እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ መከላኸሊ መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ብነጻ ይወሃብ ድዩ?
ክታበት ኤችፒቪ ወይ ህዩማን ፓፒሎማቫይረስ፡ መልከፍቲ መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ብ90 ሚእታዊት ክከላኸል ከምዝኽእል መጽናዕቲ የመልክቱ።
‘ህዩማንፓፒሎማቫይረስ’ ኣዝዩ ልሙድ ጕጅለ ቫይረሳት ኰይኑ ኤችፒቪ ብዝብል ኣሕጽሮት ይጽዋዕ።
መጽናዕቲታት ከምዝሕብርዎ ልዕሊ 100 ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኤችፒቪ ኣለዉ።
ኣብ መብዛሕትኦም ዝዀነ ጸገም ኣየስዕቡን፤ እንተዀነ ግን ገለ ካብኣቶም ጡብ ኣድጊ ብልዕቲ ከስዕቡ፡ ንቆርበት ክጸልዉን ረኽሲ ከስዕቡን ተኽእሎ ኣሎ።
እዚ ቫይረስ ኣዝዩ ተመሓላላፊ ብምዃኑ፡ ብቐሊሉ ዝርከብን ብናይ ቆርበት ምትንኻፍ ብቐሊሉ ዝላባዕን እዩ።
ረኽስታት ኤችፒቪ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ብጾታዊ ርክብ ወይ ቆርበት ምስ ቆርበት ብምትንኻፍ ዝመሓላለፉ ስለዝዀኑ ሓደገኛታት እዮም።
መብዛሕትኦም ረኽሲታት ኤችፒቪ ናብ መንሽሮ ዘምርሑ ኣይኰኑን።
ይዅን’ምበር ምስ ከም መንሽሮታት መሃንቱስ፡ መትሎ፡ ብልዕቲ፡ ርሕሚ፡ ጐረሮን ድማ ምስ ረኽሲ ኤችፒቪ ዝተኣሳሰሩን ከምኡ’ውን መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ከስዕቡ ዝኽእሉ ረኽሲታት ኣለዉ።
መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዝረኣዩ ዓይነታት መንሽሮ ብብዝሒ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ዝስራዕ ኰይኑ፡ ዓመታዊ ልዕሊ 300 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ይቐትል።
እዚ ውጽኢታዊ ዝተበሃለ ክታበት ኤችፒቪ፡ ካብ ትሽዓተ ዓይነታት እቲ ቫይረስ ዝከላኸል እዩ። መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ብ90 ሚእታዊት ይቕንስ ከምዘሎ ድማ መጽናዕቲ የመልክቱ።
ምልክታት ረኽሲ ኤችፒቪን ሓደጋታቱን
ረኽሲ ኤችፒቪ ዝዀነ ምልክት ዘይከርኢ ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ቅድሚ ጡብ ኣድጊ ምፍጣሩ፡ ብስርዓተ ምክልኻል ኣካላትና ከምዝስዓር ይግለጽ።
ኰይኑ ግን ጡብ ኣድጊ እንተተፈጢሩ፡ ከከም ዓይነት እቲ ቫይረስ መልክዑ ክፈላለ ይኽእል።
ሓደ ምልክት እቲ ረኽሲ ልሙድ ጡብ ኣድጊ እዩ፤ እዚኦም መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣእዳውን ኣጻብዕትን ይኽሰቱ።
ጡብ ኣድጊ ብልዕቲ እውን ካልእ ምልክት እዩ። እዚኦም ከም ጸፍሒ ውቃዕ ዝመስሉ ኰይኖም ኣብ ደቂ ኣንስትዮ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ከባቢ ሕምቦ፡ ኣብ ጥቓ መሃንቱስ፡ ኣብ ክሳድ ማህጸን ወይ ኣብ ርሕሚ እውን ክኽሰቱ ይኽእሉ።
ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ኣብ መትሎ ወይ ኣብ ከባቢ መሃንቱስ ይረአዩ።
ካልኦት ዓይነታት ጡብ ኣድጊ እውን ኣለዉ፤ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሸኾና ወይ ትሕቲ እግሪ ዝረኣይ ተሪር ጡብ ኣድጊ፡ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ከባቢ ጭሕሚ፡ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከባቢ እግረን ከምኡ’ውን ኣብ ህጻናት ኣብ ከባቢ ገጾም ይረኣዩ።
ረኽሲ ኤችፒቪ ካብ ዘስዕቦም ቀንዲ ጸገማት ሓደ መንሽሮ ክሳድ ማህጸን እዩ።
መንሽሮ ክሳድ ማህጸን እንታይ እዩ?
መንሽሮ ኣብ ማህጸን ጓል ኣንስተይቲ ክምዕብል ከሎ፡ መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ተባሂሉ ይጽዋዕ። መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ምስ ግዜ ቀስ ኢሉ ዝምዕብል ኰይኑ ጸኒሖም ዋህዮታት መንሽሮ ክዓብዩን ናብ ውሽጢ ማህጸንን ናብ ከባቢኡን ብዝያዳ ይዝርግሑ።
ጠንቂ መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ክዀኑ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ረቛሒታት’ኳ እንተሃለዉ፡ ዳርጋ ኵሎም መንሽሮታት ክሳድ ማህጸን ብረኽሲ ኤችፒቪ ዝመጹ እዮም።
መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ሓደ ካብቶም ክከላኸሉን ክፍወሱን ዝኽእሉ ዓይነታት መንሽሮ’ኳ እንተዀነ፡ ሕጂ’ውን ሓደ ካብቶም ዝበዝሑ ጠንቂ ሞት ደቂ ኣንስትዮ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።
መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ብደረጃ ዓለም ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ብራብዓይ ደረጃ ብብዝሒ የጋጥም፤ ኣብ 2020 ብገምጋም 604 ሽሕ ሓደስቲ መልከፍቲ ዝነበረ ክኸውን ከሎ 342 ሽሕ ድማ ሞይተን እየን።
ዝለዓለ መጠን ተርእዮን ሞትን መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ኣብተን ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለወን ሃገራት እዩ። እዚ ድማ ሕጽረት ሃገራዊ ክታበት ኤችፒቪ፡ ኣገልግሎት መርመራን ሕክምናን ማህጸን፡ ወሰንቲ ማሕበራውን ቍጠባውን ነገራትን ብዘይምህላዎም ዝድረኽ እዩ።
ንምዝርጋሕ ክሳዕ 20 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ስለዝወስድ ድማ ከይተፈልጠ ነዊሕ ክጸንሕ ተኽእሎ ኣሎ።
ምልክታትን መከላኸሊን መንሽሮ ክሳድ ማህጸን
መንሽሮ ክሳድ ማህጸን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መጀመርታ ርኡይ ምልክታት የብሉን። ሓደገኛ ዝገብሮ ድማ ምልክታት ክረኣዩ ዝጅምሩ እቲ መንሽሮ ኣብ ልዑል ደረጃ ምስ በጽሐ ጥራይ እዩ። ኣብዚ እዋን ዝያዳ ከበድቲ ምልክታት ክረኣዩ ይኽእሉ።
ገለ ካብዚኦም እዞም ዝስዕቡ እዮም፡
- ኣብ መንጐ ወርሓዊ ጽግያት ዘጋጥም ዘይስሩዕ መፍሰስቲ ደም
- ድሕሪ ጾታዊ ርክብ ዘጋጥም ዘይንቡር መፍሰስቲ ደም
- ዘይምቾት ርሕሚ
- ኣብ መንጐ ወርሓዊ ጽግያት ወይ ድሕሪ ጽግያት ክኽሰት ዝኽእል ካብ ርሕሚ ዝወጽእ ጨናዊ ፈሳሲ፤ እቲ ፈሳሲ ገለ ደም ክህልዎ ይኽእል
- ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ዘጋጥም ቃንዛ
- ቃንዛ ሕቘ፡ እግሪ ወይ ሽምጢ
- ድኻም
- ምጉዳል ክብደት ሰብነት
- ምጉዳል ሸውሃት ምግቢ
- ኣብ ሓንቲ እግሪ ዘጋጥም ሕበጥ
መንሽሮ ክሳድ ማህጸን መብዛሕትኡ ርኡይ ምልክታት ስለዘየርኢ፡ ደቂ ኣንስትዮ ካብ 30 ዓመት ዕድመ ጀሚረን ኣብ ነፍሲ ወከፍ 5-10 ዓመት መርመራ መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ክገብራ ይምከራ።
ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ሃገራት ኣብ ዝቕጽሉ ዓሰርተታት ዓመታት መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ንምውጋድ ይሰርሓ ኣለዋ።
ቀንዲ መከላኸሊ መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ድማ ክታበት ኤችፒቪ እዩ።
ክታበት ኤችፒቪ ኣወዳትን ኣዋልድን ቅድሚ በቲ ቫይረስ ምልካፎም እንተወሲዶምዎ ኣዐርዩ ውጽኢታዊ ይኸውን።
ምኽንያቱ እቲ ክታበት ረኽሲ እዩ ዝከላኸል እምበር እቲ ቫይረስ ሓንሳብ ናብ ሰብነትና ምስ ኣተወ ከወግዶ ኣይክእልን።
እቶም ቫይረሳት ብሰፊሑ ስለዝረኣዩ፡ እቲ ክታበት ቈልዑ ቅድሚ ጾታዊ ስምዒቶም ምዕባዩ ክወስድዎ ኣለዎም።
እቲ ክታበት ብሓደ ወይ ክልተ ዶዝ ክወሃብ ከምዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም የረድእ። ትሑት ዓቕሚ ምክልኻል ዘለዎም ድማ ክልተ ወይ ሰለስተ ዶዝ ክውስዱ ይኽእሉ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝሕብሮ 90 ሚእታዊት ሞት መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ኣብ ትሑትን ማእከላይን ኣታዊ ዘለወን ሃገራት እዩ ዘጋጥም። ካብዚ እቲ ዝለዓለ መጠን ኣብ ትሕቲ ሳህራ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከባ ሃገራት እዩ።
ኣብዘን ሃገራት እቲ ሕማም ምልክታት ክሳብ ዘርኢን ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ክሳብ ዝበጽሕን ኣይፍለጥን። እኹል መደባት ምመያ ዘይምህላው፡ ውሱን ቀረብ ኣገልግሎትን ክታበት ኣብ ምውሳድ ዘሎ ጥርጣረን ነቲ ጸገም ኣበርክቶ ዝገብሩ እዮም።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ 2020 ዝርግሐ ክታበት 90 ሚእታዊት ብምብጻሕ፡ ነቲ ቫይረስ ኣብ ዝቕጽል ሚእቲ ዓመት ከጥፍኦ ከምዝዓለመ ቅድም ክብል ገሊጹ ነይሩ።
ኣብዚ እዋን 140 ሃገራት ክታበት ኤችፒቪ የተኣታትዋ ከምዘለዋ እውን ጠቒሱ። ሓንቲ ካብዚአን ኢትዮጵያ እያ።
ክታበት ኤችፒቪ ኣብ ኢትዮጵያ ብነጻ ይወሃብ ድዩ?
ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት 37 ሚልዮን ዕድመአን 15 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ፤ እዚአን መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ንምምዕባል ኣብ ሓደጋ ዝርከባ እየን።
እዋናዊ ግምታት ከምዘመልክትዎ ኣብ ዓመት 7445 ደቂ ኣንስትዮ ብመንሽሮ ክሳድ ማህጸን ክልከፋ እንከለዋ 5338 ድማ ብሰንኪ እቲ ሕማም ይሞታ። መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ምስ መንሽሮ ዝተኣሳሰር ሞት ብምስዓብ ካልኣይ ደረጃ ሒዙ ይርከብ።
ክታበት ኤችፒቪ ኣብ ኢትዮጵያ ንደቂ 14 ዓመት ኣዋልድ ዒላማ ብምግባር ኣብ ታሕሳስ 2018 ተኣታትዩ እዩ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ምስ ክልላዊ ኣብያተ ጽሕፈት ጥዕናን ትምህርትን፡ ወሰንቲ መዳርግቲ ኣካላት፡ ከምኡ እውን ከም ውድብ ጥዕና ዓለምን ዩኒሴፍን ዝኣመሰሉ መሻርኽቲ ብምትሕብባር ንኣሰራርሓን ዝርጋሐን እቲ ክታበት ከወሃህድ ጸኒሑ እዩ።
ዋላ'ኳ፡ ክኽልከል ዝኽእል ዓይነት መንሽሮ እንተዀነ፡ ክልቲኡ ኣሃዛት ተርእዮን ሞትን ኣብ ሃገራዊ ከምኡ’ውን ዓለማዊ ኵነታት፡ ንጽሬት ህይወት ደቂ ኣንስትዮ ዝጸሉ ዓቢ ጸገም ጥዕና ተፈጥሮ ምዃኑ ዘንጸባርቕ እዩ።
ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ነዚ ክታበት ብነጻ ዝህባ ሃገራት ኣፍሪቃ’ኳ እንተዀነት፡ መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ግን ንህይወት ደቂ ኣንስትዮ ዝጸሉ ዓቢ ጸገም ጥዕና ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።
ቍጽሪ ተጠቀምቲ እውን ካብቲ ኣብ 2030 ውድብ ጥዕና ዓለም ዝሓንጸጾ ሸቶታት ዝተሓተ ምዃኑ መጽናዕቲታት ይሕብሩ።
እዚ ክታበት ኣካል ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ መደብ ክታበት ከምዘይኰነ ዝፍለጥ እዩ። ሓደ ካብቶም መከላኸሊ ሜላታት መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ምርመራ’ኳ እንተዀነ፡ እዚ ግን ኣብ ኢትዮጵያ ትሑት መጠን ሽፋን እዩ ዘለዎ።
ሕጽረት ክታበትን ኣብ ኵለን ትካላት ጥዕና ዘይምህላውን፡ ኣብ ጠንቅን ኣተሓሕዛን መንሽሮ ማህጸን ነዊሕ ሱር ዝሰደዱ ግጉይ ባህላዊ እምነታትን ከምኡ’ውን ንቕሓት ንምዕባይ ዝዓለመ ምትእስሳር ሕብረተሰብ ዘይምህላውን ብዙሕ ሞት ንኸጋጥም ምኽንያት ካብ ዝዀኑ ዘለዉ ብድሆታት ምዃኖም ይግለጽ።
ሓላፊ ክታበት ውድብ ጥዕና ዓለም ኢትዮጵያ ዶክተር መኮነን ኣድማሱ፡ ኣዋልድ ቅድሚ ነቲ ቫይረስ ምቅላዐን ክታበት ኤችፒቪ ክወስዳ ከምዘለወን ምምዓዱ መርበብ ሓበሬታ እቲ ትካል ይጠቅስ።
ወለድን ኣለይትን፡ ኣዋልዶም በቲ ድሒሩ መንሽሮ ማህጸን ከስዕብ ዝኽእል ቫይረስ ከይልከፋ፡ ኣብ ልክዕ ዕድመ ክታበት ከምዝረኽባ ከረጋግጹ ከምዘለዎም ድማ የስምር።