ፈረንሳ ንቅልውላው ምዕራብ ኣፍሪቃ ተሓታቲት ድያ?

ኒጀር፡ ቡርኪናፋሶ፡ ጊኒ፡ ማሊን ቻድን፡ ኵለን ኣብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ፈረንሳ ዝነበራ እየን።

ኒጀር፡ ኣብቲ ዞባ፡ ሰራዊት ዕልዋ መንግስቲ ዝፈጸመላ ናይ መወዳእታ ሃገር ኰይና ኣላ።

ካብ 1990 ጀሚሩ፡ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ካብ ዝተኻየዱ 27 ዕልዋ መንግስታት፡ እቲ ዘደንጹ 78% ኣብ ሃገራት ‘ፍራንኮፎን’ ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ገለ ወሃብቲ ርእይቶ፡ መግዛእቲ ፈረንሳ ምኽንያት ከይከውን፡ ክብሉ ይጥርጥሩ ኣለዉ።

ብዙሓት ካብቶም ዕልዋ መንግስቲ ዝፈጸሙ ከምኡ ክንሓስብ የገድዱና እዮም።

ኣብ መስከረም 2022 ብወተሃደራዊ ጁንታ ቀዳማይ ሚኒስተር ማሊ ኮይኑ ዝተሸመ ኮሎኔል ዓብዱላየ ማይጋ፡ ኣብ ልዕሊ ፈረንሳ ብርቱዕ ወቐሳ ኣስሚዑ ነይሩ።

ሚስተር ማይጋ፡ "ኒዮኮሎንያሊስት፡ ኣቦኣውን ሕነ ምፍዳይን ፖሊሲታት" ብምንቃፍ፡ ፈረንሳ "ዓለምለኸ ሞራላዊ ክብርታት ጥሒሳ"ን ንማሊ ብድሕሪት ወጊኣታ ክብል ከሲሱ።

ኣብ ቡርኪናፋሶ’ውን ጸረ ፈረንሳዊ ኣተሓሳስባ ይምዕብል ኣሎ።

እቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ፡ ሰራዊት ፈረንሳ ኣብታ ሃገር ክሰርሑ ዘፍቅድ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ስምምዕ ኣብ ለካቲት ብምዝዛሙ፡ ፈረንሳ ሓይልታታ ከተውጽእ ናይ ሓደ ወርሒ ገደብ ግዜ ሂብዋ።

ኣብታ ጐረቤት ክልቲአን ሃገራት ዝዀነት ኒጀር፡ ፕረዚደንት መሓመድ ባዙም ንረብሓታት ፈረንሳ ኣሻንጉሊት እዩ ነይሩ ዝብል ክስታት ብምድርዳር፡ ነቲ ዕልዋ ሕጋዊነት ንምልባስ ተጠቒምሉ።

ብድሕሪ'ዚ፡ ምስ ፈረንሳ ዝጸንሐ ሓሙሽተ ወተሃደራዊ ስምምዓት ብጀነራል ዓብዱራሕማን ትቺያኒ ዝምራሕ ጁንታ ተሰሪዙ።

ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝድግፍ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ ልዕሊ ኤምባሲ ፈረንሳ መጥቃዕትን ኣስዒቡ።

እቲ ታሪኻዊ ፍጻመታት ነዞም ቅሬታታት ዝድግፍ ምኽንያት ዝኸውን እዩ።

መግዛእቲ ፈረንሳ፡ ጨቋኒ ስትራተጂታት እናተጠቐመ፡ ክቡራት ጸጋታት ንምምዝማዝ ዝተዳለወ ፖለቲካዊ ስርዓታት እዩ ዝዝርግሕ ነይሩ።

መግዛእታዊ ምሕደራ እንግሊዝ እውን ከምኡ።

እንተኾነ፡ ብዛዕባ ተራ ፈረንሳ ኣብ ኣፍሪቃ ፍሉይ ዝገብሮ ዝነበረ፡ ድሕሪ ናጽነት’ውን እንተዀነ፡ ኣብተን ናይ ቀደም ግዝኣታታ ክሳብ ክንደይ ትቕጽለሉ ምህላዋ፡ ነቐፍታ ይወቕሱ።

ካብተን ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ትሽዓተ ሃገራት ፍራንኮፎን እተን ሸውዓተ ክሳብ ሕጂ ነቲ ምስ ዩሮ ዘተኣሳሰርን ብፈረንሳ ዝተረጋገጸን ሲኤፍኤ ፍራንክ ከም ባጤራአን ይጥቀማሉ፤ እዚ ድማ ውርሻ ቍጠባዊ ፖሊሲ ፈረንሳ ኣብ ልዕሊ መግዛእታታ ዘርኢ እዩ።

ፈረንሳ፡ ነቶም ኣብ ስልጣን ንኽጸንሑ እትደልዮም ግን ዘይተፈተዉ ደገፍታ፡ ብቐጻሊ ወተሃደራዊ ጣልቃ ናይ ምእታው ስምምዓት ፈጢራ እያ።

ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት እዚ ድማ ኢድ ከም በዓል ፕረዚደንት ቻድ ነበር እድሪስ ደቢን ፕረዚደንት ቡርኪናፋሶ ነበር ብለዝ ኮምፓኦረን ዝኣመሰሉ ስሞም ብብልሽውና ዝለዓል ኣካላት ኣደልዲሉ፡ ንዲሞክራሲ ዝግበር ቃልሲ ተወሳኺ ብድሆታት ፈጢሩን እዩ።

ፈረንሳ፡ ንዝዀነ ካብቶም ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ስልጣኖም ዝተኣልዩ መራሕቲ ሃገራት ናብ ስልጣን ንምምላስ ብወተሃደራዊ መንገዲ ጣልቃ እንተዘይኣተወት’ኳ፡ ኵሎም ግን "ደገፍቲ ፈረንሳ" ኰይኖም ተራእዮም።

ካብኡ ዝገደደ ድማ፡ ኣብ መንጐ ፖለቲካዊ መራሕቲ ፈረንሳን ኣብ ኣፍሪቃውያን መሻርኽቶምን ዝነበረ ርክብ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብልሹው ብምንባሩ፡ ጓሓላሉን ዘረፍትን ሰብ ጸጋ ፈጢሩ።

ፍራንስዋ-ዛቪየር ቨርሻቭ ዝተባህለ ፍሉጥ ፈረንሳዊ ምሁር ስነ-ቍጠባ፡ ፍራንሳ’ፍሪክ ዝብል ቃል ዝመሃዞ፡ "ኣብ ላዕለዎት ቀጸላታት ፖለቲካን ቍጠባን ፈረንሳ" ዘሎ ሓዲስ-መግዛእታዊ ዝምድና ንምግላጽ እዩ።

እዚ ምትእስሳር እዚ፡ ከም ውጽኢቱ ብዙሕ ገንዘብ "ብዘይግቡእ" ክጠፋፋእ ጠንቂ ምዃኑ ይኸስስ።

መንግስታት ፈረንሳ ካብዚ ክስታት ክረሕቍ’ኳ እንተፈተኑ፡ ኣብ መንጐ ፈረንሳ፡ ንግዳዊ ረብሓታት ፈረንሳን ኣፍሪቃን ዘሎ ዝምድናታት፡ ብቐጻሊ ዘሕፍርን ብልሽውናታት ዝመልኦን ርክባት ምዃኑ ይዝረብ።

ስለዚ፡ ብዛዕባ'ዚ፡ ሓደ ኒጀርያዊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ንፈረንሳ እየ ዝቃወም ነይረ... ንዅሉ ሃብቲ ሃገረይ ከም ዩራንየም፡ ነዳዲን ወርቅን መዝሚዞም ወዲኦምዎ" ምባሉ ንምርድኡ ዝኸብድ ኣይኰነን።

እዚ ከምዘሎ ኰይኑ ግን፡ ኣፍሪቃውያን ፖለቲካውያን መሓዙት ፈረንሳ፡ ሓያላት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ወተሃደራዊ ደገፍ ፈረንሳ ድማ ምርግጋእ ንኽቕጽል ሓጊዙ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ፈረንሳን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ስርዓት ናይ ምርግጋጽ ዓቕመን እናተዳኸመ ብምምጽኡ፡ ንነቐፌታ ተቓሊዖም ኣለዉ።

ብፈረንሳ ዝምራሕ ኣህጉራዊ ግብረ-መልሲ ንእስላማዊ ናዕቢ ኣብ ዞባ ሳሕል፡ ዋላ’ኳ ብዙሕ ምወላን ሰራዊትን እንተነበሮ፡ መንግስታት ምዕራብ ኣፍሪቃ ግዝኣቶም ዳግማይ ክቈጻጸሩ ኣየኽኣለን።

እዚ ብፍላይ ንዕጫ ሲቪላውያን መራሕቲ ቡርኪናፋሶን ማሊን ትርጕም ዘለዎ እዩ ነይሩ።

ምኽንያቱ ንዜጋታቶም ክከላኸሉ ዘይምኽኣሎም፡ ደገፍ ፈረንሳ ካብ ረብሓኡ ጉድኣቱ ዝምዘን እዩ ዝብል ዝንባለ ፈጢሩ።

ብግደኡ፡ እናዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ህዝባዊ ቍጥዐን ብስጭትን፡ ንወተሃደራዊ መራሕቲ ዕልዋ መንግስቲ ምፍጻም፡ ብዜጋታት ተቐባልነት ክህልዎ ምዃኑ ዘተባብዕ ኰይኑ።

ይዅን እምበር፡ ፈረንሳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ምስተን ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእታ ዝነበራ ሃገራት እትገብሮ ርክባት ጌጋ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ንዘጋጥመን ዘሎ ዘይምርግጋእ ንዓኣ ጥራይ ዝግደፍ ኣይኰነን።

ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝርከቡ ውልቀ-ምልካውያን መራሕቲ እትድግፍ እንኮ ባዕዳዊት ገዛኢት ኣይኰነትን።

ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት፡ ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ንብዙሓት ውልቀመለኽቲ ንምድጋፍ ካብ ፕረዚደንት ኬንያ ዳኒኤል ኣራፕ ሞይ ክሳብ ሞቡቱ ሰሰ ሰኮ ኣብታ ሽዑ ዛየር ዝነበረት፡ ሕጂ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ሓጊዘን እየን።

ኣብ መንጐ ዕልዋ መንግስቲን ባዕዳዊ መግዛእትን ዘሎ ምትእስሳር ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ኣዝዩ ውሑድ እዩ ነይሩ።

ካብ 1952 ጀሚሩ ዝበዝሐ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ካብ ዝረኣያ ሃገራት ኣርባዕተ፡ ናይጀርያ (8)፡ ጋና (10)፡ ሴራሊዮን (10)፡ ከምኡ’ውን ሱዳን (17) ኰይነን፡ ኵለን ባዕዳዊ መግዛእቲ እንግሊዝ ዘሕለፋ እየን።

ኣብ ግዝኣታት ፍራንኮፎን ዕልዋ መንግስቲ ዝጽዕቕ ዘሎ ኣብዚ ቀረባ እዋን እዩ።

ኣብ ገለ ክፋል ምዕራብ ኣፍሪቃን ዞባ ሳሕልን "ተራእዩ ዘይፈልጥ" ደረጃታት ዘይውሕስነት'ውን ዝተፈጥረ ኰይኑ፡ "ዕጡቓት ጕጅለታት፡ ዓመጽቲ ኣኽረርቲን... ገበናዊ መርበባት" ምብዛሕ፡ እምነት ህዝቢ ኣብ ሲቪላዊ መንግስታት ዘዳኽም ምዃኑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

ነፍሲ ወከፍ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ዝተገብረ ዕልዋ መንግስቲ’ውን ብቐንዱ ብውሽጣዊ ረቛሒታት ዝተደፋፍአ ይመስል።

ኣብ ማሊ፡ ድሕረ ባይታ ናይቲ ዕልዋ መንግስቲ፡ ድሕሪ ምፍራስ መንግስቲ ሊብያ ኣብ 2011 ዋሕዚ ኣኽረርቲ ሓይልታት፡ እቲ ፕረዚደንት ንከባብያዊ ምርጫታት ኣታሊሉ ዝብል ክስታት፡ ከምኡ’ውን ኣብታ ርእሰ ከተማ ብተቓወምቲ ውድባት ዝተዳለወ ጃምላዊ ጸረ-መንግስቲ ተቓውሞታት ዘጠቓልል እዩ።

ናይቲ ሕጂ ኣብ ኒጀር ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ’ውን፡ ፕረዚደንት ባዙም ንወተሃደራዊ ላዕለዋይ ትእዛዝ ንምጽጋንን ጀነራል ትቺያኒ ካብ ስልጣኑ ንምእላይን ዝሓንጸጾ መደብ ዘበገሶ እዩ ዝመስል።

እዚ ዕልዋ መንግስቲ ብሓቂ ልኡላውነት ኒጀር ንምሕላው፡ ወይ ንዝደኸዩ ዜጋታት እታ ሃገር ንምሕጋዝ ዘይኮነስ፡ ንሓለፋታት ወተሃደራዊ መራሕቲ ንምሕላው ዝዓለመ ምዃኑ ሓደ ምልክት እዩ።