ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ‘ዕልዋ ኒጀር’ ስለምንታይ እዩ ዘጨንቐን?

ፕረዚደንት ናይታ ኣብቲ ዞባ ልዕለ ሓያል ዘዀነት ሃገረ ናይጀርያ ዝዀነ ቦላ ቲኑቡ፡ ነቲ ኣብ ኒጀር ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ከም ፈተነ ንዲሞክራሲ ይቘጽሮ።

ኣቦ መንበርነት ዞባዊ ውድብ ኢኮዋስ ድሕሪ ምርካብ ኣብ ሰለስተ ሰሙኑ፡ ኣብታ መሻርኽቲ ምዕራባውያን ዝዀነት ኒጀር ዘጋጠመ ዕልዋ መንግስቲ ዓቢ ብድሆ ፖሊሲ ወጻኢ ኰይንዎ'ሎ።

ሚስተር ቲኑቡ፡ ኣብ ግንቦት ናብ ፕረዚደንትነት ናይጀርያ ኣብ ዝደይበሉ እዋን ብዛዕባ እቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ፡ ማሊን ጊኒን ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ስክፍታታት ነይሩ።

ስለዝዀነ ድማ፡ ኢኮዋስ ተወሳኺ ዕልዋ መንግስቲ ንምክልኻል፣ ከምኡ’ውን ነቶም ዕጡቓት ንምምካት ዞባዊ ሓይላ ከተሐይል ከምዘለዋ ገሊጹ ነይሩ።

ስለዚ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ኒጀር መሓመድ ባዙም ብሓለውቲ ካብ ስልጣኑ ምስ ተኣልየ፡ ብሰንበት ኣብ ቤተ መንግስቱ ዋዕላ መራሕቲ ምዕራብ ኣፍሪቃ ብምጽዋዕ ቅልጡፍ ምላሽ ሂቡ።

እቲ ዞባዊ ውድብ ንኣዘዝቲ ወተሃደራት ኒጀር ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ሂቡ። ንሱ፡ እቶም ጀነራላት፡ ስልጣን ነቲ ዝተመርጸ ፕረዚደንት ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ክመልሱ እንተዘይኰይኑ ኢኮዋስ "ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ንምምላስ ዘድሊ ኵሉ ስጕምትታት" ክወስድ ምዃኑ ዘመልክት እዩ።

"ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ሓይሊ ምጥቃም ከጠቓልል ይኽእል'ዩ። ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ድማ ብቕልጡፍ ክራኸቡ እዮም፡” ክብል ኣብ መግለጺኡ ወሲኹ ሓቢሩ።

ሚስተር ቲኑቡ፡ ኣብ ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ዝረኸቦ ዓወት፡ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ብተቓወምቲ ሕጹያት፡ እቲ ውጽኢት ምትላል እዩ ብዝብል ብድሆ ይገጥሞ’ኳ እንተሎ፡ ንሱ ግን ንነብሱ፡ ኣብ 1980ታት ኣብ ናይጀርያ ኣንጻር ወተሃደራዊ ምሕደራ ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ ዝተሳተፈ ተቓላሳይ ዲሞክራሲ ይገብራ።

"እዚ [ዕልዋ መንግስቲ] ንዲሞክራስያዊ መትከሉ ከም ጸርፊ ገይሩ ዝረአዮ ይመስለኒ፡ ብፍላይ ኣብዚ ሓጺር እዋን፡ ኣቦ መንበርነት ኢኮዋስ ኣብ ዝሓዘሉ ምዃኑ" ይብል ናይጀርያዊ ተንታኒ ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ጸጥታ (ISS) ወለ ኦጀዋለ።

ዝያዳ ወሳኒ ድማ፡ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ናይጀርያ ቀጥታዊ ጽልዋ ኣለዎ።

ክልቲአን ሃገራት ልዕሊ 1500 ኪ.ሜ (930 ማይልስ) ዝዝርጋሕ ዶብ ዝዋሰና ኰይነን፡ ካብቲ ቅድሚ መግዛእቲ ዝነበረ ዘመን ዝጅምር ድልዱል ባህላውን ንግዳውን ምትእስሳራት ኣለወን።

ድሕነቶም እውን ዝተኣሳሰረ እዩ። ዕጡቕ እስላማዊ ጕጅለ ቦኮ ሓራም ኣብ ክልቲአን ሃገራት መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ - ካብ ናይጀርያ፡ ኒጀር፡ ቻድን ካሜሩንን ዝቘመ ወተሃደራዊ ሓይሊ ይቃለሶም ኣሎ።

"ስትራተጂያውን ቴክኒካውን መሻርኽቲ" ናይቲ ሓይሊ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣመሪካን ፈረንሳን ዝርከበአን ኰይነን፡ እተን ዳሕረዎት ክልተ ኣብ ኒጀር ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣለወን።

ኒጀር ኣብ 2022 ኣስታት 4 ሚእታዊት ካብ ዓለማዊ ፍርያት ዩራንየም ክትሕዝ እንከላ፡ ኣብ ዓለም መበል ሻብዓይቲ ዝዓበየት ኣፍራዪት ዩራንየም እያ፤ ኣብ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎ ማዕድን ዩራንየም ትውንን።

ኢኮዋስ ይዅን ምዕራባውያን መሻርኽቲ፡ እቲ ኣብ ሲቪላውን ወተሃደራውን ጠቕሚታት ዝውዕል ራድዮኣክቲቭ ንጥረ ነገር፡ ኣብቲ ዕጡቓት እስላማውያን ዝንቀሳቐሱሉን ሩስያን ጕጅለ ቫግነርን ጽልዋኦም ዘስፍሑሉን ኵነታት ክወድቕ ኣይደልዩን።

ድሕሪ ዕልዋ መንግስቲ፡ ማሊን ቡርኪናፋሶን ናብ ሩስያ ገጸን ክጥወያ ከለዋ፡ ኣብ ኒጀር ዝነበረ ጁንታ ድማ ናብ ተመሳሳሊ ኣንፈት ክኸይድ ከም ዝኽእል ዝንባለታት ኣርእዩ።

መራሒ ቻድ፡ ኣብ 2021 ኣቦኡ ብሓይልታት ዓመጽቲ ምስተቐትለ ብናይ ገዛእ ርእሱ ሰራዊት ኣብ ስልጣን ዝተቐመጠ - ማሃማት እድሪስ ደቢ፡ ትማሊ ሰንበት ናብ ኒጀር ብምኻድ ነቲ ኢኮዋስ ዝሃቦ ውሳነ ክሰምዕ ተማሕጺኑ።

ቻድ ኣባል ናይቲ ዞባዊ ውድብ ኣይኰነትን፡ ሚስተር ደቢ ግን ኣቐዲሙ ብሰንበት ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ተረኺቡ። ከም መጠን ሓደ ሓያል ወተሃደራዊ መራሒ፡ ምስ መራሕቲ ዕልዋ መንግስቲ ርክብ ንምፍጣርን ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ንምምሕጻንን ኣብ ምቹእ ኩነታት ከም ዝነበረ ይረአ ነይሩ።

እቲ ወተሃደራዊ ጁንታ ግን ክሳብ ሕጂ ኣብዩ ኣሎ።

ኣብ ክንድኡ ኣንጻር ምዕራባውያንን ኢኮዋስን ዘነጻጸሩ ቃላት ኣሐይሉ ኣሎ ።

ብኣሽሓት ዝቍጸሩ ሰባት ድማ ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ንምድጋፍ ትማሊ ሰንበት ናብ ጐደናታት ርእሰ ከተማ ኒጀር ኒያሚ ወጺኦም ኣለዉ። ገለ ካብኣቶም ንኤምባሲ ፈረንሳ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ንሩስያ ዝድግፍ ባንዴራታት ከንበልብሉ ተራእዮም።

እቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ኣብ ኒጀር ናይ ዝበዝሐ ደገፍ ኣለዎ ድዩ የብሉን ግን ንጹር ኣይኰነን፤ ልዕሊ ፍርቂ ዜጋታታ ኣብ ሃገሮም ዲሞክራሲ ብዝሰርሓሉ ኣገባብ ዕጉባት ምንባሮም ኣብ 2022 ብ ኣፍሮባሮሜተር ዝተገብረ መጽናዕቲ ይሕብር።

ኣብ ማሊን ቡርኪናፋሶን ዝርከቡ ወተሃደራዊ መራሕቲ፡ ንኢኮዋስ ኣብ ኒጀር ወተሃደራዊ ምትእትታው ከይገብር ኣጠንቂቘም፡ እዚ "ኣዋጅ ኲናት ክኸውን'ዩ” ብምባል፡ ንብጾቶም መራሕቲ ዕልዋ መንግስቲ ክከላኸሉ ክኸዱ'ዮም።

ስለዚ እቲ ወተሃደራዊ ምትእትታው ናብ ምሉእ ዞባዊ ግጭት ናይ ምስፋሕ ሓደጋ ኣለዎ።

ይዅን እምበር፡ ኢኮዋስ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ላይበርያ፡ ሴራሊዮን፡ ጊኒ-ቢሳውን ጋምብያን፡ ካብ ስልጣኖም ዝተኣልዩ ፕረዚደንታት ንምምላስ ወይ ድማ ኣብ መረጻ ስዕረት ምቕባል ንዝኣበዩ መራሕቲ ብሓይሊ ንምውራድ ሰራዊት ሰዲዱ ነይሩ።

እዚ ምትእትታዋት እዚ፡ ዋላ'ኳ ሰራዊቶም ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት'ውን እንተተኸሰሱ፡ ምስቲ "ኣብ ውሽጢ እቲ ዞባ ሰላም፡ ምርግጋእን ጸጥታን" ንምዕቃብ ዝሓዞ ዕማም ዝሰማማዕ እዩ ነይሩ፤ ።

ሚስተር ኦጀዋለ፡ ንናይጀርያን ብዙሓት ካብተን ንዕኡ ዘቘማ ሃገራትን፡ ናይ ገዛእ ርእሰን ጸጥታዊ ብድሆታት ኣብ ዝገጥመን ዘሎ እዋን፡ ኢኮዋስ ኣብ ኒጀር - ጣልቃ ንምእታው ወተሃደራዊ ዓቕሚ ኣለዎ ድዩ የብሉን ርግጸኛ ኣይኰነን።

"እቲ ዘለዎም ንእሽቶ ዓቕሚ ክበታተን ይኽእል'ዩ" ኢሉ። እቲ ኲናት ከስዕቦ ዝኽእል ማሕበራዊ ቅልውላው'ውን የስግኦ።

ብዛዕባ ድሕነት እቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየን ኣብ ኢድ እቲ ወተሃደራዊ ጁነታ ዝርከብን ፕረዚደንት ብዝምልከት እውን ሕቶታት ይለዓል ኣሎ።

ካልእ ተንታኒ ጃፋር ኣቡበከር፡ ኢኮዋስን እቲ ወተሃደራዊ ሓይልን ውግእ እንተገጢሞም፡ "መሸማገሊ" ክኸውን ከምዝኽእል ይምጉት።

"[ሚስተር ባዙም] ብህይወትን ብጽቡቕን ምጽናሕ ንረብሓ [ጁንታ]'ዩ። እንተቐቲሎምዎ፡ ዝዀነ ዓይነት ሕጋውነት ዘይብሎም ዓመጽቲ ይዀኑ።"