ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ዓሪፉ

ምንጪ ስእሊ, fana/screen grab
ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ስሞም ጐሊሑ ካብ ዝጥቀሱ ፖለቲከኛታት ሓደ ዝነበረ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ዓሪፉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሕለፈት እቲ ፕሮፌሰር ኣብ ዘረጋገጸ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ መልእኽቱ፡ እቲ ፖለቲከኛ “ምልክት ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ከምዝነበረ” ገሊጹ።
“ኣብ ኢትዮጵያ ሃናጺ ባህሊ ፖለቲካ ንምፍጣር ልዑል ኣበርክቶ ዝገበረ” ምንባሩ ብምጥቃስ ንነዊሕ እዋን ሕክምና ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ ከምዝዓረፈ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራቲክ ኢትዮጵያ (ኢሶዴፓ) ብምዃን ዝመርሐ ፕሮፌሰር በየነ ድሕሪ ምምጻእ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ምርምር ፖሊሲ ኰይኑ ተሸይሙ።
ኣብ 11 መጋቢት 1950 ኣብታ ሎሚ ማእከላይ ኢትዮጵያ ብዝብል እትፍልጥ ክልል ኣብ ዞባ ሃዲያ ዝተወለደ እቲ ገዲም ፖለቲከኛ፡ ዓውዲ ፍልጠቱ ስነ-ህይወት (ባዮሎጂ) እዩ ነይሩ።
ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ብዝረኸቦ ትምህርቲ ክሳብ መዓርግ ፕሮፌሰርነት ዝበጽሐ ኰይኑ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብመምህርነት ሰሪሑ።
ድሕሪ ምምጻእ ኢህወደግ ኣብ 1991 ናብ ፖለቲካ ምስተጸምበረ፡ ሽዑ ብምኽትል ሚኒስተርነት ትምህርቲ ተሸይሙ። ግን ከኣ ነዊሕ ከይጸንሐ ካብ መንግስታዊ ስልጣኑ ባዕሉ ወሪዱ።
ካብ 1995 ጀሚሩ ናብ ተቓውሞ ብምእታው ኣንጻር ብኢህወደግ ዝምራሕ መንግስቲ ኣብ ቃልሲ ነዊሕ ዓመታት ጸኒሑ።
ኣብ 1999 ኣብ መረጻ ብዝኸቦ ድምጺ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣባል ብምዃን ኣትዩ ነይሩ።
ኣብቲ ባይቶ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ድማ ጸገማት ህዝቢ ዝበሎም ኣልዒሉ ብምምጓት ኣብቲ ብሓደ ሰልፊ ዝተዓብለለ መድረኽ ዝተፈለየ ድምጺ ኰይኑ ተሰሚዑ።

ምንጪ ስእሊ, PM ABYI
ፍልጠትን ሽልማትን
ፕሮፌሰር በየነ ብፖለቲካ ይፈለጥ እምበር ኣብ ስነ-ህይወት (ባዮሎጂ) ዓብዪ ስም ዝነበሮ ምሁር እዩ።
ፈላማይ ዲግሪኡ ኣብ 1965 [ኣ.ግ] ካብ ዩኒቨርሲቲ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ነበር (ናይ ሕጂ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ) ብስነ-ህይወት ረኺቡ። ብድሕሪኡ ናብ ኣመሪካ ብምኻድ ትምህረቱ ቀጺሉ።
ማስተርስ ዲግሪኡ ኣብ ኣመሪካ ዩኒቨርሲቲ ዊስኮንሲን ተቐቢሉ። ዶክትሬት ዲግሪኡ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቱሊን ሰሪሑ።
ፕሮፌሰር በየነ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ንሓያሎ ተማሃሮ ድህረ-ምረቓን ዶክትሬትን ኣምሂሩን ኣማኺሩን።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መራሒ ክፍሊ ትምህርቲ ስነ-ህይወት ብምዃን ስራሕቲ ምርምርን መጽናዕትን ዝጀመረ እዚ ሙሁር መስራትን ፕረዚደንትን ማሕበር ስነ-ህይወት ኢትዮጵያ ነይሩ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዓሶን ካልኦትን ዘተኮረ ፕሮጀክትታት መጽናዕቲ መሪሑ።
ኣብ ሓያሎ ዓለምለኻውያን፣ ኣህጉራውን ሃገራውን ማሕበራት ሞያውያን ኣማኸርቲ ቦርድታትን ኣሰናዳኢ ዋዕላታትን ብምዃን እውን ኣገልጊሉ።
ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ብዙሕ ዓለምለኻውን ሃገራውን ሽልማታትን ወርቂ መዳልያታትን ተዓዊቱ እዩ።
ኣብ መጽናዕታዊ መጽሔታት ከኣ ኣስታት 120 ዝተገምገሙ ሳይንሳዊ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ኣሕቲሙ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







